ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

2 ጢሞቴዎስ 3:1-17

3  ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ ግና፡ እዚ ፍለጥ።  ሰባትሲ ፈተውቲ ርእሶም፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየመስግኑ፡ ዘይእሙናት፡  ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘይብሎም፡ ስግንጢር፡ ሓመይቲ፡ ርእሶም ዘይገትኡ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡  ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ነቓጻት፡ ብትዕቢት እተነፍሑ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ብዝያዳ ተድላ ዚፈትዉ፡  መልክዕ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ዘለዎም፡ ንሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ ኪዀኑ እዮም፣ ካብ እዚኣቶም ከኣ ርሓቕ።  ከመይሲ፡ ሰላሕ ኢሎም ናብ ቤተ ሰብ ዚኣትዉ፡ ብእተፈላለየ ትምኒታት ዚምርሓ ድኹማት ኣንስቲ ኸኣ ዚማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም ይትንስኡ እዮም።  ንሳተን ድማ ኵሉ ሳዕ ዚምሃራ፡ ግናኸ ናብቲ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ኸቶ ዘይክእላ እየን።  ከምቲ ያኔስን ያምብሬስን ንሙሴ እተቓወምዎ፡ እዞም ኣእምሮኦም እተበላሸወን ብዛዕባ እምነት ዘይብቑዓትን እውን፡ ነታ ሓቂ ይቃወምዋ ኣለዉ።  ግናኸ፡ ከምቲ ናይ እቲኣቶም ዕሽነት እተገልጸ፡ ናይ እዚኣቶም ዕሽነት እውን ንዅሉ ኺግለጽ እዩ እሞ፡ ኣይኪግስግሱን እዮም። 10  ንስኻ ግና ንትምህርተይ፡ ንኣነባብራይ፡ ንዕላማይ፡ ንእምነተይ፡ ንዓቕለይ፡ ንፍቕረይ፡ ንተጻዋርነተይ ጠቢቕካ ስዒብካ ኢኻ። 11  ነቲ ኣብ ከም ኣንጾክያን ኢቆንዩምን ልስጥራን ዝበጽሓኒ መስጐጕትን መከራን እውን ትፈልጦ ኢኻ። እዚ መስጐጕቲ እዚ ተጻወርኩ፡ ጐይታ ድማ ካብዚ ዅሉ ኣናገፈኒ። 12  ኵሎም እቶም ምስ ክርስቶስ ብዘለዎም ሕብረት ብኣምላኻዊ ተወፋይነት ኪነብሩ ዚደልዩ እውን፡ ኪስጐጉ እዮም። 13  እኩያትን ኣምሰሉታትን ግና እናኣስሓቱን እናሰሓቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም። 14  ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሃርካ ፈሊጥካ፡ በቲ እተመሃርካዮን ዝኣመንካሉን ጽናዕ። 15  ካብ ሕጻንነትካ ኣትሒዝካ እውን፡ ነቲ ብእምነት ክርስቶስ የሱስ ንድሕነት ዜለብመካ ቕዱሳት ጽሑፋት ትፈልጦ ኢኻ። 16  ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ፡ ንትምህርትን ንመግናሕትን ንምቕናዕን ብጽድቂ ንምግሳጽን ከኣ ዚጠቅም እዩ፣ 17  እዚ ድማ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ኣጸቢቑ እተዳለወ፡ ምሉእ ብምሉእ ብቑዕ ምእንቲ ኪኸውን እዩ።

እግረ ጽሑፍ