ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

2 ቈረንቶስ 12:1-21

12  ክምካሕ ኣሎኒ። እዚ ዘይጠቕመኒ ኽነሱ፡ ናብ ራእያትን ግልጸታትን ጐይታ ኽሓልፍ እየ።  ቅድሚ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት፡ ምስ ክርስቶስ ሓድነት ዘለዎ ሰብ ናብ ሳልሳይ ሰማይ ከም እተመንዝዐ እፈልጥ እየ። ብስጋ ይኹን ወይስ ካብ ስጋ ወጻኢ ኣይፈልጥን እየ፡ ኣምላኽ ይፈልጥ።  ከምዚ ዝበለ ሰብ እፈልጥ እየ፣—ብስጋ ይኹን ወይስ ብዘይ ስጋ ኣይፈልጥን እየ፡ ኣምላኽ ይፈልጥ፡—  ንሱ ናብ ገነት ተመንዝዐ፡ ሰብ ኪዛረቦ ዘይተፈቕደሉ ዘይንገር ቃላት እውን ሰምዐ።  ብዛዕባ ኸምዚ ዝበለ ሰብ ክምካሕ እየ፣ ብዛዕባ ርእሰይ ግና፡ ብዛዕባ ድኻመይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣይክምካሕን እየ።  ክምካሕ እንተ ዝደልስ፡ ሓቂ ስለ ዝዛረብ፡ ኣይምዓሸኹን ነይረ። ግናኸ፡ ሓደ እኳ ኻብቲ ኣባይ ዚርእዮ ወይ ካብቲ ኻባይ ዚሰምዖ ንላዕሊ ገይሩ ኸይቈጽረኒ፡ ከምኡ ኣይገብርን እየ፣  ብምኽንያት እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ራእያት፡ ሓደ እኳ ኣብሊጹ ኣይርኣየኒ። ስለዚ፡ ምእንቲ ኸይዕበ፡ ኣብ ስጋይ እሾዅ ተዋሂቡኒ፣ ምእንቲ ኸይዕበ፡ መልኣኽ ሰይጣን ኪጸፋፍዓኒ* ተዋህበኒ።  እዚ ኻባይ ምእንቲ ኺርሕቕ፡ ብዛዕባኡ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለሚነዮ።  ንሱ ግና፡ “ሓይለይ ብድኻም እዩ ፍጹም ዚኸውን እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ” ኢሉኒ። እምበኣር፡ ሓይሊ ክርስቶስ ከም ድንኳን ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኪኸውን፡ ብዛዕባ ድኻመይ ብታሕጓስ ክምካሕ እየ። 10  ስለዚ፡ ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ፡ ብድኻም፡ ብጸርፊ፡ ብስእነት፡ ብመስጐጕትን ብጸገምን እሕጐስ እየ። 11  ምናምን እኳ ኽነሰይ፡ ካብቶም ኣዝዮም ብሉጻት ሃዋርያትኩም ብሓንቲ እኳ ስለ ዘይሓመቕኩ፡ ክትንእዱኒ ምተገብኣኩም ነይሩ። ግናኸ፡ ንስኻትኩም ኣገዲድኩምንስ፡ ዓሽየ እየ። 12  ምልክታት ሃዋርያስ ብትእምርትታትን ብተኣምራትን ብግብርታት ሓይልን ኣብ መንጎኹም ብዅሉ ተጻዋርነት ተገይሩ እዩ። 13  ብዘይካ እቲ ኣነ ባዕለይ ንዓኻትኩም ጾር ዘይምዃነይሲ፡ ካብ ካልኦት ጉባኤታት ብምንታይ ጐዲልኩም፧ እዛ በደል እዚኣ፡ ብለውሃት ይቕረ በሉለይ። 14  እንሆ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ ካብ ዝዳሎ፡ እዚ ሳልሳይ ግዜ እዩ። ግናኸ፡ ወለዲ ንውሉዳቶም እምበር፡ ውሉዳት ንወለዶም ገንዘብ ኬዋህልሉሎም ስለ ዘይግባእ፡ ንዓኻትኩም እምበር፡ ገንዘብኩም ኣይኰንኩን ዝደሊ ዘለኹ እሞ፡ ጾር ኣይክዀነኩምን እየ። 15  ኣነስ ምእንቲ ነፍሳትኩም ብብዙሕ ታሕጓስ ኵሉ ኽውፍየልኩም፡ zገዛእ ርእሰይ እውን ክውፍየልኩም እየ። ኣዝየ ኻብ ኣፍቀርኩኹምዶ፡ ዝወሓደ እፍቀር፧ 16  ዝዀነ ዀይኑ፡ ጾር ኣየኽበድኩልኩምን። ንስኻትኩም ግና፡ “ጐራሕ” ከም ዝዀንኩን “ብጥበራ” ኸም ዝሓዝኩኹምን ትብሉ ኣለኹም። 17  በቶም ናባኻትኩም ዝለኣኽክዎም ገይረዶ ገለ ተበሊጸልኩም እየ፧ 18  ንቲቶስ ተማሕጺነዮ፡ ምስኡ እውን ሓደ ሓው ልኢኸ እየ። ቲቶስዶ ተበሊጹልኩም እዩ፧ ብሓደ መንፈስን ብሓደ ኣሰርን ደይኰንናን እንመላለስ፧ 19  ኣብዚ ዅሉስ ንርእስና ኣብ ቅድሜኹም ንማጐተላ ኸም ዘለና ዲኹም ትሓስቡ ዘለኹም፧ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ ኢና እንዛረብ ዘለና። ግናኸ፡ ፍቑራተየ፡ ኵሉ ንምህናጽኩም ኢና እንገብሮ። 20  ምስ መጻእኩ፡ ምናልባት ኣነ ኸምቲ ዘይደለኽዎ ዄንኩም ከይረኽበኩም፡ ንዓይ እውን ከምቲ ዘይትደልይዎ ዀይነ ኸይትረኽቡኒ፡ ምናልባት ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቝጥዓ፡ ህልኽ፡ ሕሜት፡ ሕሹዅሹዅ፡* ብትዕቢት ምንፋሕ፡ ህውከት ከይኸውን እፈርህ ኣለኹ። 21  ምስ ተመለስኩ፡ ኣምላኸይ ኣብ ቅድሜኹም የዋርደኒ ይኸውን፣ ኣነ እውን በቶም ኣቐዲሞም ዝሓጥኡ፡ ግናኸ ኻብቲ ዝገበርዎ ርኽሰትን ምንዝርናን ንውርምናን* ዘይተነስሑ እሓዝን እኸውን።

እግረ ጽሑፍ

2ቈረ 12:7 * ወይ፡ “ኬሳቕየኒ።”
2ቈረ 12:20 * ወይ፡ “ወረ።”
2ቈረ 12:21 * ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ንውርምና” ርአ።