ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

2 ቈረንቶስ 4:1-18

4  ስለዚ፡ በቲ እተገብረልና ምሕረት ነዚ ኣገልግሎት እዚ ኻብ ረኸብና፡ ኣይንሕለልን ኢና፣  እኳ ደኣስ፡ ነታ ሓቂ እናኣግሃድና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሕልና ዅሉ ሰብ ብዚማርኽ መገዲ ርእስና ነርኢ ኣለና እምበር፡ ብጕርሒ ኸይተመላለስና፡ ንቓል ኣምላኽ እውን ከይበከልና፡ ነቲ ዜሕፍር ሕቡእ ነገር ነጺግና ኢና።  እቲ እነበስሮ ብስራት እተጋረደ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ኣብቶም ዚጠፍኡ እዩ እተጋረደ፣  ንዓታቶም እውን፡ ብርሃን እቲ ኽቡር ብስራት ክርስቶስ፡ ንሱ ድማ ምስሊ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ኸየብርሃሎም፡ ኣምላኽ እዚ ስርዓት ዓለም እዚ ንሓሳብ እቶም ዘይኣመንቲ ኣዖሮ።  ከመይሲ፡ ክርስቶስ የሱስ ጐይታ ኸም ዝዀነ፡ ንሕና ኸኣ ምእንቲ የሱስ ባሮትኩም ከም ዝዀንና እምበር፡ ብዛዕባ ርእስና ኣይኰንናን እንሰብኽ ዘለና።  ምኽንያቱ፡ እቲ፡ “ካብ ጸልማት ብርሃን ይብራህ” ዝበለ ኣምላኽ እዩ፣ ንብርሃን እቲ ኽቡር ፍልጠት ኣምላኽ ድማ ብገጽ ክርስቶስ ኣብ ልብና ኣብርሆ።  ግናኸ፡ እቲ ኻብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ ኻብ ኣምላኽ እምበር፡ ካባና ምእንቲ ኸይከውን፡ እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት ኣሎና።  ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣብ መጻብቦ ኣይንኣቱን፣ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ መዋጽኦ ዘይብልና ኣይኰንናን፣  ንስጐጕ፡ ግናኸ እተራሕራሕና ኣይኰንናን፣ ንድርበ፡ ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና። 10  ህይወት የሱስ ኣብ ሰብነትና ምእንቲ ኽትግሃድ፡ ኵሉ ሳዕ ከምቲ ንየሱስ ዘጋጠሞ ናብ ሞት ዜብጽሕ መከራ ኣብ ሰብነትና ንጻወር ኣለና። 11  ህይወት የሱስ ኣብቲ መዋቲ ስጋና ምእንቲ ኽትግሃድሲ፡ ንሕና ብህይወት ዘለና ምእንቲ የሱስ ኢልና ዅሉ ሳዕ ምስ ሞት ገጽ ንገጽ ንጋጠም ኣለና። 12  ስለዚ፡ ሞት ኣባና ይዓዪ ኣሎ፣ ህይወት ግና ኣባኻትኩም ትዓዪ ኣላ። 13  ከምቲ፡ “ኣመንኩ፡ ስለዚ ተዛረብኩ” ዚብል እተጻሕፈ ዓይነት መንፈስ እምነት ስለ ዘሎና፡ ንሕና እውን ንኣምን፡ ስለዚ ኸኣ ንዛረብ ኢና፣ 14  ከምኡ እንገብር ድማ፡ እቲ ንየሱስ ዘተንስኦ፡ ንዓና እውን ምስ የሱስ ከም ዜተንስኣና እሞ፡ ምሳኻትኩም ኣብ ቅድሚኡ ኸም ዜቕርበና ስለ እንፈልጥ ኢና። 15  ብዝሒ እቲ ጸጋ ሳላ ምስጋና ብዙሓት ንኽብሪ ኣምላኽ ዝያዳ ምእንቲ ኺዓዝዝሲ፡ ኵሉ እዚ ምእንታኹም እዩ። 16  ስለዚ፡ ኣይንሕለልን ኢና፣ ግናኸ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እኳ እንተ ማህመነ፡ እቲ ናይ ውሽጢ ሰብና መዓልቲ መዓልቲ ይሕደስ ኣሎ። 17  ከመይሲ፡ ጸበባና ግዝያውን ፈኲስን እኳ እንተ ዀነ፡ እናዓበየ* ዚኸይድ ናይ ዘለኣለም ክብሪ የምጽኣልና እዩ። 18  እቲ ዚርአ ንግዜኡ እዩ፡ እቲ ዘይርአ ግና ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ንሕና ነቲ ዚርአ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዘይርአ ኢና እንጥምት።

እግረ ጽሑፍ

2ቈረ 4:17 * ቃል ብቓሉ፡ “እናረዘነ።”