ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ህዝቅኤል 17:1-24

ትሕዝቶ

  • ሕንቅሕንቅሊተይ ክልተ ንስርን ተኽሊ ወይንን (1-21)

  • ልምልምቲ ጠጥዒ፡ ግርምቲ ቄድሮስ ኰነት (22-24)

17  ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦  “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ብዛዕባ ቤት እስራኤል ሕንቅሕንቅሊተይ በል፡ ምስላ እውን መስል።+  ከምዚ በል፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ዓብዪ ዝኣኽናፉን ነዊሕ ዝመንገብገቡን ሕብራዊ ኽንቲት ዝመልኦን ዓብዪ ንስሪ+ ናብ ሊባኖስ መጸ፣+ ጫፍ ቄድሮስ ድማ ወሰደ።+  ጫፍ ጨንፈራ ሰሊዑ፡ ናብ ምድሪ ነጋዶ* ኣምጺኡ፡ ኣብ ከተማ ነጋዶ ገበራ።+  ካብ ዘርኢ እታ ምድሪ ወሲዱ+ ኸኣ ኣብ ፍርያም ግራት ገበራ። ከም ኲሓ ድማ ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማያት ተኸላ።  ንሳ ኸኣ በቘለት፣ ልሙዕ ጨናፍራ ናብ ውሽጢ ገጹ ዜስፋሕፍሕ፡ ሰራውራ ኣብ ትሕቲኣ ዚዓቢ ሓጻር ተኽሊ ወይኒ ዀነት።+ በዚ ኸምዚ፡ ተኽሊ ወይኒ ዀነት፣ ጠጥዕን ጨናፍርን ከኣ ኣውጽአት።+  “‘“ዓብዪ ዝኣኽናፉን ነዊሕ ዝመንገብገቡን ካልእ ዓብዪ ንስሪ ድማ መጸ።+ ሽዑ፡ እታ ተኽሊ ወይኒ ሰራውራ ኻብቲ እተተኽለትሉ መደብ ስፍራ ኣታኽልቲ ኣርሒቓ ብሃንቀውታ ናብኡ ዘርግሐት፣ ንሱ ብመስኖ ኼስትያ ኸኣ ልሙዕ ጨናፍራ ናብኡ ሰደደት።+  ጨናፍር ምእንቲ ኸተውጽእን ፍረ ምእንቲ ኽትፈርን ግርምቲ ተኽሊ ወይኒ ምእንቲ ኽትከውንንሲ፡ ድሮ ኣብ ጽቡቕ ግራት ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማያት ተተኺላ ነበረት።”’+  “ከምዚ ድማ በል፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ክትለምዕ ድያ፧ ፍሪኣ ኺምሽምሽን ጠጥዓ ኺጽምሉንሲ+ ሱራዶ ኣይኪምንቈስን እዩ፧+ እምብዛ ንቕጽቲ ስለ እትኸውን፡ ካብ ሱራ ንምምንቋስ ብርቱዕ ቅልጽም ወይ ብዙሕ ህዝቢ ኣይኬድልን እዩ። 10  ዝፈለሰት እኳ እንተ ዀነት፡ ክትለምዕ ድያ፧ ንፋስ ምብራቕ ምስ ነፈሰ፡ ጠሪሳዶ ኣይክትነቅጽን እያ፧ ኣብቲ ዝበቘለትሉ መደብ ስፍራ ኣታኽልቲ ኽትነቅጽ እያ።”’” 11  ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 12  “በጃኻ ነታ ዓላዊት ቤት፡ ‘እዚ እንታይ ማለት ምዃኑስ ኣይትፈልጡን ዲኹም፧’ በላ። ከምዚ እውን በል፦ ‘እንሆ፡ ንጉስ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም መጺኡ፡ ንጉሳን መሳፍንታን ወሲዱ፡ ምስኡ ናብ ባቢሎን ኣምጺእዎም።+ 13  ካብ ዘርኢ ንጉስ ወሲዱ ኸኣ፡+ ምስኡ ኺዳን ኣትዩን ኣምሒልዎን።+ ምርኡያት እታ ምድሪ ድማ ወሲዱ፣+ 14  እታ መንግስቲ ኽትዋረድ እሞ ኸይትትንስእ፡ ኪዳኑ ብምሕላው ጥራይ ምእንቲ ኽትነብር፡ ከምኡ ገይሩ።+ 15  ግናኸ፡ ንጉስ፡ ኣፍራስን+ ዓብዪ ሰራዊትን+ ኪረክብ ኢሉ፡ ናብ ግብጺ ልኡኻት ብምስዳድ፡ ካብኡ ዓልዩ።+ እሞኸ ኺሰልጦ ድዩ፧ እቲ ኸምዚ ዚገብር ዘሎስ ካብ መቕጻዕቲዶ ኼምልጥ እዩ፧ ኪዳን ኣፍሪሱስ ኬምልጥ ድዩ፧’+ 16  “‘“ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ” ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ “ንሱ ኣብ ባቢሎን፡ እቲ ዘንገሶ፡* እቲ ማሕላኡ ዝነዓቖን ኪዳኑ ዘፍረሶን ንጉስ* ኣብ ዚነብረላ ቦታ ኺመውት እዩ።+ 17  እቶም ዓብዪ ሰራዊትን እቶም ብዙሓት ጭፍራን ፈርኦን ከኣ፡ ብዙሕ ህይወት* ንምጥፋእ ዕርዲ ኸበባ ምስ ተዀመረን መንደቕ ከበባ ምስ ተሃንጸን፡ ኣብ ውግእ ኣይኪረድኡን እዮም።+ 18  ንሱስ ማሕላ ንዒቑ፡ ኪዳን እውን ኣፍሪሱ እዩ። ቃል እኳ እንተ ኣተወ፡* እዚ ዅሉ ገይሩ እዩ፣ ኣይኬምልጥን ድማ እዩ።”’ 19  “‘ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ፡ ሳዕቤናት ምንዓቕ ማሕላይን+ ምፍራስ ኪዳነይን ኣብ ርእሱ ኸምጽእ እየ። 20  መርበበይ ኣብ ልዕሊኡ ኽድርቢ እየ፣ ብመርበብ ሃድነይ ድማ ኪትሓዝ እዩ።+ ናብ ባቢሎን ክወስዶ፡ ኣብኡ ኸኣ በቲ ኣባይ ዝፈጸሞ ጥልመት ምስኡ ናብ ፍርዲ ኽኣቱ እየ።+ 21  ኵሎም ህዱማት ጭፍራታቱ ብሰይፊ ኺወድቁ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ናብ ኵሉ ኣንፈት* ፋሕ ኪብሉ እዮም።+ ሽዑ፡ ኣነ የሆዋ ኸም እተዛረብኩ ኽትፈልጡ ኢኹም።”’+ 22  “‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ካብ ጫፍ እቲ ነዊሕ ቄድሮስ+ ጨንፈር ወሲደ ኽተኽላ እየ፣ ካብ ጫፍ ውልዶኣ ልምልምቲ ጠጥዒ ኽወስድ፡+ ኣብ ነዊሕን በሪኽን ከረን ከኣ ክተኽላ እየ።+ 23  ኣብ ነዊሕ ከረን እስራኤል ክተኽላ እየ፣ ጨናፍራ ድማ ኪዓቢ እዩ፣ ፍረ ኸኣ ከተፍሪ፡ ግርምቲ ቄድሮስ እውን ክትከውን እያ። ኵለን ዓይነት ኣዕዋፍ ኣብ ትሕቲኣ ኺነብራ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል እቲ ልሙዕ ጨናፍራ ድማ ኪሰፍራ እየን። 24  ኣነ የሆዋ ነታ ነዋሕ ኦም ከም ዘዋረድክዋ፡ ነታ ሓጻር ኦም እውን ልዕል ከም ዘበልክዋ፡+ ነታ ጥልልቲ ኦም ከም ዘንቀጽክዋ፡ ነታ ንቕጽቲ እውን ከም ዘጠጣዕክዋ፡+ ኵሉ ኣእዋም መሮር ኪፈልጥ እዩ። ኣነ የሆዋ ተዛሪበ ኣለኹ፡ ገይረዮ እውን ኣለኹ።”’”

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ምድሪ ከነኣን።”
ማለት፡ ንጼዴቅያስ።
ማለት፡ ነቡካድነጻር።
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኢዱ እኳ እንተ ሃበ።”
ቃ.ቃ.፡ “ናብ ኵሉ ንፋስ።”