ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

2 ጢሞቴዎስ 1:1-18

1  ካብቲ ምስታ ብክርስቶስ የሱስ ዝዀነት ተስፋ ህይወት ብእተተሓሓዘ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ጳውሎስ፡  ናብቲ ፍቑር ወደይ ዝዀነ ጢሞቴዎስ፦ ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና ክርስቶስ የሱስን ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ይኹነልካ።  ለይትን መዓልትን ከየቋረጽኩ ኣብ ምህለላይ ንዓኻ ብምዝካረይ፡ ነቲ ኸምቲ ናይ ኣቦታተይ ገይረ ብንጹህ ሕልና ዘገልግሎ ኣምላኽ አመስግኖ ኣለኹ።  ንብዓትካ ኽዝክር ከለኹ፡ ብሓጐስ ምእንቲ ኽምላእ፡ ክርእየካ እናፍቕ ኣለኹ።  ነታ ቕድም ኣብ ሎኢስ ዓባይካን ኤውንቄ ኣዴኻን ዝሓደረት፡ ኣባኻ ኸም ዘላ እውን ዝተኣማመነላ ግብዝና ዘይብላ እምነትካ እዝክራ ኣለኹ።  በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነቲ ብምንባር ኣእዳወይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ከተጐሃህሮ አዘክረካ ኣለኹ።  ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን ልብምናን እምበር፡ መንፈስ ፍርሂ ኣይኰነን ሂቡና።  እምበኣር፡ ኣብቲ ሓይሊ ኣምላኽ ብምትእምማን፡ ምእንቲ እቲ ብስራት ብእጃምካ መከራ ጽገብ ደኣ እምበር፡ ብዛዕባ ጐይታና ብዚውሃብ ምስክርነት ወይስ ስሌኡ ብእተኣሰርኩ ብኣይ ኣይትሕፈር።  ኣምላኽ ሳላ ግብርና ዘይኰነስ፡ ሳላ ፍቓዱን ሳላ ጸጋኡን ኣድሓነና፡ ብቕዱስ ጽውዓ እውን ጸውዓና። እዚ ጸጋ እዚ፡ ጥንቲ ብክርስቶስ የሱስ እኳ እንተ ተዋህበና፡ 10  ሕጂ ግና ብግህደት መድሓኒና ክርስቶስ የሱስ ተገልጸ፣ ንሱ ንሞት ስዒሩ፡ በቲ ብስራት ንህይወትን ንዘይምሕላፍን ኣብርሆ። 11  ነዚ ድማ፡ ኣነ ሰባኽን ሃዋርያን መምህርን ክኸውን ተሸምኩ። 12  ስለዚ ኸኣ እየ እዚ መከራ እዚ ዝጸግብ ዘለኹ፣ ግናኸ፡ ኣይሓፍርን እየ። ከመይሲ፡ ነቲ ዝኣምኖ እፈልጦ እየ፣ ነቲ ብሕድሪ ዝሃብክዎ ድማ ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኺሕልዎ ኸም ዚኽእል እተኣማመን እየ። 13  እቲ ኻባይ ዝሰማዕካዮ ቕርጺ እቲ ጥዑይ ቃል፡ በቲ ምስ ክርስቶስ ብዘሎካ ሓድነት ዚርከብ እምነትን ፍቕርን ሓዞ። 14  ነዚ ጽቡቕ ሕድሪ እዚ፡ በቲ ኣባና ሓዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ሓልዎ። 15  ኵሎም እቶም ኣብ እስያ* ዘለዉ፡ ከም ዝጠንጠኑኒ ትፈልጥ ኢኻ። ፍጌሎስን ሄርሞጌኔስን ከኣ ካባታቶም እዮም። 16  ጐይታ ንቤተ ሰብ ኦኔሲፎሮስ ምሕረት ይሃብ፣ ከመይሲ፡ ንሱ ብዙሕ ሳዕ ንመንፈሰይ ኣሐደሰለይ፡ ብሰንሰለት ማእሰርተይ እውን ኣይሓፈረን። 17  እኳ ደኣስ፡ ኣብ ሮሜ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሃለው ኢሉ ደልዩ ረኸበኒ። 18  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ካብ የሆዋ ምሕረት ኪረክብሲ፡ ጐይታ ይሃቦ። ንዅሉ እቲ ኣብ ኤፌሶን ዘገልገሎ ኣገልግሎት እውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ።

እግረ ጽሑፍ

2ጢሞ 1:15 * ኣብ ግብ 2:9፡ ኣብ እግረ ጽሑፍ ርአ።