ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

2 ቈረንቶስ 10:1-18

10  ምሳኻትኩም ገጽ ንገጽ ክኸውን ከለኹ ያኢ ዝትሑት፡ ምሳኻትኩም ከየለኹ ግና ዝተብዓልኩም ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ፡ ብልእመትን ብለውሃትን ክርስቶስ እልምነኩም ኣለኹ።  ምሳኻትኩም ክኸውን ከለኹ፡ ነቶም ከም ስጋ ኸም እንመላለስ ዚቘጽሩና፡ ተቢዐ እቲ ዝሓለንክዎ ሓያል ስጕምቲ ኸይወስደሎም፡ እልምን ኣለኹ።  ብስጋ እንመላለስ ክነስናስ፡ ከም ስጋ ኣይንዋጋእን ኢና።  ኣጽዋር ውግእና ጽኑዕ ዕርድታት ዜፍርስ ሓይሊ ኣምላኽ ዘለዎ እዩ እምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን።  ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ዚጻረር ኵሉ ልዕል ዝበለን ነፍርስ ኣለና፣ ኵሉ ሓሳብ ንክርስቶስ ምእንቲ ኺእዘዝ ድማ፡ ንማርኾ ኣለና፣  ምሉእ ብምሉእ እዙዛት ምዃንኩም ምስ ተራእየ እውን፡ ንዅሉ ዘይተኣዛዝነት ንምቕጻዕ ተዳሊና ኣለና።  ንስኻትኩምሲ ገጽ ኢኹም እትርእዩ። ናይ ክርስቶስ ከም ዝዀነ ዚተኣማመን እንተሎ፡ ከምቲ ንሱ ናይ ክርስቶስ ዝዀነ፡ ንሕና እውን ከምኡ ኸም ዝዀንና ይሕሰብ።  በቲ ጐይታ ንምፍራስኩም ዘይኰነስ፡ ንምህናጽኩም ዝሃበና ስልጣን ቍሩብ ኣብዚሐ እንተ ዝምካሕሲ፡ ኣይምሓፈርኩን ነይረ።  ብደብዳበታተይ ከሰምብደኩም ከም ዝደለኹ ኸይመስል እየ እዚ ዝብል ዘለኹ። 10  ከመይሲ፡ “እተን ደብዳበታቱ ኸበድትን ሓያላትን እየን፣ ብኣካል ምሳና ኸሎ ግና ድኹም፡ ዘረባኡ እውን ንዑቕ እዩ” ይብሉ እዮም። 11  እቲ ኸምዚ ዝበለ ሰብ፡ ከምቲ ምሳኻትኩም ከየለና ብደብዳበታትና እንብሎ፡ ምሳኻትኩም ከለና ኸምኡ ኸም እንገብር ይሕሰብ። 12  ምኽንያቱ፡ ምስቶም ርእሶም ዚንእዱ ኽንቍጸር ወይ ክንመዓራረ ኣይንደፍርን ኢና። ግናኸ፡ ንሳቶም ባዕላቶም ንርእሶም ካብ ዚልክዑ፡ ንርእሶም እውን ምስ ርእሶም ካብ ዜመዓራርዩ፡ ኣእምሮ የብሎምን። 13  ንሕናስ በቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣምላኽ ለኪዑ ዝሃበና፡ ክሳዕ ኣባኻትኩም እውን ዚበጽሕ ደረት ዘሎ ኽሊ እምበር፡ በቲ ኻብቲ እተመደበልና ደረት ወጻኢ ዘሎ ኣይንምካሕን ኢና። 14  ብዛዕባ ክርስቶስ እናኣበሰርና ኽሳብ ናባኻትኩም ቀዲምና ዝበጻሕና ንሕና ኢና እሞ፡ ናባኻትኩም ከም ዘይበጻሕና ዄንናስ፡ እምብዛ ኣይንመጣጠርን ኢና። 15  ካብቲ እተመደበልና ደረት ወጺእና ብጻዕሪ ኻልኦት ኣይንምካሕን ኢና፣ ግናኸ፡ እምነትኩም እናዓበየት ምስ ከደት፡ እቲ ኣብ ክልና ዝገበርናዮ ኣኽቢርኩም ክትርእይዎ ተስፋ ንገብር። ሽዑ፡ ዝያዳ ኽንገብር፡ 16  በቲ ኻልኦት ድሮ ዘዳለውዎ ኽሊ ምእንቲ ኸይንምካሕ ድማ፡ ነተን ክንየውኩም ዘለዋ ሃገራት ከነበስር ኢና። 17  “ግናኸ፡ እቲ ዚምካሕ፡ ብየሆዋ ይመካሕ።” 18  ከመይሲ፡ እቲ የሆዋ ዚንእዶ እምበር፡ እቲ ርእሱ ዚንእድ ኣይኰነን ብቕዓቱ ዘመስከረ።

እግረ ጽሑፍ