ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

2 ቈረንቶስ 6:1-18

6  ጸጋ ኣምላኽ ንኸንቱ ኸይትቕበሉ፡ ምስኡ እናዓየና ንምሕጸነኩም ኣለና።  ከመይሲ፡ “ብቕብልቲ ግዜ ሰማዕኩኻ፡ ብመዓልቲ ድሕነት ከኣ ረዳእኩኻ” ይብል እዩ። እንሆ፡ እታ ቕብልቲ ግዜ ሕጂ እያ። እንሆ፡ እታ መዓልቲ ድሕነት ሕጂ እያ።  ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይንቀፍ፡ ብገለ ነገር እኳ መዐንቀፊ ኸቶ ኣይንህብን ኢና፣  ግናኸ፡ ብዅሉ ንርእስና ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጌርና ነርኢ ኣለና፣ ነዚ ድማ ብብዙሕ ተጻዋርነት፡ ብጸበባ፡ ብስእነት፡ ብጭንቂ፡  ብመውቃዕቲ፡ ብማእሰርቲ፡ ብህውከት፡ ብጻዕሪ፡ ድቃስ ብምስኣን፡ ብዘይ ምግቢ፡  ብንጽህና፡ ብፍልጠት፡ ብዓቕሊ፡ ብለውሃት፡ ብመንፈስ ቅዱስ፡ ግብዝና ብዘይብላ ፍቕሪ፡  ብሓቀኛ ዘረባ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ፡ ብኣጽዋር ጽድቂ የማነ ጸጋም፡  ብኽብርን ብሕስራንን፡ ብኽፉእ ወረን ብጽቡቕ ወረን ነርኢ ኢና። ከም መስሓትቲ እናተቘጸርና፡ ግናኸ ሓቀኛታት ኢና፣  ከም ዘይፍሉጣት እናተረኣና፡ ግናኸ ፍሉጣት ኢና፣ ሞት ከም ዚግብኣና እናተቘጸርና፡ ግናኸ፡ እንሆ፡ ህያዋን ኢና፣ ከም ቅጹዓት፡ ግናኸ ንሞት ኣይተወፈናን፣ 10  ከም ጕሁያት፡ ግናኸ ዅሉ ሳዕ ሕጉሳት ኢና፣ ከም ድኻታት፡ ግናኸ ንብዙሓት ነሀብትም ኢና፣ ሓንቲ ኸም ዘይብልና፡ ግናኸ ዅሉ ኣሎና። 11  ኣቱም ሰብ ቈረንቶስ፡ ንኽንዛረበኩምሲ ኣፍና ኸፊትና ኣለና፣ ልብና እውን ኣርሒና* ኣለና። 12  ንስኻትኩም ደኣ ኢኹም ፍቕርኹም እትቝጥቡልና ዘለኹም እምበር፡ ንሕናስ ንዓኻትኩም ልባዊ ፍቕርና ኣይቈጠብናልኩምን።* 13  ውሬታ ንምምላስ ከኣ፡—ከም ንውሉደይ እየ ዝዛረብ ዘለኹ፡—ንስኻትኩም እውን ልብኹም ኣርሕዉ።* 14  ምስቶም ዘይኣመንቲ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፡ ጽድቅን ሓጢኣትን* እንታይ ርክብ ኣለዎ፧ ወይስ ብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣለዎ፧ 15  ክርስቶስከ ምስ ብልያል* እንታይ ስኒት ኣለዎ፧ ወይስ ኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ግደ ኣለዎ፧ 16  ቤተ መቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ ኣለዎ፧ ከምቲ ኣምላኽ፡ “ኣባታቶም ክነብር፡ ኣባታቶም እውን ክመላለስ እየ፣ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶም እውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም” ዝበለ፡ ንሕናስ ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢና። 17  “‘ስለዚ፡ ካብ መንጎኦም ውጹን ተፈለዩን’ ይብል የሆዋ፡ ‘ርኹስ እውን ኣይትተንክዩ’”፣ “‘ኣነ ኸኣ ክቕበለኩም እየ።’” 18  “‘ኣቦ ድማ ክዀነኩም እየ፣ ንስኻትኩም እውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም’ ይብል እቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ።”

እግረ ጽሑፍ

2ቈረ 6:11 * ወይ፡ “ኣግፊሕና።”
2ቈረ 6:12 * ወይ፡ “ኣባናስ ኣይጸበበኩምን።”
2ቈረ 6:13 * ወይ፡ “ኣግፍሑ።”
2ቈረ 6:14 * ቃል ብቓሉ፡ “ጥሕሰት ሕጊ።”
2ቈረ 6:15 * ካብ እብራይስጢ ዀይና፡ “ዘይጠቅም” ማለት እያ። ንሰይጣን ተመልክት።