ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

2 ቈረንቶስ 7:1-16

7  እምበኣር፡ ፍቑራተየ፡ እዚ ተስፋታት እዚ ኻብ ሃለወናስ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ናብ ፍጹም ቅድስና እናበጻሕና፡ ካብ ኵሉ እቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ርእስና ነንጽህ።  ኣብ ልብኹም ቦታ ሃቡና።* ንሓደ እኳ ኣይበደልናን፡ ንሓደ እኳ ኣየበላሸናን፡ ንሓደ እኳ ኣይተበለጽናሉን።  ምሳና ንሙማትን ብህይወት ንምንባርን ኣብ ልብና ኸም ዘለኹምሲ፡ ኣቐዲመ ኢለ ኣለኹ እሞ፡ ክዅንነኩም ኢለ ኣይኰንኩን እዚ ዝብል ዘለኹ።  ንዓኻትኩም ብብዙሕ ትብዓት ክዛረበኩም እኽእል እየ። ብኣኻትኩም ብዙሕ እምካሕ እየ። ብምጽንናዕ ተመሊአ፡ ኣብ ኵሉ ጸበባና ኸኣ ኣዝየ ብዙሕ ተሓጒሰ ኣለኹ።  ናብ መቄዶንያ ምስ በጻሕና እኳ፡ ኣብ ወጻኢ ቓልሲ፡ ኣብ ውሽጢ እውን ፍርሂ ስለ ዝነበረና፡ ብዅሉ ጸበበና እምበር፡ ሰብነትናስ* ዕረፍቲ ኣይረኸበን።  እቲ ንእተደቝሱ ዜጸናንዕ ኣምላኽ ግና፡ ቲቶስ ኣብዚ ኸም ዚህሉ ብምግባር፡ ኣጸናንዓና፣  ግናኸ፡ ንሱ ብዛዕባ እቲ ናፍቖትኩምን ሓዘንኩምን ንዓይ ዘሎኩም ሓልዮትን ደሃይ ሒዙ ምስ ተመልሰ፡ በቲ ንሱ ብኣኻትኩም እተጸናንዖ ምጽንናዕ ድማ እምበር፡ ኣብዚ ብምህላዉ ጥራይ ኣይኰንናን እተጸናናዕና፣ ስለዚ፡ ኣዝየ ተሓጐስኩ።  ስለዚ፡ በታ ደብዳበይ ኣጕህየኩም እንተ ዀንኩ እኳ፡ ኣይጠዓስን እየ። ኣብ ፈለማ እኳ እንተ ተጠዓስኩ፡ (እታ ደብዳበ እቲኣ፡ ንግዜኡ ጥራይ ደኣ እዩ እምበር፡ ከም ዘጕሃየትኩም እርኢ ኣለኹ እሞ፡)  ሕጅስ ስለ ዝጐሃኹም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንንስሓ ስለ ዝጐሃኹም እሕጐስ ኣለኹ። ከመይሲ፡ ብኣና ብገለ ምእንቲ ኸይትጕድኡስ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኢኹም ዝጐሃኹም። 10  ማለት፡ ጓሂ ኸም ፍቓድ ኣምላኽሲ ናብቲ ዘይትጠዓሰሉ ናብ ድሕነት ዜብጽሕ ንስሓ እዩ ዚመርሕ፣ ጓሂ ዓለም ግና ናብ ሞት እዩ ዚመርሕ። 11  እንሆ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ምጕሃይኩም፡ ክንደይ ጸዓት፡ ክንደይ ምጽራይ ርእስኹም፡ ክንደይ ቍጥዓ፡ ክንደይ ፍርሃት፡ ክንደይ ናፍቖት፡ ክንደይ ቅንኣት፡ ክንደይ መአረምታ እዩ ኣምጺኡልኩም! በዚ ነገር እዚ፡ ብዅሉ ንጹሃት ምዃንኩም ኣርኢኹም ኢኹም። 12  እንተ ጸሓፍኩልኩም እኳ፡ ስሌና እትጽዕትዎ ጸዓት ኣባኻትኩም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኺግሃድ እምበር፡ ስለ በዳሊ ወይስ ስለ ተበዳሊ ኢለ ኣይኰንኩን ዝጸሓፍኩ። 13  ስለዚ ድማ ኢና ተጸናኒዕና ዘለና። ኣብ ርእሲ እዚ ምጽንናዕ ድማ፡ ቲቶስ ብዅላትኩም መንፈሱ ስለ ዝቐሰነ፡ ብሓጐሱ ኣዚና ተሓጒስና ኢና። 14  ኣብ ቅድሚኡ ብዛዕባኹም እንተ ተመካሕኩ፡ ኣይሓፈርኩን፣ ከምቲ ዅሉ እቲ ዝነገርናኩም ሓቂ ዝዀነ ግና፡ ከምኡ እውን እቲ ኣብ ቅድሚ ቲቶስ እተመካሕናዮ ሓቂ ዀይኑ ኣሎ። 15  ኵላትኩም ከም እተኣዘዝኩምን ከመይ ጌርኩም እናፈራህኩምን ራዕራዕ እናበልኩምን ከም እተቐበልኩምዎን እናዘከረ፡ ንዓኻትኩም ዘለዎ ልባዊ ፍቕሪ በዚሑ ኣሎ። 16  ሳላኹም ብዅሉ ትብዓት ስለ ዘሎኒ፡ እሕጐስ እየ።

እግረ ጽሑፍ

2ቈረ 7:2 * ወይ፡ “ተቐበሉና።”
2ቈረ 7:5 * ቃል ብቓሉ፡ “ስጋናስ።”