ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

 ሕቶ 15

ከመይ ጌርካ ሓጐስ ክትረክብ ትኽእል፧

“ካብ ስቡሕ ብዕራይ ምስ ጽልእስ፡ ጻሕሊ ሓምሊ ምስ ፍቕሪ ይሓይሽ።”

ምሳሌ 15:17

“እቲ ዚጠቕመካ ዚምህረካ፡ በታ ኽትከደላ ዚግብኣካ መገዲ ዚመርሓካ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ።”

ኢሳይያስ 48:17

“መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ፡ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ፡ ሕጉሳት እዮም።”

ማቴዎስ 5:3

“ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።”

ማቴዎስ 22:39

“ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ እውን፡ ንስኻትኩም ከምኡ ግበሩሎም።”

ሉቃስ 6:31

“ሕጉሳትሲ እቶም ቃል ኣምላኽ ዚሰምዑን ዚሕልዉን ደኣ እዮም!”

ሉቃስ 11:28

 “ሰብ ብዙሕ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ብገንዘቡ ህይወት ኣይረክብን እዩ።”

ሉቃስ 12:15

“ምግብን ክዳንን እንተ ኣሎናስ፡ በዚ ዕጉባት ንኸውን ኢና።”

1 ጢሞቴዎስ 6:8

“ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ።”

ግብሪ ሃዋርያት 20:35