ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

 ሀ3

መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ኢሉ ኣባና በጺሑ፧

እቲ ደራስን ምንጭን መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓቃቢኡ እውን እዩ። ከምዚ ዚስዕብ ኪብሃል ዝደረኸ እውን ንሱ እዩ፦

“ቃል ኣምላኽና . . . ንዘለኣለም ይነብር።”—ኢሳይያስ 40:8

በዅሪ ኢደ ጽሑፋት እቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጥን ኣራማይስጥን * ወይ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ኣብዚ ግዜና ዘይርከብ እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳብ ሓቂ እዩ። እሞ ደኣ ትሕዝቶ እዚ ሎሚ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ በዅሪ ጽሑፋት ብሓቂ ኸም ዜንጸባርቕ ከመይ ጌርና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

ቀዳሕቲ ንቓል ኣምላኽ ዓቀብዎ

ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ እቲ ኣምላኽ ነቲ ጽሑፋት ኪቕዳሕ ዝሰረቶ ጥንታዊ ልምዲ፡ ነታ ኣብ ላዕሊ ዘላ ሕቶ ብእተወሰነ መዳይ ምላሽ ይኸውን እዩ። * ንኣብነት፡ የሆዋ ንነገስታት እስራኤል፡ ነቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ሕጊ ቐዲሖም ኪጽሕፍዎ ኣዚዝዎም ነበረ። (ዘዳግም 17:18) ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ንሌዋውያን፡ ነቲ ሕጊ ናይ ምዕቃብን ንህዝቢ ናይ ምምሃርን ሓላፍነት ሂብዎም ነበረ። (ዘዳግም 31:26፣ ነህምያ 8:7) ኣይሁድ ናብ ምርኮ ባቢሎን ድሕሪ ምኻዶም፡ ጕጅለ ቐዳሕቲ ወይ ጸሓፍቲ (ሶፈሪም) ተላዒሎም ነበሩ። (እዝራ 7:6፡ እግረ ጽሑፋት) እዞም ጸሓፍቲ ኸኣ ነቲ 39 መጻሕፍቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብዙሕ ሳዕ ቀድሕዎ።

ንሓያሎ ዘመናት፡ እቶም ጸሓፍቲ ተጠንቂቖም ነዚ መጻሕፍቲ እዚ ቐድሕዎ። ኣብ ማእከላይ ዘመን ከኣ፡ ማሶራውያን ዚብሃሉ ኣይሁድ ጸሓፍቲ ነቲ ልምዲ እቲ ሰዓቡ። እቲ ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ደረጃ ሒዙ ዘሎ ምሉእ ኢደ ጽሑፍ ማሶራውያን፡ 1008/1009 ድ.ክ. ዚብል ዕለት እተዋህቦ ኮዴክስ ለኒንግራድ ተባሂሉ ዚፍለጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ መፋርቕ መበል 20 ዘመን፡ ኣብ መንጎ እቲ ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ ዚብሃል ኣስታት 220 ኢደ ጽሑፋት ወይ ቍርጽራጻት  መጽሓፍ ቅዱስ ተረኽበ። እዚ ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ካብ ኮዴክስ ለኒንግራድ ልዕሊ ሽሕ ዓመት ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ነበረ። እቲ ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ ምስ ኮዴክስ ለኒንግራድ ኪነጻጸር ከሎ ድማ፡ ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣረጋገጸ፦ ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ ቝሩብ ናይ ቃላት ፍልልይ እኳ እንተ ተረኽቦ፡ ዋላ ሓደ ኻብቲ ለውጥታት ግና ንመልእኽቱ ዚጸሉ ኣይኰነን።

እተን 27 መጻሕፍቲ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛኸ፧ እተን መጻሕፍቲ እቲአን ኣብ ፈለማ ብገሊኦም ሃዋርያት የሱስ ክርስቶስን ብኻልኦት ሒደት ቀዳሞት ደቀ መዛሙርትን እየን ተጻሒፈን። ቀዳሞት ክርስትያናት ከኣ ልምዲ ኣይሁድ ጸሓፍቲ ብምስዓብ፡ ነተን መጻሕፍቲ እቲአን ይቐድሕወን ነበሩ። (ቈሎሴ 4:16) ሃጸይ ሮሜ ዝነበረ ድዮክለጥያኖስን ካልኦትን ንዅሉ ጽሑፋት ቀዳሞት ክርስትያናት ንምጥፋእ ብዙሕ ጻዕሪ እኳ እንተ ገበሩ፡ ኣሽሓት ጥንታዊ ቝርጽራጻትን ኢደ ጽሑፋትን ክሳዕ እዚ ግዜና ተዓቂቡ ኣሎ።

ጽሑፋት ክርስትና ናብ ካልኦት ቋንቋታት እውን ተተርጒሙ እዩ። ገለ ኻብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተተርጐመሉ ጥንታዊ ቛንቋታት፡ ላቲን፡ ሱርስት፡ ቁብጥኛ፡ ኣርመንኛ፡ ጆርጅያንኛ፡ ግእዝ ኪጥቀስ ይከኣል።

ንትርጉም ዚኸውን ጽሑፋት እብራይስጥን ግሪኽኛን ምስራት

ኵሉ ቕዳሓት ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ኣይኰነን ሕደ ቓላት ዘለዎ። እቲ በዅሪ ጽሑፍ ከመይ ከም ዝነበረ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና እንፈልጥ፧

ሓደ መምህር ን100 ተምሃሮኡ ሓንቲ ምዕራፍ ኪቐድሑ ምስ ዚሓትቶም፡ ተመሳሳሊ ዅነት ኪፍጠር ይኽእል እዩ። እታ በዅሪ ምዕራፍ ደሓር እኳ እንተ ጠፍአት፡ ነቲ 100 ቕዳሓት ንሓድሕዱ ብምንጽጻር እቲ በዅሪ ጽሑፍ እንታይ ምንባሩ ኺፍለጥ ይከኣል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ተምሃራይ ገለ ጌጋታት ዚገብር እኳ እንተ ዀነ፡ ኵሎም ተምሃሮ ሕደ ጌጋታት ኪገብሩ ዘለዎም ዕድል ግና ኣመና ጸቢብ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ምሁራት ነቲ ሕጂ ኺረኽብዎ ዚኽእሉ ኣሽሓት ቍርጽራጻትን ቅዳሓትን ጥንታዊ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣነጻጸርዎ፡ ጌጋታት ቀዳሕቲ ኼለልዩን እቲ በዅሪ ቓላት እንታይ ከም ዝነበረ ኺፈልጡን ይኽእሉ እዮም።

“ኣዝዩ ልክዕ ብዝዀነ መገዲ እተመሓላለፈ ኻልእ ጥንታዊ ጽሑፍ የልቦን ኪብሃል ይከኣል እዩ”

እቲ ኣብቲ በዅሪ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ሓሳብ ብልክዕ ከም እተመሓላለፈልና ኸመይ ጌርና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ ዊልያም ሄንሪ ግሪን እተባህለ ምሁር ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ሓሳብ ኪህብ ከሎ፡ “ኣዝዩ ልክዕ ብዝዀነ መገዲ እተመሓላለፈ ኻልእ ጥንታዊ ጽሑፍ የልቦን ኪብሃል ይከኣል እዩ” በለ። ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ኪዳን ዚብሃል ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ድማ፡ ፍረደሪክ ፋይቪ ብሩስ ዚብሃል ምሁር መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን ዚድግፍ መርትዖ፡ ካብቲ ሓቅነቱ ፈጺምካ ኣብ ሕቶ ዘይኣቱ ሓያሎ  ጽሑፋት ክላሲካዊ ደረስቲ ኣጸቢቑ ይዛይድ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ሓድሽ ኪዳን ጥርናፈ ዓለማዊ ጽሑፋት እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ሓቅነቱ ብሓፈሻ ፈጺምካ ዘየጠራጥር ጌርካ ምተራእየ” በለ።

ኣብ ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ ዚርከብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 40 (ካብ 125 ክሳዕ 100 ቅ.ክ. ዚብል ዕለት እተዋህቦ)

ምስቲ ድሕሪ ሽሕ ዓመት እተቐድሐ ኢደ ጽሑፋት እብራይስጢ ኺነጻጸር ከሎ፡ ንኣሽቱ ፍልልያት ጥራይ እዩ ተረኺብዎ፣ መብዛሕትኡ እውን ናይ ፊደላት ፍልልይ እዩ ነይሩ

ኣብቲ 930 ድ.ክ. ዚብል ዕለት እተዋህቦ ኣገዳሲ ኢደ ጽሑፋት እብራይስጢ ማሶራውያን ዝዀነ ኮዴክስ ኣለጶ ዚርከብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 40

ጽሑፍ እብራይስጢ፦ እቲ ኒው ዎርልድ ትራንስሌሽን ኦቭ ዘ ሄብሪው ስክሪፕቸርስ (1953-1960) ኣብቲ ብሩዶልፍ ኪተል እተዳለወ ቢብልያ ሄብራይካ እዩ ተመርኲሱ። ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር፡ ቢብልያ ሄብራይካ ስቱትጋርተንሲያቢብልያ ሄብራይካ ኲንታን ዚብሃል ኣብ ጥቕላላት ምዉት ባሕርን ካልእ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋትን እተገብረ ምርምር ዘጠቓለለ እተኸለሰ ሕታማት ጽሑፍ እብራይስጢ ተዳልዩ ኣሎ። እዚ ምሁራት ዘዳለውዎ ጽሑፋት ንኮዴክስ ለኒንግራድ ኣብ ቀንዲ ጽሑፍ ብምግባር ምስ ካልእ ምንጭታት ዘለዎ ንጽጽር ኣብ እግረ ጽሑፍ ኣስፊርዎ ይርከብ፣ እቲ ኻልእ ምንጭታት ከኣ ንጰንጠጤቝ (ኦሪት) ሳምራውያንን ንጥቕላላት ምዉት ባሕርን ንናይ ግሪኽኛ ትርጉም ሰብዓ ሊቃናትን ንናይ ኣረማይስጢ ታርጉማትን ንናይ ላቲን ቩልጌትን ንናይ ሱርስት ፐሺታን የጠቓልል። እዚ ሕታም ትርጉም ሓዳስ ዓለም እዚ፡ ንኽልቲኡ እቲ ቢብልያ ሄብራይካ ስቱትጋርተንሲያቢብልያ ሄብራይካ ኲንታን ተወኪስካ እተዳለወ እዩ።

ጽሑፍ ግሪኽኛ፦ ኣብ ኣጋ መወዳእታ መበል 19 ዘመን፡ ብሩክ ፎስ ዌስትኮትን ፌንቶን ጆን ኣንቶኒ ሆርትን ዚብሃሉ ምሁራት ነቲ ኺረኽብዎ ዝኸኣሉ ኢደ ጽሑፋትን ቍርጽራጻትን መጽሓፍ ቅዱስ ብምንጽጻር፡ ናብቲ በዅሪ ጽሑፋት ኣዝዩ ዝቐረበ ኢሎም ዝኣመኑሉ መበገሲ ጽሑፍ ግሪኽኛ ኣዳለዉ። ኣብ መፋርቕ መበል 20 ዘመን፡ ኮሚተ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ሓዳስ ዓለም ነቲ መበገሲ ጽሑፍ እቲ ኸም መሰረት ትርጉሙ ገይሩ ተጠቕመሉ። ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ዘመን ድ.ክ. ከም ዝነበረ ዚእመነሉ ኻልእ ጥንታዊ ጳጲሮስ እውን ተጠቕመ። ካብኡ ንደሓር፡ ዝያዳ ጳጲሮሳት ተረኺቡ ኣሎ። ብተወሳኺ እውን፡ ከም እኒ እቲ ብሓልዮት ሕቡራት ማሕበራት መጽሓፍ ቅዱስ ብነስትልን ብኣላንድን እተዳለወ ዝኣመሰለ መበገሲ ጽሑፋት ኣብ ቀረባ ግዜ ምሁራት ዝገበርዎ መጽናዕትታት የጠቓልል። ገለ ኻብቲ ርኽበታት እቲ ድማ፡ ኣብዚ ትርጉም እዚ ተጠቓሊሉ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ መበገሲ ጽሑፋት ከኣ፡ ገሊኡ ኣብ ከም ኪንግ ጄምስ ቨርሽን ዝኣመሰለ ጥንታዊ ትርጉማት ዘሎ ፍቕድታት ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ ጸኒሖም እቶም ቀዳሕቲ ዝወሰኽዎ ኸም ዝዀነ፡ ክፍሊ እቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቕዱሳት ጽሑፋት እውን ከም ዘይነበረ ንጹር ኰነ። ይኹን እምበር፡ ኣመቓቕላ እዚ ፍቕድታት እዚ ኣብ መበል 16 ዘመን ብተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተቐባልነት ረኺቡ ስለ እተመስረተ፡ እዚ ፍቕድታት እዚ ሕጂ ምውጻኡ፡ ኣብ ቍጽርታት ፍቕዲ መብዛሕትኡ መጽሓፍ ቅዱሳት ሃጓፋት ፈጢሩ ኣሎ። እዚ ፍቕድታት እዚ ኸኣ፡ ማቴዎስ 17:21፣ 18:11፣ 23:14፣ ማርቆስ 7:16፣ 9:44, 46፣ 11:26፣ 15:28፣ ሉቃስ 17:36፣ 23:17፣ ዮሃንስ 5:4፣ ሮሜ 16:24 እዩ። ኣብዚ ትርጉም እዚ፡ እዚ ዝወጸ ፍቕድታት እዚ እግረ ጽሑፍ ተገይሩሉ ኣሎ።

 እቲ ኣብ ማርቆስ 16 (ፍቕዲ 9-20) ዚርከብ ነዊሕ መደምደምታን ኣብ ማርቆስ ምዕራፍ 16 ዚርከብ ሓጺር መደምደምታን ኣብ ዮሃንስ 7:53–8:11 ዚርከብ ጽሑፍን ኣብቲ በዅሪ ኢደ ጽሑፋት ከም ዘይነበረ ንጹር ኰይኑ ኣሎ። ስለዚ፡ እዚ ሓቅነት ዘይብሉ ጽሑፋት፡ ኣብዚ ትርጉም እዚ ኣይርከብን እዩ።

ነቲ ምሁራት ንበዅሪ ጽሑፋት ዜንጸባርቕ ሓቅነቱ ብዝያዳ እተረጋገጸ ገይሮም ብሓፈሻ እተቐበልዎ ዝሓቘፈ ምእንቲ ኪኸውን፡ ገለ ኻልእ ምትዕርራያት እውን ተገይሩ ኣሎ። ንኣብነት፡ ብመሰረት ገሊኡ ኢደ ጽሑፋት፡ ማቴዎስ 7:13፡ “በታ ጸባብ ኣፍ ደገ እተዉ፣ እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ኣፍ ደገስ ገፋሕ፡ መገዳ እውን ርሕብቲ እያ” ትንበብ። ኣብ ዝሓለፈ ሕታማት ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ እታ “ኣፍ ደገ” እትብል ስለ ዘይነበረት፡ “እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ መገዲ ገፋሕን ርሕብትን እያ” ተባሂሉ ተተርጒሙ ነይሩ። ኣብዚ ናይ ሕጂ ሕታም ግና፡ እታ ቓል ኣትያ ኣላ። ከምዚ ዝበለ ኻልእ ምትዕርራያት እውን ተገይሩ ኣሎ። እዚ ምትዕርራያት እዚ ግና ንኣሽቱ ብምዃኑ፡ ነቲ መሰረታዊ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይቅይሮን እዩ።

ከባቢ 200 ድ.ክ. ዚብል ዕለት እተዋህቦ 2 ቈረንቶስ 4:13–5:4 ዝሓዘ ኢደ ጽሑፍ ጳጲሮስ

^ ሕ.ጽ. 5 ካብዚ ንደሓር ብሓጺሩ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ጥራይ ተባሂሉ ኣሎ።

^ ሕ.ጽ. 7 እቲ ኢደ ጽሑፋት ኪቕዳሕ ዘድለየሉ ሓደ ምኽንያት፡ እቲ በዅሪ ጽሑፋት ኣብ ዚባላሾ ናውቲ ይጽሓፍ ብምንባሩ እዩ።