ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

2 ቈረንቶስ 8:1-24

8  ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ ንጉባኤታት መቄዶንያ እተዋህበ ጸጋ ኣምላኽ ክትፈልጡ ንደሊ ኣለና፣  ብጸበባ ብዙሕ ኣብ እተፈተኑሉ እዋን፡ እቲ ብዙሕ ሓጐሶምን እቲ ሕሉፍ ድኽነቶምን ንሃብቲ ልግሶም ኣዕዘዞ።  ከመይሲ፡ ከም ዓቕሞም፡ አረ ሓለፋ ዓቕሞም እውን  ምእንቲ ኺልግሱን ንቕዱሳት ምእንቲ ኼገልግሉን፡ ብተበግሶኦም ብዙሕ ለሚኖምና እዮም።  ቅድም ንጐይታ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ንዓና ብፍቓድ ኣምላኽ ርእሶም ወፈዩ እምበር፡ ከምቲ ንሕና ተስፋ ዝገበርናዮ ጥራይ ኣይኰነን።  ስለዚ ኸኣ፡ ንቲቶስ፡ ከምቲ ነዚ ዕዮ እዚ ኣባኻትኩም ዝጀመሮ፡ ከምኡ ድማ ነቲ ልግስኹም ኪፍጽሞ ኣተባባዕናዮ።  ግናኸ፡ ከምቲ ብዅሉ፡ ማለት ብእምነትን ብቓልን ብፍልጠትን ብጸዓት ዘበለን በታ ንዓኻትኩም ዘላትና ፍቕርን ዝዓዘዝኩም፡ በዚ ልግሲ እዚ እውን ዕዙዛት ኩኑ።  ጸዓት ካልኦት ከፍልጠኩምን ሓቅነት ፍቕርኹም ክዕዘብን እየ እምበር፡ ከም ትእዛዝ ኣይኰንኩን እዚ ዝብለኩም ዘለኹ።  ምኽንያቱ፡ ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም፣ ሃብታም ክነሱስ፡ ንስኻትኩም ብድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፡ ምእንታኹም ደኽዩ እዩ። 10  ብዛዕባ እዚ፡ ነዚ ሓሳብ እዚ ኽህበኩም፦ ዓሚ ነቲ ተግባር እቲ ጀሚርኩምዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንምግባሩ ድሌት ከም ዘሎኩም ስለ ዘርኣኹም፡ እዚ ንጥቕምኹም እዩ። 11  ሕጂ ኸኣ ከምቲ ንምግባሩ ባህጊ ዝነበረኩም፡ ከምኡ ድማ ከም ዓቕምኹም ምእንቲ ኽትፍጽምዎ፡ ነቲ ኽትገብርዎ ዝጀመርኩም ፈጽምዎ። 12  ቅድም ባህጊ እንተ ኣልዩስ፡ በቲ ዘለዎ መጠን ቅቡል እዩ እምበር፡ ብዘይብሉ ኣይኰነን። 13  ንኻልኦት ከቕልለሎም፡ ንዓኻትኩም ከኣ ከኽብደልኩም ኢለ ኣይኰንኩን፣ 14  የግዳስ፡ ብምምዕርራይ ተረፍኩም ነቲ ጐደሎኦም ምእንቲ ኺምልእ፡ ተረፎም እውን ነቲ ጐደሎኹም ምእንቲ ኺምልእ እሞ፡ ምምዕርራይ ምእንቲ ኪኸውን ኢለ እየ። 15  ከምቲ፡ “እቲ ብዓል ብዙሕ ኣይተረፎ፡ እቲ ብዓል ሒደት እውን ኣይጐደሎ” ተባሂሉ እተጻሕፈ እዩ። 16  ኣምላኽ ኣብ ልቢ ቲቶስ ከምዛ ንዓኻትኩም ዘላትና ሓልዮት ስለ ዘሕደረ፡ ምስጋና ይኹኖ፣ 17  ምኽንያቱ፡ ንሱ ነቲ እተዋህቦ መተባብዒ ተቐቢሉስ፡ ኣዝዩ ተሃንጥዩ፡ ብተበግሶኡ ናባኻትኩም ይመጽእ ኣሎ። 18  ምስኡ እውን ነቲ ኣብ ኵለን ጉባኤታት ብስብከት ብስራት እተወደሰ ሓው ንሰድዶ ኣለና። 19  እዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብዚ ንኽብሪ ጐይታን ሓልዮትና ንምርኣይን እነመሓድሮ ልግሲ መጋይሽትና ኪኸውን ብጉባኤታት ተሸይሙ እዩ። 20  በዚ ኸምዚ፡ ምስዚ ንሕና እነመሓድሮ ብዙሕ ውጽኢት ብእተተሓሓዘ ሓደ እኳ ምእንቲ ኸይነቕፈና፡ ንጥንቀቕ ኣለና። 21  ከመይሲ፡ “ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ እውን ብቕንዕና ንሓሊ ኣለና።” 22  ብዘይካዚ፡ ትጉህ ከም ዝዀነ ብብዙሕ ዝመርመርናዮ፡ ሕጂ ኸኣ ስለቲ ኣባኻትኩም ዘላቶ ዓባይ እምንቶ ዝያዳ ትጉህ ዝዀነ ሓውና ምሳታቶም ንሰድዶ ኣለና። 23  ብዛዕባ ቲቶስ እንተ ዀነ፡ ንሱ ብጻየይን ንጥቕምኹም መዓይይተይን እዩ፣ ብዛዕባ እቶም ኣሕዋትና እንተ ዀነ እውን፡ ንሳቶም ልኡኻት* ጉባኤታትን ክብሪ ክርስቶስን እዮም። 24  እምበኣር፡ ፍቕርኹም ግለጹሎም፡ ብዛዕባኹም ኣብ ጉባኤታት ስለምንታይ ከም እተመካሕና ድማ ኣርእይዎም።

እግረ ጽሑፍ

2ቈረ 8:23 * ቃል ብቓሉ፡ “ሃዋርያት።” ብግሪኽኛ፡ ኣፖስቶሎይ።