ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

2 ጴጥሮስ 2:1-22

2  ግናኸ፡ ከምቲ ናይ ሓሶት ነብያት ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ዝነበሩ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ መንጎኹም ናይ ሓሶት መምህራን ኪህልዉ እዮም። ንሳቶም ዜጥፍእ ኑፋቐ ሰላሕ ኣቢሎም ኬእትዉን ነቲ ዝዓደጎም ዋና እኳ ኪኽሕድዎን እዮም፣ ኣብ ርእሶም እውን ቅልጡፍ ጥፍኣት ኬምጽኡ እዮም።  ብዙሓት ድማ ነቲ ንውርምናኦም* ኪስዕብዎ እዮም፣ ብሰሮም እውን መገዲ ሓቂ ኽትጽረፍ እያ።  ብቓል ጥበራ ገይሮም ከኣ፡ ብስስዐ ኺምዝምዙኹም እዮም። እቲ ቐደም እተወሰነ ፍርዶም ግና ኣይድንጕን፡ ጥፍኣቶም እውን ኣይድቅስን እዩ ዘሎ።  ኣምላኽ ነቶም ዝሓጥኡ መላእኽቲ እኳ ኣይነሓፎምን፣ የግዳስ፡ ናብ ጦርጦስ ብምድርባይ፡ ንፍርዲ ኺዕቈሩ ናብ ጐዳጕዲ ድቕድቕ ጸልማት ኣሕሊፉ ሃቦም።  ነታ ጥንታዊት ዓለም እውን ኣይነሓፋን፣ የግዳስ፡ ኣብታ ፍርሃት ኣምላኽ ናይ ዘይብሎም ዓለም ማይ ኣይሂ ምስ ኣውረደ፡ ንኖህ እቲ ሰባኽ ጽድቂ ሻምናይ ርእሱ ሓለዎ።  ንኸተማታት ሶዶምን ጎሞራን ሓሙዅሽቲ ብምግባር ድማ፡ ኰነነን፣ ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ብዛዕባ ዚመጾም ከኣ፡ መሰክሒ ዀና።  ነቲ ብንውርምና እቶም ጠሓስቲ ሕጊ ኣመና ዚጕሂ ዝነበረ ጻድቕ ሎጥ ግና ኣድሓኖ፣  መዓልቲ መዓልትስ፡ በቲ እቲ ጻድቕ ኣብ መንጎኦም ኪነብር ከሎ ዚርእዮን ዚሰምዖን ዝነበረ ግብርታት ጥሕሰት ሕጊ፡ እታ ጻድቕ ነፍሱ ትስቀ ነበረት።  እምበኣር፡ የሆዋ ነቶም ኣምላኻዊ ተወፋይነት ዘለዎም ሰባት ከመይ ገይሩ ኻብ ፈተና ኸም ዜናግፎም ይፈልጥ እዩ፣ ንዓመጽቲ ግና ብመዓልቲ ፍርዲ ምእንቲ ኺጠፍኡ ኸመይ ገይሩ ኸም ዚዓቝሮም ይፈልጥ እዩ፣ 10  ምናዳ ኸኣ ነቶም ንስጋ ኻልኦት ኬርክሱ ዚደልዩን ንስልጣን ዚንዕቁን። ንሳቶም ደፋራት፡ ብርእሶም ዚምክሑ፡ ንኽቡራት ኪጸርፉ ዘይፈርሁ እዮም፣ 11  መላእኽቲ ግና ብሓይልን ብስልጣንን ዚበልጹ ኽነሶምሲ፡ ንየሆዋ ኻብ ዘለዎም ኣኽብሮት እተላዕለ፡* ብጸርፊ ኣይከሰስዎምን። 12  እዚኣቶም ግና ከምቶም ኪተሓዙን ኪጠፍኡን እተፈጥሩ ዘይሓስቡ እንስሳታት ብምዃኖም፡ ብዛዕባ ዘይፈልጥዎ ነገራት ይጻረፉ ኣለዉ። በቲ ባዕሎም ዜምጽእዎ መገዲ ጥፍኣት ኪጠፍኡ እዮም፣ 13  ከም ዓስቢ ዓመጻኦም እውን፡ ኪዕመጹ እዮም። ብቐትሪ እኳ ምሕንቃቕ ከም ተድላ ገይሮም ይርእይዎ እዮም። ምሳኻትኩም ኣብ መኣዲ እናበልዑ፡ ብዜታልል ትምህርቶም ዚፍንጥዙ ርስሓትን ኣበርን እዮም። 14  ዝሙት ዝመልኣን ካብ ሓጢኣት ዘየቋርጻን ኣዒንቲ ኣለዋኦም፣ ንዘይጸንዓ ነፍሳት ከኣ ይሓብሉ እዮም። ስስዐ ዝለመደ ልቢ ኣለዎም። ርጉማት ደቂ እዮም። 15  ነታ ቕንዕቲ መገዲ ሓዲጎም ሰሓቱ። መገዲ እቲ ዓስቢ ዓመጻ ዝፈተወ በላዓም ወዲ ቤዖር ሰዓቡ፣ 16  ንሱ ግና ሕጊ ብምጥሓሱ፡ መግናሕቲ ተቐበለ። ዓባስ መጽዓኛ ብድምጺ ሰብ ተዛረበት፡ ንጽላለ እቲ ነብዪ ኸኣ ዓገተት። 17  እዚኣቶም ማይ ዘይብሉ ዓይኒ ማያትን ብህቦብላ ዚኽብከብ ግመን እዮም፣ ግብ ዝበለ ጸልማት ከኣ ተዓቚሩሎም ኣሎ። 18  ከመይሲ፡ ከንቱ ዝዀነ ዘረባ ትዕቢት ይዛረቡ እዮም። ነቶም ካብቶም ብስሕተት ዚነብሩ ሕጂ ንቝሩብ ዘምለጡ ሰባት፡ ብትምኒት ስጋን ብንውርምናን ይሓብሉ እዮም። 19  እተሳዕረ ነቲ ዝሰዓሮ ባርያኡ ይዀኖ እዩ እሞ፡ ንሳቶም ንርእሶም ባሮት ብልሽውና ኽነሶም፡ ሓርነት የተስፍውዎም ኣለዉ። 20  ብልክዕ ፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ካብ ርኽሰት ዓለም ድሕሪ ምምላጦም፡ ከም ብሓድሽ ብእኡ እንተ ተጠላለፉን እንተ ተሳዕሩን፡ ካብ ቀዳማዮምሲ ዳሕራዮም ዝገደደ እዩ ዚኸውን። 21  ነታ መገዲ ጽድቂ ብልክዕ ፈሊጦም ካብቲ ቕዱስ ትእዛዝ ካብ ዚርሕቁስ፡ እንተ ዘይፈልጥዋ ምሓሾም ነይሩ። 22  ከምቲ እቲ ምስላ ሓቂ፡ “ከልቢ ናብ ትፋኡ ተመልሰ፣ ሓሰማ እውን ተሓጺባስ ኣብ ጸብሪ ኣንገርገረት” ዚብሎ በጺሕዎም ኣሎ።

እግረ ጽሑፍ

2ጴጥ 2:2 * ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ንውርምና” ርአ።
2ጴጥ 2:11 * ወይ፡ “ኣብ ቅድሚ የሆዋ።”