ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

2 ቈረንቶስ 9:1-15

9  ብዛዕባ እቲ ንቕዱሳት ዚኸውን ኣገልግሎት፡ ክጽሕፈልኩም ኣየድልየንን እዩ፣  ከመይሲ፡ እቲ ኣካይያ ኻብ ዓሚ ኣትሒዛ ኸም እተዳለወት ንመቄዶናውያን እተመካሕኩሉ ፍቓደኛነትኩምን እቲ ንመብዛሕትኦም ዘለዓዓለ ቕንኣትኩምን እፈልጦ እየ።  ኰይኑ ግና፡ እቲ እተመካሕናዮ ኣብዚ መዳይ እዚ ኸንቱ ምእንቲ ኸይከውን፡ ከምቲ ዝበልክዎ፡ ተዳሊኹም ምእንቲ ኽትጸንሑ፡ ነቶም ኣሕዋት እሰድዶም ኣለኹ።  እንተ ዘይኰነስ፡ መቄዶናውያን ምሳይ እንተ መጹ እሞ፡ ከይተዳሎኹም እንተ ረኸቡኹም፡ ንሕና ዀንና ንስኻትኩም በታ ኣባኻትኩም ዘላትና እምንቶ ኽንሓፍር ኢና።  እምበኣር፡ ነቶም ኣሕዋት ኣቐዲሞም ናባኻትኩም ምእንቲ ኺመጹ ኸተባብዖምን እቲ ኸተበርክትዎ ዘተስፈኹምዎ ህያብ ተዳልዩ ኺጸንሕን ዜድሊ ዀይኑ ተሰምዓኒ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ እዚ ኸም ብግዲ እተዋህበ ዘይኰነስ፡ ከም እተበርከተ ህያብ ኰይኑ ኺዳሎ ይኽእል።  ብዛዕባ እዚ ግና፡ እቲ ቘጢቡ ዚዘርእ፡ ቈጢቡ ይዓጽድ፣ እቲ ብበረኸት ዚዘርእ ከኣ፡ ብበረኸት ይዓጽድ።  ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሓለኖ ይሃብ።  ኵሉ ሳዕ ብዅሉ ዚኣክል ሃልዩኩም፡ ብሰናይ ግብሪ ዕዙዛት ምእንቲ ኽትኰኑ ድማ፡ ኣምላኽ ጸጋኡ ኼብዝሓልኩም ይኽእል እዩ።  (ከምቲ፡ “ዘረወ፡ ንድኻታት ሃበ፡ ጽድቁ ንዘለኣለም ይነብር” ተባሂሉ እተጻሕፈ እዩ። 10  እቲ ንዘራኢ ዘርእን ንምግቢ ዚኸውን እንጌራን ኣብዚሑ ዚህብ፡ ንሱ ዘርኢ ኺህበኩምን ኬበርክተልኩምን ፍረ ጽድቅኹም ኬብዝሖን እዩ።) 11  ብዅሉ በቲ ብኣና ኣቢሉ ንኣምላኽ ምስጋና ዜምጽእ ኵሉ ልግሲ ትህብትሙ ኣለኹም፣ 12  ምኽንያቱ፡ እዚ ኣገልግሎት እዚ ዚግበር፡ ነቶም ቅዱሳት ዜድልዮም ዘበለ ንምምላእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ዚቐርብ ብዙሕ ምስጋና ምእንቲ ኺዓዝዝ እውን እዩ። 13  ነቲ እትሰብክዎ ብስራት ክርስቶስ ተገዛእቲ ስለ ዝዀንኩምን ንዓታቶምን ንዅሉን ብልግሲ ስለ እተዋጽኡን፡ እዚ ኣገልግሎት እዚ ብዜቕርቦ መርትዖ፡ ንኣምላኽ የመጕስዎ እዮም፣ 14  ስለቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ሓለፍ ዝበለ ጸጋ ኣምላኽ፡ ምእንታኹም ብምምህላል ከኣ፡ ኪላለዩኹም ሃረር ከም ዚብሉ የርእዩ ኣለዉ። 15  ስለቲ ኺግለጽ ዘይከኣል ውህበቱ፡ ንኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ።

እግረ ጽሑፍ