ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

2 ጴጥሮስ 3:1-18

3  ፍቑራተየ፡ እዛ ሕጂ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ፡ ካልአይቲ ደብዳበይ እያ፣ ከምታ ቐዳመይቲ ኸኣ፡ ብመዘኻኸሪ ገይረ ነቲ ንጹር ኣተሓሳስባኹም አነቓቕሖ ኣለኹ።  እዚ ድማ ነቲ ኣቐዲሙ ብቕዱሳት ነብያት እተባህለ ቓልን ነቲ ብሃዋርያትኩም ዝረኸብኩምዎ ትእዛዝ ጐይታናን መድሓኒናን ምእንቲ ኽትዝክሩ እዩ።  ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ትምኒቶም ዚመላለሱ መላገጽቲ ምስ ላግጾም ከም ዚመጹ፡ ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ።  ንሳቶም ከኣ፡ “እቲ ንሱ ኣብዚ ኸም ዚህሉ እተተስፈወ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝዓረፉላ መዓልቲ፡ ኵሉ ኸምቲ ኻብ መጀመርታ ፍጥረት ዝነበሮ እዩ ዘሎ” ኺብሉ እዮም።  ካብ ቀደም ሰማያት ከም ዝነበረ፡ ምድሪ እውን ካብ ማይን ኣብ ማእከል ማይን ብቓል ኣምላኽ ጸኒዓ ኸም ዝነበረት፡ ነዚ ፈትዮም ይርስዕዎ ኣለዉ፣  እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ከኣ ብእኡ፡ ብማይ ኣዕለቕሊቓ ጠፍአት።  እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና በቲ ቓል እቲ ንሓዊ ተዓቚሩ ኣሎ፡ ክሳዕ እታ መዓልቲ ፍርድን ጥፍኣት እቶም ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባትን ድማ ይሕሎ ኣሎ።  ግናኸ፡ ፍቑራተየ፡ ኣብ የሆዋ ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመት፡ ሽሕ ዓመት እውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃኑ፡ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትሰወርኩም።  የሆዋስ፡ ኵሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ስለ ዘይደሊ፡ ምእንታኹም ይዕገስ ኣሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኦም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ። 10  መዓልቲ የሆዋ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ፣ ብእኣ ሰማያት ድዋዕዋዕ* እናበለ ኺሓልፍ፡ ባእታታት* ከኣ ብረስኒ ኺጠፍእ፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን እውን ኪቕላዕ እዩ። 11  እዚ ዅሉ በዚ ኸምዚ ዚጠፍእ ካብ ኰነ፡ ብቕዱስ ኣነባብራን ብግብርታት ኣምላኻዊ ተወፋይነትን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም! 12  ሰማያት ብሓዊ ኣብ ዚጠፍኣሉ፡ ባእታታት ከኣ ብረስኒ ኣብ ዚመከሉ ግዜ፡ ነቲ መዓልቲ የሆዋ ኣብዚ እትህልወሉ እዋን ተጸበይዎ፡ ብሓሳብኩም እውን ኣቐልጥፍዎ። 13  ንሕና ግና፡ ከምቲ ተስፋኡ፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ ኣለና። 14  ስለዚ፡ ፍቑራተየ፡ ነዚ ትጽበዩ ኻብ ኣለኹም፡ ብዘይ ርስሓትን ብዘይ ኣበርን ኴንኩም ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርከቡ ተጋደሉ። 15  ከምቲ እቲ ፍቑር ሓውና ጳውሎስ በቲ እተዋህቦ ጥበብ ገይሩ ዝጸሓፈልኩም ድማ፡ ንትዕግስቲ ጐይታና ኸም ድሕነት ቍጸርዎ፣ 16  ንሱ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ኣብ ኵለን ደብዳበታቱ ተዛሪቡ እዩ። ገሊኡ ኣባታተን ዘሎ ግና፡ ንምስትውዓሉ ዜሸግር እዩ፣ እቶም ደናቝርን ዘይጽኑዓትን ከኣ፡ ከምቲ ነቲ ኻልእ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚጠዋውይዎ፡ ነዚ እውን ንጥፍኣቶም ይጠዋውይዎ ኣለዉ። 17  እምበኣር፡ ፍቑራተየ፡ ነዚ ኣቐዲምኩም ካብ ፈለጥኩምዎ፡ ብስሕተት እቶም ጠሓስቲ ሕጊ ተለኪምኩም ካብ ጽንዓትኩም ከይትወድቁ ተሓለዉ። 18  ብጸጋን ብፍልጠትን ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ዕበዩ። ንዕኡ ሕጅን ንመዓልቲ ዘለኣለምን ክብሪ ይኹኖ።

እግረ ጽሑፍ

2ጴጥ 3:10 * ወይ፡ “ሽው ኢሉ።”
2ጴጥ 3:10 * ማለት፡ ንሰማያት ዜቕውም ባእታታት።