ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

2 ቈረንቶስ 3:1-18

3  ከም ብሓድሽዶ ርእስና ኽንንእድ ንጅምር ኣለና፧ ወይስ ከም ገሊኦም፡ ናባኻትኩም ወይ ካባኻትኩም እትለኣኽ እትንእደና ደብዳበዶ ተድልየና እያ፧  ኣብ ልብና እተጻሕፈትን ኵሉ ሰብ ዚፈልጣን ዜንብባን ደብዳበናስ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ኢኹም።  ከመይሲ፡ ንስኻትኩም ብኣና ብኣገልገልቲ ኣቢልኩም ብቐለም ዘይኰነስ፡ ብመንፈስ እቲ ህያው ኣምላኽ፡ ኣብ ጽላት እምኒ ዘይኰነስ፡ ኣብ ጽላት ስጋ፡ ማለት ኣብ ልቢ እተጸሓፍኩም ደብዳበ ክርስቶስ ምዃንኩም ተርእዩ ኢኹም።  ብክርስቶስ ከኣ ኣብ ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ እምንቶ ኣሎና።  ብቕዓትና ኻብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካብ ርእስና ገለ ኸም ዘምጻእና ጌርና ኽንሓስብ ብርእስና ብቕዓት የብልናን።  ጽሑፍ ሕጊ ንሞት ይዅንን፡ መንፈስ ግና ህያው ይገብር እዩ እሞ፡ ንሱ ናይ ጽሑፍ ሕጊ ዘይኰነስ፡ ናይ መንፈስ ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን ክንከውን ብቑዓት ገበረና።  ደቂ እስራኤልሲ ብምኽንያት እቲ ኣብ ገጽ ሙሴ ዘንጸባረቐ ሓላፊ ኽብሪ፡ ገጹ ኺጥምቱ ኣይከኣሉን፣ እቲ ሞት ዜስዕብን ኣብ ኣእማን ብፊደላት እተቐርጸን ሕጊ እውን ብኸምዚ ዝበለ ኽብሪ ኻብ መጸ፡  እቲ ኣገልግሎት መንፈስ ግዳ ስለምንታይ ዝያዳ ኽብሪ ዘይህልዎ፧  ከመይሲ፡ እቲ ዅነኔ ዜስዕብ ሕጊ ኽቡር እንተ ነይሩ፡ እቲ ኣገልግሎት ጽድቂ ግዳ ኽንደይ ብዝያዳ ዘይከብር! 10  እቲ ኽቡር ዝነበረ እኳ፡ ብሰንኪ እቲ ኻብኡ ዚበልጽ ክብሪ፡ ክብሩ ተቐንጢጡ ኣሎ። 11  ምኽንያቱ፡ እቲ ሓላፊ ብኽብሪ ኻብ መጸ፡ ክብሪ እቲ ነባሪ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ ዘይበልጽ! 12  እምበኣር፡ ከምዚ ዝበለት ተስፋ ስለ ዘላትና፡ ብብዙሕ ትብዓት ንዛረብ ኣለና፣ 13  ከምቲ ደቂ እስራኤል መወዳእታ እቲ ሓላፊ ኸይጥምቱ፡ ሙሴ ኣብ ገጹ ጕልባብ ዚገብር ዝነበረ፡ ኣይንገብርን ኢና። 14  ግናኸ፡ እቲ ብሉይ ኪዳን ኪንበብ ከሎ፡ እቲ ብክርስቶስ ጥራይ ዚቕንጠጥ ጕልባብ ክሳዕ ሎም መዓልቲ ኣይተቐልዓሎምን እሞ፡ ኣእምሮኦም ደንዚዙ እዩ። 15  ክሳዕ ሎሚ፡ ሙሴ ኺንበብ ከሎ፡ ጕልባብ ንልቦም ይሽፍኖ ኣሎ። 16  ሓደ ናብ የሆዋ ምስ ዚምለስ ግና፡ እቲ ጕልባብ ይቕንጠጥ እዩ። 17  የሆዋ መንፈስ እዩ፣ ኣብቲ መንፈስ የሆዋ ዘለዎ ድማ፡ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ። 18  ኵላትና ብዘይተጐልበበ ገጽ፡ ክብሪ የሆዋ ኸም መስትያት እናኣንጸባረቕና ኸኣ፡ ልክዕ ከምቲ በቲ መንፈስ ዝዀነ የሆዋ* ዚግበር፡ ካብ ሓደ ደረጃ ኽብሪ ናብ ካልእ ደረጃ ኽብሪ ናብቲ ምስሊ እቲ ንልወጥ ኢና።

እግረ ጽሑፍ

2ቈረ 3:18 * ወይ፡ “ብመንፈስ የሆዋ።”