ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ህዝቅኤል 16:1-63

ትሕዝቶ

  • ኣምላኽ ንየሩሳሌም ዘለዎ ፍቕሪ (1-63)

    • እተደርበየት ውላድ ከላ ረኸባ (1-7)

    • ኣምላኽ ሰለማ፡ ቃል ኪዳን ድማ ኣተወላ (8-14)

    • ዘይእምንቲ ዀነት (15-34)

    • ዘማዊት ብምዃና ተቐጽዐት (35-43)

    • ምስ ሰማርያን ሶዶምን ተነጻጸረት (44-58)

    • ኣምላኽ ኪዳኑ ይዝክር (59-63)

16  ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦  “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንየሩሳሌም፡ እቲ ፍንፉን ተግባራታ ኣፍልጣ።+  ከምዚ በላ፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ንየሩሳሌም ከምዚ ይብላ ኣሎ፦ “መበቈልክን ልደትክን ኣብ ምድሪ ከነኣናዊ እዩ። ኣቦኺ ኣሞራዊ እዩ፣+ ኣዴኺ ኸኣ ሔታዊት እያ።+  ብዛዕባ ልደትኪ ድማ፡ በታ እተወለድክላ መዓልቲ፡ ዕትብትኺ ኣይተቘርጸን፡ ክትጸርዪ ኸኣ ብማይ ኣይተሓጸብክን፡ ብጨው ድማ ኣይተደረዝክን፡ ብኽዳውንቲ እውን ኣይተጠቕለልክን።  ከምዚ ኺገብረልኪ ኢሉ ዝደንገጸልክስ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ዋላ ሓደ እውን ኣይራሕርሓልክን። የግዳስ፡ በታ እተወለድክላ መዓልቲ ስለ እተጸላእኪ፡* ናብ ቃልዕ መሮር ተደርቢኺ።  “‘“ክሓልፍ ከለኹ ኸኣ፡ ኣብ ደምኪ ፈንጠርጠር ክትብሊ ኸለኺ ርእየኪ፣ ኣብ ደምኪ በጥ ኢልኪ ኸለኺ ድማ፡ ‘ብህይወት ንበሪ!’ ኢለኪ። እወ፡ ኣብ ደምኪ በጥ ኢልኪ ኸለኺ፡ ‘ብህይወት ንበሪ!’ ኢለኪ።  ከም ኣብ ግራውቲ ዚበቍል ኣትክልቲ፡ ኣእላፋት ገይረኪ፣ ነዊሕኪ፡ ዓቢኺ፡ ብሉጽ ክዳውንቲ ድማ ተኸዲንኪ። ኣጥባት ኣውጺእኪ፡ ጸጕርኺ ኸኣ ነዊሑ፣ ግናኸ፡ ጥራይክን ዕርቕትን ኢኺ ኔርኪ።”’  “‘ክሓልፍ ከለኹ ምስ ረኣኹኺ ኸኣ፡ ንፍቕሪ ኸም ዝኣኸልኪ ኣስተብሂለ። ስለዚ፡ ክዳነይ* ኣብ ልዕሌኺ ዘርጊሐ+ ዕርቃንኪ ኸዲነ፣ ምሒለልኪ፡ ኪዳን እውን ኣትየልኪ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ናተይ እውን ኴንኪ።  ብማይ ከኣ ሓጺበኪ፡ ካብ ደምኪ ድማ ኣጽርየኪ፡ ዘይቲ እውን ለኽየኪ።+ 10  ብጥሉፍ ክዳን ከኣ ከዲነኪ፡ ሳእኒ ብሉጽ ቈርበት* ድማ ሂበኪ፡ ብቕጭን በፍታ ኸኣ ጠምጢመኪ፡ ብኽቡር ክዳን እውን ከዲነኪ። 11  ብስልማት ሰሊመኪ፣ ኣብ ኣእዳውኪ ኣምባር፡ ኣብ ክሳድኪ እውን ድሪ ገይረልኪ። 12  ኣብ ኣፍንጫኺ ኸኣ ቀለቤት፡ ኣብ ኣእዛንኪ ድማ ኵትሻ፡ ኣብ ርእስኺ እውን ጽቡቕ ዘውዲ ገይረልኪ። 13  ብወርቅን ብብሩርን ተሰሊምኪ፣ ክዳንኪ ኸኣ ቅጭን በፍታን ክቡር ክዳንን ጥሉፍ ክዳንን እዩ ነይሩ። ድኹም ሓርጭን መዓርን ዘይትን ትበልዒ ኔርኪ፣ ኣዚኺ ድማ ጸቢቕኪ ኔርኪ፣+ ንግስቲ ንምዃን* እትበቕዒ እውን ኴንኪ ኔርኪ።’” 14  “‘ጽባቐኺ ሳላ እቲ ዘልበስኩኺ ግርማይ ፍጹም እዩ ነይሩ እሞ፡+ ዝናኺ* ኣብ ኣህዛብ ተዘርጊሑ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።” 15  “‘ንስኺ ግና ብጽባቐኺ ተኣሚንኪ፣+ ብሰንኪ ዝናኺ ድማ ኣመንዝራ ዄንኪ።+ ምንዝርናኺ ኸኣ ምስ ኵሉ ሓላፍ መገዲ ኣብዚሕኪ፣+ ጽባቐኺ እውን ናቱ ዀይኑ። 16  ገለ ኻብቲ ኽዳውንትኺ ወሲድኪ፡ ሕብራዊ በረኽቲ ጌርኪ ኣብኡ መንዚርኪ፣+—ከምዚ ዝበለስ ኪግበር ኰነ ኪኸውን ኣይነበሮን። 17  ነቲ ኻብቲ ኣነ ዝሃብኩኺ ወርቅን ብሩርን እተገብረ ጽቡቕ ስልማትኪ ወሲድኪ፡ ንዓኺ ምስልታት ተባዕትዮ ጌርክዮ፣ ምሳታቶም እውን መንዚርኪ።+ 18  ነቲ ጥሉፍ ክዳውንትኺ ወሲድኪ ድማ ከዲንክዮም፣* ዘይተይን ዕጣነይን+ ከኣ ኣቕሪብክሎም። 19  ነቲ ኻብቲ ኽትበልዕዮ ዝሃብኩኺ ድኹም ሓርጭን ዘይትን መዓርን እተገብረ ዝሃብኩኺ እንጌራ ድማ ጥዑም ጨና ጌርኪ ኣቕሪብክሎም።+ ልክዕ ከምኡ እዩ ዀይኑ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።” 20  “‘ነቶም ዝወለድክለይ ኣወዳትክን ኣዋልድክን ወሲድኪ፡+ ምእንቲ ኺውሕጥዎምሲ ንጣኦታት ሰዊእክዮም፣+—እቲ ምንዝርናኽስ እምብዛዶ ኣይበዝሐን፧ 21  ንደቀይ ሓሪድክዮም፡ ብሓዊ ብምሕላፍ ከኣ ሰዊእክዮም።+ 22  እቲ ዅሉ ፍንፉን ተግባራትክን ምንዝርናኽን ክትገብሪ ኸለኺ፡ እተን ጥራይክን ዕርቕትን ዝነበርክለን፡ ኣብ ደምኪ እውን ፈንጠርጠር እትብልለን ዝነበርኪ መዓልትታት ንእስነትኪ ኣይዘከርክን። 23  ድሕሪ ዅሉ እከይኪ፡ ወይለኺ፡ ወይለኺ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 24  ‘ንርእስኺ ዅምራ ሰሪሕኪ፡ ኣብ ኵሉ ኣደባባይ ከኣ ንርእስኺ በሪኽ ጌርኪ። 25  ኣብ ምርኡይ ኵሉ ጐደና በረኽትኺ ሰሪሕኪ፣ ገዛእ ርእስኺ ንዅሉ ሓላፍ መገዲ ብምቕራብ* ድማ ንጽባቐኺ ፍንፉን ጌርክዮ፣+ ምንዝርናኺ እውን ኣብዚሕኪ።+ 26  ምስቶም ፍትወተ ስጋ ዘለዎም ጐረባብትኺ* ደቂ ግብጺ መንዚርኪ፣+ ማእለያ ብዘይብሉ ምንዝርናኺ እውን ኣዀሪኽኒ። 27  እምበኣር፡ ኢደይ ኣንጻርኪ ኸምጽእ፡ ቀረብ ምግብኺ ድማ ከጕድሎ፡+ ንፍቓድ* እተን ዚጸልኣኽን+ ብጽያፍኪ ዘስካሕክሓን+ ኣዋልድ ፍልስጥኤም እውን ኣሕሊፈ ኽህበኪ እየ። 28  “‘ስለ ዘይዓገብኪ ኸኣ፡ ምስ ደቂ ኣሶር መንዚርኪ፣+ ምሳታቶም ምስ መንዚርኪ ግና፡ ገና ኣይዓገብክን። 29  ስለዚ፡ ምንዝርናኺ ናብ ምድሪ ነጋዶን* ናብ ምድሪ ከለዳውያንን ኣብዚሕኪ፣+ ሽዑ እውን ኣይዓገብክን። 30  ከም ዘይትሓንኽ ኣመንዝራ ዄንኪ እዚ ዅሉ ኽትገብሪ ኸለኽስ፡+ ልብኺ ኽንደይ ኰን እዩ ዝሓመመ!’* ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 31  ‘ኣብ ምርኡይ ኵሉ ጐደና ዅምራ ምስ ሰራሕክን ኣብ ኵሉ ኣደባባይ በሪኽ ምስ ገበርክን ግና፡ ክፍሊት ስለ ዝኣበኺ፡ ከም ኣመንዝራ ኣይነበርክን። 32  ኣብ ክንዲ ሰብኣያ፡ ካልኦት እተእቱ ዘማዊት ሰበይቲ ደኣ ዄንኪ!+ 33  ንዅለን ኣመናዝርሲ ህያብ ይህብወን እዮም፣+ ንዅሎም ብፍትወተ ስጋ ዚስዕቡኺ ህያባት ዝሃብክዮም ግና ንስኺ ኢኺ፣+ ካብ ዙርያኺ መጺኦም ኪምንዝሩ ኸኣ ጉቦ ሂብክዮም።+ 34  ካብተን ዚምንዝራ ኻልኦት ኣንስቲ እተፈለኺ ኢኺ። ከም ናትኪ ገይሩ ዚምንዝር የልቦን! ንስኺ ኢኺ እትኸፍልዮም፣ ንሳቶም ኣይኰኑን ዚኸፍሉኺ። መገድኺ ፍልይ ዝበለ እዩ።’ 35  “ስለዚ፡ ኣቲ ኣመንዝራ፡+ ቃል የሆዋ ስምዒ። 36  እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ምስ ኣፍቀርትኽን ምስ ኵሎም እቶም ደም ደቀይ ዝሰዋእክሎም+ ፍንፉናትን ጽዩፋትን ጣኦታትን* ክትምንዝሪ ኸለኺ+ ፍትወትኪ ስለ እተኻዕወን ዕርቃንኪ ስለ እተቐልዐን፡ 37  ስለዚ፡ ንዅሎም እቶም ባህ ዘበልክዮም ኣፍቀርትኺ፡ ንዅሎም እቶም ዘፍቀርክዮምን ዝጸላእክዮምን እእክቦም ኣለኹ። ካብ ዙርያኺ ኣንጻርኪ ኽእክቦም፡ ዕርቃንኪ ድማ ክቐልዓሎም እየ፣ ኵሉ ዕርቃንኪ ኸኣ ኪርእዩ እዮም።+ 38  “‘ንዘመውትን+ ደም ንዜፍስሳን+ ብዚግባእ ፍርዲ ኽፈርደኪ፡ ደምኪ ኸኣ ብነድርን ብቕንእን ኪፈስስ እዩ።+ 39  ኣብ ኢዶም ኣሕሊፈ ኽህበኪ እየ፣ ንሳቶም ድማ ኵምራታትኪ ኼዕንዉ፡ በረኽትኺ እውን ኬፍርሱ እዮም፣+ ክዳውንትኺ ኸኣ ኪገፍፉ፡+ ስልማትኪ ድማ ኪቕንጥጡ፡+ ጥራይክን ዕርቕትን ገይሮም እውን ኪገድፉኺ እዮም። 40  ኣንጻርኪ ጭፍራ ኼምጽኡን+ ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉኽን+ ብሰይፊ ኺሓርዱኽን እዮም።+ 41  ኣባይትኺ ብሓዊ ኼንድዱ፡+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ብዙሓት ኣንስቲ ኸኣ ኣባኺ ፍርዲ ኺፍጽሙ እዮም፣ ኣነ ድማ ንምንዝርናኺ መወዳእታ ኽገብረሉ፡+ ክፍሊት ምሃብ እውን ክትሓድግዮ ኢኺ። 42  ሃና ነድረይ ከውጽኣልኪ፡+ ቍጥዓይ እውን ካባኺ ኺምለስ እዩ፣+ ክሃድእ፡ ድሕሪኡ እውን ኣይክዅርን እየ።’ 43  “‘መዓልትታት ንእስነትኪ ስለ ዘይዘከርኪ፡+ እዚ ዅሉ ብምግባር እውን ስለ ዘቘጣዕክኒ፡ ሳዕቤናት መገድታትኪ ኣብ ርእስኺ ኸምጽእ እየ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ድሕሪ ደጊም ድማ ጽያፍክን ኵሉ ፍንፉን ተግባራትክን ኣይክትፍጽምን ኢኺ። 44  “‘እንሆ፡ ኵሉ ዚምስል፡ “ጓል ከም ኣዲኣ!” ኢሉ ምስላ ኺምስለልኪ እዩ።+ 45  ንስኺ ጓል እታ ንሰብኣያን ንደቃን ዝነዓቐት ኣዴኺ ኢኺ። ንስኺ ሓብቲ እተን ንሰብኡተንን ንደቀንን ዝነዓቓ ኣሓትኪ ኢኺ። ኣዴኺ ሔታዊት እያ፣ ኣቦኺ ድማ ኣሞራዊ እዩ።’”+ 46  “‘ዓባይ ሓብትኺ እታ ምስ ኣዋልዳ* ብሰሜንኪ* እትቕመጥ ሰማርያ እያ፣+ ንእሽቶ ሓብትኺ ኸኣ እታ ምስ ኣዋልዳ ብደቡብኪ* እትቕመጥ ሶዶም እያ።+ 47  ብመገድታተን ጥራይ ኣይኰንክን እተመላለስኪ፡ ፍንፉን ተግባራተን እውን ጥራይ ኣይኰንክን ዝሰዓብኪ፣ የግዳስ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ብዅሉ ተግባራትኪ ኻባታተን ዝገደደ ኢኺ ተበላሺኺ።+ 48  ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ሓብትኺ ሶዶምን ኣዋልዳን ከምቲ ንስኽን ኣዋልድክን ዝገበርክናኦ ኣይገበራን። 49  እንሆ፡ ስሕተት ሓብትኺ ሶዶም እዚ እዩ ነይሩ፦ ንሳን ኣዋልዳን+ ምኩሓት እየን ነይረን፣+ ብዙሕ ምግብን+ ቅሳነትን ህድኣትን ከኣ ነይርወን፣+ ግናኸ፡ ንውጹዕን ንድኻን ኣይደገፋን።+ 50  ዕቡያት እየን ነይረን፣+ ኣብ ቅድመይ ድማ ፍንፉን ተግባራት ገይረን፣+ ስለዚ፡ ከርሕቐን ነይሩኒ።+ 51  “‘ሰማርያ+ እውን ክንዲ ፍርቂ ሓጢኣትኪ እኳ ኣይገበረትን። ብሰንኪ ዅሉ እቲ ፍንፉን ተግባራትኪ ኣሓትኪ ጻድቃን መሲለን ክሳዕ ዚርኣያ፡ ፍንፉን ተግባራትኪ ኻባታተን ኣብዚሕኪ።+ 52  ንተግባር ኣሓትኪ ኸም ቅኑዕ ስለ ዝገበርኪ፡* ውርደትኪ ጹሪ። ካባታተን ዝገደደ ፍንፉን ሓጢኣት ስለ ዝገበርኪ፡ ንሳተን ካባኺ ይጸድቃ። ስለዚ፡ ንኣሓትኪ ጻድቃን መሲለን ከም ዚርኣያ ስለ ዝገበርክየን፡ ሕፈርን ተዋረድን።’ 53   “‘ንምሩኻተን፡ ንምሩኻት ሶዶምን ኣዋልዳን ንምሩኻት ሰማርያን ኣዋልዳን ክእክቦም እየ፣ ምሳታቶም ድማ ንምሩኻትኪ ኽእክቦም እየ፣+ 54  ውርደትኪ ምእንቲ ኽትጾሪ ኸምኡ ኽገብር እየ። በቲ ንዓታተን ብምጽንናዕ ዝገበርክዮ ኸኣ፡ ክትዋረዲ ኢኺ። 55  ኣሓትኪ፡ ሶዶምን ኣዋልዳን ናብ ናይ ቀደመን ኪምለሳ፡ ሰማርያን ኣዋልዳን ናብ ናይ ቀደመን ኪምለሳ እየን፣ ንስኽን ኣዋልድክን ድማ ናብ ናይ ቀደምክን ክትምለሳ ኢኽን።+ 56  ብመዓልቲ ትምክሕትኺ ሓብትኺ ሶዶም ብኣፍኪ ኽትርቋሕ እትበቅዕ እኳ ኣይነበረትን፣ 57   እወ፡ እከይኪ ኸይተቐልዐ ኸምኡ እያ ነይራ።+ ሕጂ፡ ኣዋልድ ሶርያን ጐረባብታን ይጸርፋኺ፡ እተን ኣብ ዙርያኺ ዘለዋ ኣዋልድ ፍልስጥኤም+ ከኣ ይንዕቃኺ ኣለዋ። 58  ሳዕቤናት እቲ ጽያፍክን ፍንፉን ተግባራትክን ክትጾሪ ኢኺ’ ይብል የሆዋ።” 59  “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘ኪዳነይ ብምፍራስኪ ማሕላ ስለ ዝነዓቕኪ፡+ ከምቲ ዝገበርክዮ ኽገብረኪ እየ።+ 60  ግናኸ፡ ኣነ ነቲ ብመዓልትታት ንእስነትኪ ምሳኺ ዝኣቶኽዎ ኺዳን ክዝክሮ፡ ምሳኺ ኸኣ ነባሪ ኺዳን ከቕውም እየ።+ 61  ነተን ካባኺ ዚዓብያን ዚንእሳን ኣሓትኪ ኽትቅበሊ ኸለኺ፡ ተግባራትኪ ኽትዝክርን ክትዋረድን ኢኺ፣+ ኣዋልድኪ ኪዀና ድማ ንዓታተን ክህበኪ እየ፣ ሳላ ኺዳንኪ ግና ኣይኰነን።’ 62  “‘ኣነ ኸኣ ምሳኺ ኺዳነይ ከቕውም እየ፣ ንስኺ እውን ኣነ የሆዋ ምዃነይ ክትፈልጢ ኢኺ። 63  ሽዑ፡ እዚ ዅሉ ጌርኪ ኽነስኺ ምስ ተዓረቕኩኺ፡+ ክትዝክርን ብሰንኪ ውርደትኪ ኻብ ሕፍረት እተላዕለ ኣፍኪ ኣይክትከፍትን ኢኺ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነፍስኺ ስለ እተጸልአት።”
ወይ፡ “ወሰን ክዳነይ።”
ወይ፡ “ቈርበት ተሓሽ።”
ወይ፡ “ንንግስና።”
ቃ.ቃ.፡ “ስምኪ።”
ማለት፡ ነቶም ተባዕትዮ ጣኦታት።
ቃ.ቃ.፡ “ኣእጋርኪ ንዅሉ ሓላፍ መገዲ ብምግሕታን።”
ቃ.ቃ.፡ “ዓብዪ ዝስጋኦም ጐረባብትኺ።”
ወይ፡ “ንነፍሲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ምድሪ ከነኣንን።”
ወይ፡ “ዝደኸመ።” ወይ፡ “ብኣኺ ኽንደይ ኰን እየ ዝነደርኩ” ኪኸውን ይኽእል።
እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ “ፋንድያ” እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንዕቀት ንምግላጽ ከኣ ተገልግል።
ምናልባት ንዓድታታ የመልክት።
ቃ.ቃ.፡ “ብጸጋምኪ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብየማንኪ።”
ወይ፡ “ምእንቲ ኣሓትኪ ስለ እተማጐትኪ።”