ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

2 ተሰሎንቄ 1:1-12

1  ካብ ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን፡ ናብታ ምስ ኣቦና ኣምላኽን ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ሓድነት ዘለዋ ጉባኤ ተሰሎንቄ፦  ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም።  ኣቱም ኣሕዋትና፡ እምነትኩም ኣዝያ ስለ ዝዓበየትን ፍቕሪ ነፍሲ ወከፍኩም ኣብ ንሓድሕድኩም ስለ ዝወሰኸትን፡ ብዛዕባኹም ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ ከነመስግኖ ይግብኣና እዩ።  ስለዚ፡ ንሕና ባዕልና በቲ ኣብ ኵሉ መስጐጕትኹምን ጸበባኹምን ዘርኣኹምዎ ተጻዋርነትን እምነትን ኣብ መንጎ ጉባኤታት ኣምላኽ ብኣኻትኩም ንምካሕ ኣለና።  እዚ ናይቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ መርትዖ እዩ፣ ነታ መከራ እትጸግቡላ ዘለኹም መንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ከም እትቝጸሩ ድማ ይገብር።  ነቶም ዜጽብቡልኩም ዘለዉ ጸበባ ኺፈድስ፡ ኣብ ኣምላኽ ቅኑዕ እዩ።  ንዓኻትኩም ንዝጸበበኩም ግና፡ ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ ምስ ሓያላት መላእኽቲ ኺግለጽ ከሎ፡ ኣምላኽ ምሳና ዕረፍቲ ኺህበኩም እዩ።  ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንብስራት ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም እዩ።  እዚኣቶም ካብ ቅድሚ ጐይታን ካብ ክብሪ ሓይሉን ርሒቖም፡ ብናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ኪቕጽዑ እዮም፣ 10  እዚ ድማ ምስ ቅዱሳቱ ኪኸብርን በታ መዓልቲ እቲኣ ብዅሎም እቶም ዝኣመኑ ኸም ግሩም ጌርካ ኺርአን ኣብ ዚመጸሉ ግዜ ኪኸውን እዩ። ከመይሲ፡ እቲ ዝመስከርናዮ፡ ኣባኻትኩም ተኣሚኑ እዩ። 11  ምእንቲ እዚ ድማ፡ ኣምላኽና ንጽውዓኡ ብቑዓት ገይሩ ኪቘጽረኩም፡ ኵሉ እቲ ዚደልዮ ሰናይን ግብሪ እምነትን እውን ብሓይሉ ኺፍጽሞ፡ ብዛዕባኹም ኵሉ ሳዕ ንጽሊ ኣለና። 12  እዚ ኸኣ ከም መጠን ጸጋ ኣምላኽናን ጐይታና የሱስ ክርስቶስን፡ ስም ጐይታና የሱስ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኪኽበር፡ ንስኻትኩም እውን ምስኡ ብዘሎኩም ሓድነት ምእንቲ ኽትከብሩ እዩ።

እግረ ጽሑፍ