ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ህዝቅኤል 15:1-8

ትሕዝቶ

  • የሩሳሌም፡ ዘይትጠቅም ተኽሊ ወይኒ (1-8)

15  ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦  “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ዕንጨይቲ ተኽሊ ወይንስ ምስ ካልእ ኦም ወይ ምስ ጨንፈር ኣእዋም ዱር ከመይ ኢሉ ይነጻጸር፧  ካብኡ ዚግበር ዘንጊዶ ንስራሕ የገልግል እዩ፧ ኣቕሑ ኪሰቕሉሉኸ ኻብኡዶ ሽንካር ይገብሩ እዮም፧  እንሆ፡ ኪነድድ ኣብ ሓዊ ተደርብዩ ኣሎ፣ እቲ ሓዊ ኸኣ ንኽልቲኡ ጫፉ ይበልዖ፡ ንማእከሉ እውን የሕርሮ ኣሎ። ድሕርዚኸ ንዝዀነ ስራሕዶ ይጠቅም እዩ፧  ብምሉኡ ኸሎ እኳ ንገለ ነገር ኣየገልገለን። ሓዊ ምስ በልዖን ምስ ኣሕረሮን ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ዘይከውን!”  “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንነበርቲ እስራኤል ከምቲ ብሓዊ ኺነድድ ኣሕሊፈ ዝሃብክዎ ኣብ መንጎ ኣእዋም ዱር ዚርከብ ዕንጨይቲ ተኽሊ ወይኒ ኽገብሮም እየ።+  ገጸይ ናባታቶም ክገብር እየ። ካብ ሓዊ ኣምሊጦም ኣለዉ፣ ግናኸ፡ ሓዊ ኺበልዖም እዩ። ገጸይ ናባታቶም ምስ ገበርኩ ኸኣ፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።’”+  “‘ስለ ዝጠለሙ ድማ፡+ ነታ ምድሪ ኸባድማ እየ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”

እግረ ጽሑፍ