ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ህዝቅኤል 19:1-14

ትሕዝቶ

  • ንሹማምንቲ እስራኤል እተለቕሰሎም ልቕሶ (1-14)

19  “ንስኻ ኸኣ ንሹማምንቲ እስራኤል ኣልቅሰሎም፡  ከምዚ ድማ በል፦ ‘ኣዴኻ እንታይ ነበረት፧ ኣብ መንጎ ኣናብስ እትርከብ ዋዕሮ። ኣብ መንጎ ሽደናት ኣናብስ በጥ ኢላ ዀራዅራ ኣዕበየት።   ሓደ ኻብቶም ኰራዅራ ኣዕበየት፣ ሽደን ኣንበሳ ኸኣ ኰነ።+ ከመይ ገይሩ ግዳይ ከም ዚሰላልዕ ድማ ተማህረ፣ ሰባት እኳ በልዐ።   ኣህዛብ ብዛዕባኡ ሰምዑ፣ ኣብ ጕድጓዶም ከኣ ሓዝዎ፣ ብዓንቃሪቦታት ድማ ናብ ምድሪ ግብጺ ወሰድዎ።+   ንሳ ተጸበየት፣ ኪምለስ ተስፋ ኸም ዘይብሉ እውን ረኣየት። ስለዚ፡ ካብ ኰራዅራ ኻልእ ወሲዳ፡ ሽደን ኣንበሳ ገይራ ሰደደቶ።   ንሱ እውን ኣብ መንጎ ኣናብስ ተመላለሰ፣ ሽደን ኣንበሳ ኸኣ ኰነ። ከመይ ገይሩ ግዳይ ከም ዚሰላልዕ ድማ ተማህረ፣ ሰባት እኳ በልዐ።+   ኣብ መንጎ እተዓርደ ግምብታቶም ተጸናተወ፡ ከተማታቶም ድማ ኣዕነወ፣ ስለዚ፡ እታ ዝባደመት ምድሪ ብደሃይ ምጕዛሙ መልአት።+   ኣህዛብ ካብቲ ኣብ ከባቢ ዘሎ ኣውራጃታት መርበቦም ኪድርብዩሉ መጹ፣ ኣብ ጕድጓዶም ከኣ ተታሕዘ።   ብዓንቃሪቦታት ድማ ኣብ ቆፎ እንስሳ ኣእትዮም ናብ ንጉስ ባቢሎን ወሰድዎ። ድምጹ ኣብ ኣኽራን እስራኤል ምእንቲ ኸይስማዕ ከኣ ኣብኡ ዳጐንዎ። 10  ኣዴኻ ኣብ ደምካ* ኣብ ጥቓ ማያት ከም እተተኽለት ተኽሊ ወይኒ ነበረት።+ ሳላ እቲ ብዙሕ ማይ ድማ፡ ፍረ ፈረየት፡ ብዙሕ ጨናፍር እውን ነበራ። 11  ንዘንግታት ገዛእቲ ዚኸውን ድልዱል ጨናፍር* ኣውጽአት። ዓበየት፡ ካብ ካልኦት ኣእዋም እውን ነውሐት፣ ብንውሓታን ብብዝሒ እቲ ልሙዕ ጨናፍራን ከኣ እትርአ ዀነት። 12  ግናኸ፡ ብነድሪ ተማሕወት፡+ ናብ ምድሪ እውን ተደርበየት፣ ንፋስ ምብራቕ ድማ ፍሪኣ ኣንቀጸ። ድልዱል ጨናፍራ ተሰልዐ፡ ነቐጸ፡+ ብሓዊ ኸኣ ተበልዐ።+ 13  ሕጂ ኣብ በረኻ፡ ማይ ኣብ ዘይብሉ ምድሪ ኣጻምእ ተተኺላ ኣላ።+ 14  ሓዊ ኻብ ጨናፍራ* ወጺኡ ንጠጥዓን ንፍሪኣን በልዖ፣ ድልዱል ጨንፈር ኰነ ንምግዛእ ዚኸውን ዘንጊ ድማ ኣይተረፈን።+ “‘እዚ ልቕሶ እዩ፣ ልቕሶ ኸኣ ኪኸውን እዩ።’”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ኣባትር።”
ወይ፡ “ኣባትራ።”