ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

3 ዮሃንስ 1:1-14

 ካብቲ ሽማግለ፡ ናብቲ ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮ ፍቑር ጋይዮስ።  ኣታ ፍቑር፡ ከምቲ ነፍስኻ ደሓን ዘላ፡ ብዅሉ ደሓን ክትህሉን ክትጥዕን እጽልየልካ ኣለኹ።  ከምቲ በታ ሓቂ ትመላለስ ዘለኻ፡ ኣሕዋት መጺኦም ብዛዕባ እታ ዝሓዝካያ ሓቂ ብምምስካሮም፡ ብዙሕ ተሓጐስኩ።  ደቀይ በታ ሓቂ ይመላለሱ ኸም ዘለዉ ኻብ ምስማዕ ዚዓቢ ዘመስግነሉ ነገር የብለይን።  ኣታ ፍቑር፡ ንዓኻ ኣጋይሽ እኳ እንተ ዀኑ፡ ነቲ ነቶም ኣሕዋት እትገብሮ ዘበለ፡ ብተኣማንነት ትገብሮ ኣለኻ።  ንሳቶም ብዛዕባ ፍቕርኻ ኣብ ቅድሚ ጉባኤ መስኪሮም እዮም። ንኣምላኽ ከም ዚበቅዕ ጌርካ ኣፋንዎም።  ከመይሲ፡ ካብ ኣህዛብ ሓንቲ እኳ ኸይወሰዱ፡ ምእንቲ ስሙ እዮም ዝወጹ።  እምበኣር፡ በታ ሓቂ መዓይይቲ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ኽንቅበሎም ግዴታ ኣሎና።  ናብታ ጉባኤ ሓደ ነገር ጽሒፈ ኣለኹ፣ እቲ ኣውራኦም ኪኸውን ዚደሊ ድዮትሬፌስ ግና ብኣኽብሮት ኣይቅበለናን እዩ። 10  ስለዚ፡ እንተ መጺአ፡ ነቲ ብዛዕባና ብኽፉእ ዘረባ ሃተውተው ብምባል ዚገብሮ ዘሎ ግብሪ ኸም ዚዝከር ክገብር እየ። እዚ ኸይኣኽሎስ፡ ነቶም ኣሕዋት ብኣኽብሮት ኣይቅበሎምን፡ ነቶም ኪቕበልዎም ዚደልዩ ኸኣ ኪኽልክሎም ይፍትን፡ ካብ ጉባኤ እውን የውጽኦም ኣሎ። 11  ኣታ ፍቑር፡ ነቲ ሰናይ ደኣ እምበር፡ ነቲ እከይሲ ኣይትስዓቦ። እቲ ሰናይ ዚገብር፡ ካብ ኣምላኽ እዩ። እቲ እከይ ዚገብር፡ ንኣምላኽ ኣይረኣዮን። 12  ኵላቶም ንድሜጥሮስ ጽቡቕ ይምስክሩሉ ኣለዉ፣ እታ ሓቂ ባዕላ ድማ ትምስክረሉ ኣላ። ንሕና እውን ንምስክረሉ ኣለና፣ ምስክርና ሓቂ ኸም ዝዀነ ኸኣ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። 13  ብዙሕ ዝጽሕፈልካ ነገር ነይሩንስ፡ ብቐለምን ብብርዕን ክጽሕፈልካ ኣይደልን እየ። 14  ግናኸ፡ ቀልጢፈ ኽርእየካ ተስፋ እገብር ኣለኹ፣ ኣፍ ንኣፍ ድማ ክንዘራረብ ኢና። ሰላም ንዓኻ ይኹን። ፈተውትና ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ንፈተውትና በብስሞም ሰላም በለለይ።

እግረ ጽሑፍ