ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

 ሀ5

ኣሰዃዅዓ መለኮታዊ ስም ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ

ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ እቲ በተን ቴትራግራማተን (יהוה) ዚውከል ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ኣብ በዅሪ ጽሑፍ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዳርጋ 7,000 ሳዕ ከም ዚርከብ ይኣምኑሉ እዮም። ብዙሓት ግና ኣብ በዅሪ ጽሑፍ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ኸም ዘየልቦ እዮም ዚኣምኑ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ መብዛሕትኡ ዘመናዊ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ትርጉም እቲ ሓድሽ ኪዳን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ክፋል፡ ስም የሆዋ ኣይጥቀምን እዩ። ካብቲ እተን ቴትራግራማተን ዚርከባሉ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እተወስደ ጥቕስታት ኺትርጐም ከሎ እኳ፡ ብዙሓት ተርጐምቲ ኣብ ክንዲ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ፡ “እግዚኣብሄር” ወይ “ጐይታ” እዮም ተጠቒሞም ዘለዉ።

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ነዚ ልሙድ ተግባር እዚ ኣይስዕብን እዩ። ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ንስም የሆዋ ብድምር 237 ሳዕ ተጠቒሙሉ ኣሎ። እቶም ተርጐምቲ ኸምኡ ኺገብሩ ኸለዉ፡ ነዚ ኽልተ ኣገዳሲ ረቛሒ ኣብ ግምት ኣእትዮም እዮም፦ (1) እቲ ሎሚ ዚርከብ ኢደ ጽሑፋት ግሪኽኛ እቲ በዅሪ ጽሑፋት ኣይኰነን። ካብቲ ሎሚ ዘሎ ኣሽሓት ቅዳሓት፡ መብዛሕትኡ ኻብቲ በዅሪ ጽሑፋት እተዳለወሉ ግዜ እንተ ወሓደ ኽልተ ዘመን ጸኒሑ እዩ ተዳልዩ። (2) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቶም ነቲ ኢደ ጽሑፋት ዚቐድሑ ዝነበሩ ነተን ቴትራግራማተን በታ ኪሪዮስ እትብል “ጐይታ” ዝትርጕማ ናይ ግሪኽኛ ቓል እዮም ዚትክእዎ ነይሮም፡ ወይ ከኣ ድሮ ኸምኡ ኻብ ዝዀነ ኢደ ጽሑፋት እዮም ዚቐድሑ ነይሮም።

ኮሚተ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ሓዳስ ዓለም፡ እተን ቴትራግራማተን ኣብ በዅሪ ኢደ ጽሑፋት ግሪኽኛ ኸም ዝነበራ ዜርኢ ሓያል መርትዖ ኸም ዘሎ እዩ ወሲኑ። እዚ ውሳነ እዚ ኸኣ ኣብዚ ዚስዕብ መርትዖታት እተመስረተ እዩ፦

  • ብግዜ የሱስን ሃዋርያቱን ዝነበረ ቕዳሓት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣብ ብምሉኡ እቲ ጽሑፍ ቴትራግራማተን ሒዙ ነይሩ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት፡ ገሊኦም ሰባት ነዚ መደምደምታ እዚ ይቃወምዎ ነይሮም እዮም። ሕጂ ግና ናይ ቀዳማይ ዘመን ዕለት እተዋህቦ ቕዳሓት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣብ ጥቓ ቁምራን ስለ እተረኽበ፡ እዚ ነጥቢ እዚ ብዘየማትእ መገዲ ተረጋጊጹ እዩ።

  • ብግዜ የሱስን ሃዋርያቱን፡ እተን ቴትራግራማተን ኣብቲ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እተተርጐመ ትርጉማት ግሪኽኛ እውን ይርከባ ነይረን እየን። ምሁራት ንሓያሎ ዘመናት፡ እተን ቴትራግራማተን ኣብ ኢደ ጽሑፋት ትርጉማት እቲ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ናብ ግሪኽኛ እተተርጐመ ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት ከም ዘይርከባ ይኣምኑ ነይሮም እዮም። ኣብ መፋርቕ መበል 20 ዘመን ግና፡ ምሁራት ንገሊኡ ኣዝዩ ጥንታዊ ቝርጽራጽ እቲ ብግዜ  የሱስ ዝነበረ ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት ኣተኰሩሉ። እቲ ቝርጽራጽ ድማ ብፊደላት እብራይስጢ እተጻሕፈ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ሒዙ ነበረ። ስለዚ፡ ብግዜ የሱስ ብግሪኽኛ ዚርከብ ዝነበረ ቕዳሓት ቅዱሳት ጽሑፋት መለኮታዊ ስም ሒዙ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ኣብ ራብዓይ ዘመን ድ.ክ. እተዳለወ ኸም ኮዴክስ ቫቲካንን ኮዴክስ ሲናን ዝኣመሰለ ዓበይቲ ኢደ ጽሑፋት እቲ ናብ ግሪኽኛ እተተርጐመ ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት፡ ኣብቲ ኻብ ዘፍጥረት ክሳብ ሚልክያስ ዘሎ መጻሕፍቲ፡ እቲ ኣቐዲሙ ኣብ ዝነበረ ኢደ ጽሑፋት ዚርከብ ዝነበረ መለኮታዊ ስም ኣይርከብን እዩ። ስለዚ፡ ኣብቲ ኻብ ሽዑ ንደሓር ዘሎ ጽሑፋት፡ ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ወይ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ዚብሃል ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ፡ መለኮታዊ ስም ዘይርከብ ምዃኑ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።

    የሱስ ብንጹር፡ “ኣነ ብስም ኣቦይ እየ መጺአ” ኢሉ እዩ። ግብርታቱ ‘ብስም ኣቦኡ’ ኸም ዚገብር እውን ኣጕሊሑ እዩ

  • ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ የሱስ ብዙሕ ሳዕ ንስም ኣምላኽ ከም ዝረቝሐን ንኻልኦት ከም ዘፍለጦን ይገልጽ እዩ። (ዮሃንስ 17:6, 11, 12, 26) የሱስ ብንጹር፡ “ኣነ ብስም ኣቦይ እየ መጺአ” ኢሉ እዩ። ግብርታቱ ‘ብስም ኣቦኡ’ ኸም ዚገብር እውን ኣጕሊሑ እዩ።—ዮሃንስ 5:43፣ 10:25

  • ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ መወሰኽታ እቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ስለ ዝዀነ፡ ብሃንደበት ስም የሆዋ እንተ ዚጠፍእ ነይሩ፡ ንሓድሕዱ ዘይቃዶ ምዀነ። ኣብ ኣጋ መፋርቕ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሽማግለታት፡ “ኣምላኽ ካብ ኣህዛብ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኼውጽእ፡ ንፈለማ ግዜ ኸመይ ገይሩ ቘላሕታ ኸም ዝገበረሎም፡ ስምኦን ኣዘንትዩ ኣሎ” ኢልዎም እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:14) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንስም ኣምላኽ ዚፈልጦ ወይ ዚጥቀመሉ ሰብ እንተ ዘይህሉ ነይሩ፡ እዚ ያእቆብ እተዛረቦ ዘረባ ትርጉም ኣልቦ ምዀነ።

  • ኣሕጽሮት እቲ መለኮታዊ ስም ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ይርከብ እዩ። ኣብ ራእይ 19:1, 3, 4, 6፡ መለኮታዊ ስም ኣብ ውሽጢ እታ “ሃሌሉያ” ወይ “ሃሌሉያህ” እትብል ቃል ኣሎ። እዛ ቓል እዚኣ፡ ካብተን ቃል ብቓሉ “ንያህ ወድስዎ” ዚብል ትርጉም ዘለወን ናይ እብራይስጢ ቓላት እያ መጺኣ። “ያህ” ድማ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ። ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ዘሎ ሓያሎ ስማት፡ ንመለኮታዊ ስም ዝሓቘፈ እዩ። ስም የሱስ እኳ “የሆዋ ድሕነት እዩ” ዚብል ትርጉም ከም ዘለዎ መወከሲ ጽሑፋት ይሕብር እዩ።

  • ጥንታዊ ጽሑፋት ኣይሁድ፡ ክርስትያናት ዝዀኑ ኣይሁድ ንመለኮታዊ ስም ኣብ ጽሑፋቶም ከም እተጠቕሙሉ ይሕብር እዩ። ቶሰፍታ ዚብሃል ብ300 ድ.ክ. ኣቢሉ ኣብ ጽሑፍ እተጠርነፈ ትውፊት፡ ነቲ እተቓጸለ ጽሑፋት ክርስትያናት ብዚምልከት ከምዚ ይብል፦ “መጻሕፍቲ ወንጌላውያን ኰነ  መጻሕፍቲ እቶም ሚኒም [ክርስትያናት ዝዀኑ ኣይሁድ ተባሂሉ እዩ ዚሕሰብ] ካብ ሓዊ ኣይደሓነን። የግዳስ፡ ኣብ ዘለዎ ኺቃጸል ተፈቕደ፣ ንሱን እቲ ኣብኡ ዚርከብ መለኮታዊ ስምን።” እዚ ጽሑፍ እዚ ነቲ ኣብ መጀመርታ ኻልኣይ ዘመን ድ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ረቢ ዮሴ ዚበሃል ገሊላዊ ዝበሎ ጠቒሱ ኣሎ፣ ንሰንበት ሓዲግካ ኣብ ካልእ መዓልትታት፡ “እቲ ኣብኡ [ኣብ ጽሑፋት ክርስትያናት] ዚርከብ መለኮታዊ ስም ቈሪጽካ ኣውጺእካ ይኽዝን፡ እቲ ዝተረፈ ኸኣ ይቃጸል” ነበረ።

  • ገሊኦም ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ፡ መለኮታዊ ስም ኣብቲ ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ዚርከብ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እተወሰደ ጥቕስታት ነይሩ ኪኸውን ከም ዘለዎ ይእመኑ እዮም። ዘ ኣንከር  ባይብል ዲክሽነሪ ኣብ ትሕቲ “ቴትራግራማተን ኣብ ሓድሽ ኪዳን” ዚብል ኣርእስቲ ኸምዚ ዚብል ሓሳብ ይህብ፦ “ሓ[ድሽ] ኪ[ዳን] ፈለማ ኣብ እተጻሕፈሉ እዋን፡ እተን ቴትራግራማተን፡ እቲ መለኮታዊ ስም፡ ወይ ያህወህ ኣብ ገሊኡ ወይ ኣብ ኵሉ እቲ ኣብ ሓ[ድሽ] ኪ[ዳን] ዚርከብ ካብ ብ[ሉይ] ኪ[ዳን] እተጠቕሰ ጥቕስታት ከም ዝነበረ ዚሕብር እተወሰነ መርትዖ ኣሎ።” ጆርጅ ሃዋርድ ዚብሃል ምሁር እውን ከምዚ ኢሉ እዩ፦ “ቴትራግራም ኣብ ቅዳሓት እቲ ንቕዱሳት ጽሑፋት ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን መሰረት ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ግሪኽኛ [ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት] ይጸሓፍ ስለ ዝነበረ፡ ጸሓፍቲ ሓ[ድሽ] ኪ[ዳን] ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኪጠቕሱ ኸለዉ፡ ነቲ ቴትራግራም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝዓቀብዎ ንምእማን ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና።”

  •   ፍሉጣት ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ ስም ኣምላኽ ተጠቒሞም እዮም። ገለ ኻብዞም ተርጐምቲ እዚኦም፡ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ቅድሚ ምድላዉ ነዊሕ ይገብር እዮም ከምኡ ገይሮም። ኣብዚ መዳይ እዚ ኺጥቀሱ ኻብ ዚከኣሉ ተርጐምትን ትርጉማቶምን ቀጺሉ እንሆ፦ ኤ ሊተራል ትራንስሌሽን ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት . . . ፍሮም ዘ ተክስት ኦቭ ዘ ቫቲካን ማኑስክሪፕት፡ ብሀርማን ሀይንፈተር (1863)፣ ዘ ኢምፋቲክ ዲያግሎት፡ ብበንጃሚን ዊልሰን (1864)፣ ዘ ኢፒስትልስ ኦቭ ፖል ኢን ሞደርን ኢንግሊሽ፡ ብጆርጅ ባርከር ስቲቨንስ (1898)፣ ሰይንት ፖልስ ኢፒስትል ቱ ዘ ሮማንስ፡ ብዳብሊው. ጂ. ራዘርፎርድ (1900)፣ ዘ ኒው ተስታመንት ሌተርስ፡ ብጀይ. ዳብሊው. ሲ. ዋንድ፡ ኣቡን ለንደን (1946)። ብዘይካዚ፡ ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን ኣብ ዝወጸ ትርጉም ስጳንኛ፡ ፓብሎ በሶን ዚብሃል ተርጓሚ፡ ነቲ “ጀሆቫ” (Jehová) ዚብል ስም ኣብ ሉቃስ 2:15ን ኣብ ይሁዳ 14ን ኣብ ርእሲ ምእታዉ፡ ዳርጋ ኣብ 100 እግረ ጽሑፋት ከኣ መለኮታዊ ስም ዚኣትወሉ ቦታ ኪኸውን ከም ዚኽእል ሓቢሩ ኣሎ። ካብዚ ትርጉማት እዚ ነዊሕ ኣቐዲሙ ኸኣ፡ ካብ መበል 16 ዘመን ንደሓር ናብ እብራይስጢ እተተርጐመ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ ኣብ ሓያሎ ቦታታት ነተን ቴትራግራማተን ተጠቒሙ ኣሎ። ኣብ ጀርመንኛ ጥራይ፡ እንተ ወሓደ 11 ትርጉማት ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ “የሆዋ” (ወይ “ያህወህ”) ተጠቒሙ ኣሎ፣ ኣርባዕተ ተርጐምቲ ድማ ነቲ ስም ደድሕሪ “ጐይታ”  ዚብል ቃል ኣብ ሓጹር ኣእትዮምዎ ኣለዉ። ልዕሊ 70 ጀርመናውያን ተርጐምቲ ንመለኮታዊ ስም ኣብ እግረ ጽሑፋት ወይ ኣብ ተወሳኺ ርእይቶ ተጠቒሞምሉ ኣለዉ።

    ኣብቲ ብበንጃሚን ዊልሰን እተተርጐመ ዘ ኢምፋቲክ ዲያግሎት (1864)፡ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 2:34 ዚርከብ ስም ኣምላኽ

  • ብልዕሊ ሚእቲ ቛንቋ እተዳለወ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ መለኮታዊ ስም ሒዙ ኣሎ። ሓያሎ ቛንቋታት ኣፍሪቃን ደቀባት ኣመሪካን እስያን ኤውሮጳን ደሴታት ፓሲፊክን ንመለኮታዊ ስም ብብዝሒ ተጠቒሙሉ ኣሎ። (ዝርዝር እቲ ቛንቋታት ኣብ ገጽ 1550ን 1551ን ርአ።) ተርጐምቲ እዚ ትርጉማት እዚ፡ ንመለኮታዊ ስም ኪጥቀሙ ዝደረኾም ምኽንያት ምስቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ምኽንያታት ተመሳሳሊ እዩ። ገለ ኻብዚ ትርጉማት ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ እዩ፣ ከም ኣብነት ድማ፡ እቲ “ጂሆቫ” (Jihova) ዚብል ስም ኣብ 48 ፍቕድታት 51 ሳዕ ዚጥቀም መጽሓፍ ቅዱስ ሮቱማኛ (1999)፡ እቲ ጃሆዋ (Jahowa) ዚብል ስም 110 ሳዕ ዚጥቀም ናይ ኢንዶነዥያ ትርጉም ባታክ (ቶባ) ኪጥቀስ ይከኣል።

    ኣብ ትርጉም ሃዋይኛ፡ ኣብ ማርቆስ 12:29, 30 ዚርከብ ስም ኣምላኽ

እምበኣር፡ እቲ የሆዋ ዚብል መለኮታዊ ስም ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ናብ ቦታኡ ንምምላስ ዜኽእል ንጹር መሰረት ከም ዘሎ ኣይጠራጥርን እዩ። ተርጐምቲ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ከኣ ከምኡ እዮም ገይሮም። ንመለኮታዊ ስም ብዙሕ ኣኽብሮት ኣለዎም፡ ካብቲ ኣብ በዅሪ ጽሑፍ ዚርከብ ዝነበረ እውን ዋላ ሓንቲ ኸየውጽኡ ይፈርሁ እዮም።—ራእይ 22:18, 19