ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

2 ቈረንቶስ 2:1-17

2  ስለዚ፡ ከም ብሓድሽ ብጓሂ ኸይመጸኩም ወሰንኩ።  ንዓኻትኩም እንተ ኣጕሃኹኹምሲ፡ ንዓይ ብዘይካ እቶም ዘጕሃኽዎም ካልእ ስለ ዘይተርፈለይ፡ መን ኬሐጕሰኒ እዩ፧  ሓጐሰይ ሓጐስ ኵላትኩም ከም ዝዀነ ብዅላትኩም ስለ ዝተኣማመን፡ ምስ መጻእኩ፡ በቶም ክሕጐሰሎም ዝግብኣኒ ምእንቲ ኸይጕሂ፡ እዚ እጽሕፈልኩም ኣለኹ።  ክሳዕ ክንደይ ኣዝየ ኸም ዘፍቅረኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ እምበር፡ ምእንቲ ኸጕህየኩም ኢለ ኣይኰንኩን ነዚ ብብዙሕ ጸበባን ጭንቀት ልብን ብዙሕ እናነባዕኩ ዝጸሓፍኩልኩም።  ንሰብ ዘጕሃየ እንተሎ ኸኣ፡ እምብዛ ደኣ ኸየኽብደሉ እምበር፡ ንዓይ ዘይኰነስ፡ ብእተወሰነ ንዅላትኩም እዩ ኣጕህዩ።  ነዚ ኸምዚ ዝበለስ፡ እቲ ኻብ መብዛሕትኹም እተዋህቦ መግናሕቲ ይኣኽሎ እዩ፣  እኳ ደኣስ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ብብዝሒ ጓሂ ምእንቲ ኸይወሓጥ፡ ብለውሃት ይቕረ በሉሉን ኣጸናንዕዎን።  ስለዚ፡ ፍቕርኹም ከተረጋግጹሉ እምዕደኩም ኣለኹ።  ብዅሉ ነገር እዙዛት እንተ ዄንኩም ምእንቲ ኽፈልጥ ኢለ እየ ዝጸሓፍኩልኩም። 10  ነቲ ይቕረ እትብሉሉ፡ ኣነ እውን ይቕረ እብለሉ እየ። እኳ ደኣስ፡ ይቕረ ዝበልክዎ ዘበለ፡ (ማለት ይቕረ ዝበልክዎ እንተ ኣልዩ፡) ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ምእንታኹም እዩ፣ 11  ማለት ሰይጣን ከይብለጸልና ኢለ እየ፣ ምኽንያቱ፡ ውዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና። 12  ብስራት ክርስቶስ ምእንቲ ኸበስር ኢለ ናብ ጥሮኣስ ምስ መጻእኩ፡ ብጐይታ ኣፍ ደገ ተኸፍተለይ፣ 13  ንቲቶስ ሓወይ ስለ ዘይረኸብክዎ ግና፡ ተሰናቢተዮም ናብ መቄዶንያ ነቐልኩ እምበር፡ መንፈሰይ ኣይቀሰነን። 14  ግናኸ፡ ነቲ ምስ ክርስቶስ ብሓባር ገይሩ ዅሉ ሳዕ ኣብ ዓጀባ ዓወት ዚመርሓናን ብኣና ኣቢሉ ሽታ ፍልጠቱ ኣብ ኵሉ ቦታ ዚገልጽን ኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ። 15  ከመይሲ፡ ኣብ መንጎ እቶም ዚድሕኑን እቶም ዚጠፍኡን፡ ንኣምላኽ ምዑዝ ሽታ ክርስቶስ ኢና፣ 16  ነቶም ዚጠፍኡ ኻብ ሞት ናብ ሞት ዜብጽሕ ሽታ፡ ነቶም ዚድሕኑ ግና ኻብ ህይወት ናብ ህይወት ዜብጽሕ መዓዛ ኢና። ነዚኸ ብቕዓት ዘለዎ መን እዩ፧ 17  ንሕና ኢና፣ ከመይሲ፡ ካብ ኣምላኽ ተላኢኽና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ሓቢርና ብዅሉ ግርህነት ንዛረብ ኣለና እምበር፡ ከምቶም ብዙሓት ዝዀንዎ፡ ሸቀጥቲ ቓል ኣምላኽ ኣይኰንናን።

እግረ ጽሑፍ