ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

2 ተሰሎንቄ 2:1-17

2  ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዛዕባ እቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዚህልወሉን ንሕና ናብኡ እንእከበሉን እዋን፡ እዚ ንልምነኩም ኣለና፦  መዓልቲ የሆዋ መጺኣ ኣላ ኢልኩም፡ ካብ ሓሳብኩም ቀልጢፍኩም ኣይትናወጹ፣ ብመንፈሳዊ መግለጺ፡ ወይ ብእተዘርበ መልእኽቲ፡ ወይ ካባና ብእትመስል ደብዳበ ድማ ኣይትሸበሩ።  ቅድም ክሕደት ከይኰነ፡ እቲ ጠሓስ ሕጊ ዝዀነ ሰብ፡ እቲ ወዲ ጥፍኣት ድማ ከይተገልጸ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ስለ ዘይትመጽእ፡ ብዝዀነ ይኹን ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም።  ንሱ “ኣምላኽ እየ” እናበለ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምእንቲ ኪቕመጥ፡ “ኣምላኽ” ኣብ ዚብሃል ወይ ኣብ ዚምለኽ ዘበለ ዅሉ ዚዕበ ተጻራሪ እዩ።  ኣነ ገና ምሳኻትኩም ከለኹ፡ እዚ እነግረኩም ከም ዝነበርኩ ኣይትዝክርዎን ዲኹም፧  ብግዜኡ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ እቲ ሕጂ ዚኽልክሎ ዘሎ ትፈልጥዎ ኢኹም።  ምስጢር እዚ ጥሕሰት ሕጊ እዝስ ይዓዪ ኣሎ፣ እዚ ግና፡ እቲ ዚኽልክሎ ዘሎ ኻብ መገዱ ኽሳዕ ዜልግስ ጥራይ እዩ።  ሽዑ ኸኣ፡ እቲ ጠሓስ ሕጊ ኺግለጽ እዩ፣ ንዕኡ እውን ጐይታና የሱስ ብመንፈስ ኣፉ ኼጥፍኦን ብምግሃድ እቲ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ከንቱ ኺገብሮን እዩ።  እቲ ጠሓስ ሕጊ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ግና፡ ብዅሉ ግብሪ ሓይልን ብናይ ሓሶት ትእምርትታትን ተኣምራትን ከም ተግባር ሰይጣን እዩ ዚገብር፣ 10  እቶም ዚጠፍኡ፡ ንድሕነቶም ዚኸውን ፍቕሪ ሓቂ ስለ ዘይተቐበሉ ድማ፡ ንዓታቶም ብዅሉ ጥበራ ዓመጻ የታልሎም። 11  ስለዚ ኸኣ እዩ ኣምላኽ፡ ንሓሶት ምእንቲ ኺኣምኑ፡ ብስሕተት ኪስሕቱ ዝሓደጎም፣ 12  ከምኡ ዝገበረ ድማ፡ ንሓቂ ስለ ዘይኣመኑ፡ የግዳስ ብዓመጻ ባህ ስለ ዝበሎም፡ ኵሎም ምእንቲ ኺፍረዱ እዩ። 13  ግናኸ፡ ኣቱም ብየሆዋ እተፈቐርኩም ኣሕዋትና፡ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ብመንፈሱ ብምቕዳስን በታ ኣብ ሓቂ ዘላትኩም እምነትን ንድሕነት ስለ ዝሓረየኩም፡ ብዛዕባኹም ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ ከነመስግኖ ይግብኣና እዩ። 14  ክብሪ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ በቲ ዘበሰርናኩም ብስራት ገይሩ ናብዚ ድሕነት እዚ ጸውዓኩም። 15  እምበኣር፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ጽንዑ፡ ነቲ ብቓልና ወይስ ብደብዳበታትና እተመሃርኩምዎ ስርዓታት ሓዝዎ። 16  ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ባዕሉን እቲ ዘፍቀረና፡ ብጸጋ እውን ናይ ዘለኣለም ምጽንናዕን ጽቡቕ ተስፋን ዝሃበና ኣቦና ኣምላኽን 17  ብዅሉ ሰናይ ግብርን ብቓልን ንልብኹም የጸናንዕዎን የበርትዕዎን።*

እግረ ጽሑፍ

2ተሰ 2:17 * ወይ፡ “የጽንዕዎን።”