ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

2 ቈረንቶስ 1:1-24

1  ካብቲ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ጳውሎስን ጢሞቴዎስ ሓውናን፡ ናብታ ኣብ ቈረንቶስ ዘላ ጉባኤ ኣምላኽ፡ ምስ ኵሎም እቶም ኣብ ብዘላ ኣካይያ ዘለዉ ቕዱሳት፦  ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም።  እቲ ኣቦ ርሕራሐን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን ዝዀነ ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይባረኽ።  በቲ ኻብ ኣምላኽ እንረኽቦ ምጽንናዕ፡ ኣብ ጸበባ ዘበለ ንዘለዉ ምእንቲ ኸነጸናንዕ፡ ንሱ ኣብ ኵሉ ጸበባና የጸናንዓና እዩ።  ከምቲ እቲ ምእንቲ ክርስቶስ ዜጓንፈና መከራ ኣባና ዚዓዝዝ ዘሎ፡ ከምኡ ድማ እቲ ብክርስቶስ እንረኽቦ ምጽንናዕ ይዓዝዝ ኣሎ።  ስለዚ፡ እንተ ጸበበና፡ ንምጽንናዕኩምን ንድሕነትኩምን እዩ፣ ወይስ እንተ ተጸናናዕና፡ ከምቲ ንሕና ዘሕለፍናዮ ዝኣመሰለ መከራ ምእንቲ ኽትጻወሩ፡ ንምጽንናዕኩም እዩ።  ከምቲ ተኻፈልቲ መከራ ዝዀንኩም፡ ከምኡ ኸኣ ተኻፈልቲ ምጽንናዕ ከም እትዀኑ ፈሊጥና፡ እታ ኣባኻትኩም ዘላትና ተስፋ ጽንዕቲ እያ።  ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ እስያ* ዘጋጠመና ጸበባ፡ ህይወትና እኳ ኽሳዕ እንቐብጽ፡ ልዕሊ ዓቕምና እምብዛ ኸም ዝኸበደና፡ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይንደልን ኢና።  ንሞት ከም እተፈርደና እውን ተሰሚዑና ነበረ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ንምዉታት ዜተንስእ ኣምላኽ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ምእንቲ ኸይንውከል እዩ። 10  ንሱ ኻብ ክንድዚ ዚኣክል ሞት ኣድሒኑና፡ ኬድሕነና ድማ እዩ፣ ገና እውን ከም ዜድሕነና፡ ኣብኡ ተስፋ ኣሎና። 11  ብዙሓት ነቲ ሳላ ጸሎት ብዙሓት ሰባት ዝረኸብናዮ ሞገስ ምእንታና ምእንቲ ኼመስግኑሉ፡ ንስኻትኩም እውን ብምህለላኹም ክትድግፉና ትኽእሉ ኢኹም። 12  ከመይሲ፡ ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ ምናዳ ኸኣ ምሳኻትኩም፡ ብስጋዊ ጥበብ ዘይኰነስ፡ ብጸጋ ኣምላኽ፡ በቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ቕድስናን ግርህነትን ከም ዝነበርና፡ ትምክሕትና እዚ እዩ፣ ሕልናና እውን ይምስክረልና እዩ። 13  ብዘይካ እቲ ኣጸቢቕኩም እትፈልጥዎን እተስተውዕልዎንሲ፡ ካልእ ኣይንጽሕፈልኩምን ኢና፣ ነዚ ኸኣ ክሳዕ መወዳእታ ኸተስተውዕልዎ ተስፋ እገብር። 14  ከምቲ ንስኻትኩም እውን ብመዓልቲ ጐይታና የሱስ ንዓና ትምክሕትና እትዀኑ፡ ንሕና ትምክሕትኹም ምዃንና ብእተወሰነ ኣስተውዒልኩም ኣለኹም። 15  በዚ ተኣማሚነ ኸኣ፡ ካልኣይ ሳዕ ምእንቲ ኽትሕጐሱ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ ኣቐዲመ ሓሲበ ነይረ፣ 16  ብኣኻትኩም ኣቢለ ኸኣ ናብ መቄዶንያ ኽሓልፍ፡ ካብ መቄዶንያ ድማ ናባኻትኩም ክምለስ እሞ፡ ንስኻትኩም ናብ ይሁዳ ኸተፋንዉኒ ሓሲበ ነይረ። 17  ከምዚ ኢለ ምስ ሓሰብኩስ፡ ነዚ ኣቕሊለ ድየ ርእየዮ፧ ወይስ “እወ፡ እወ” ኽብል ጸኒሐ፡ “ኣይፋል፡ ኣይፋል” እናበልኩ ብስጋዊ መገዲ ድየ ዕላማ ዝገብር፧ 18  ከምቲ ኣምላኽ እሙን ዝዀነ፡ እቲ ንዓኻትኩም ዝበልናኩም፡ እወን ኣይፋልን ኣይኰነን። 19  ከመይሲ፡ እቲ ብኣና፡ ማለት ብኣይን ብስልዋኖስን ብጢሞቴዎስን ኣባኻትኩም እተሰብከ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ፡ እወን ኣይፋልን ኣይኰነን፣ ግናኸ፡ ኣብኡ እወ፡ እወ ዀይኑ እዩ። 20  ተስፋታት ኣምላኽ ዘበለስ ብእኡ እወ ዀይኑ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ ብኣና ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብእኡ ንኣምላኽ “ኣሜን” ይብሃል እዩ። 21  ግናኸ፡ እቲ ንሕናን ንስኻትኩምን ናይ ክርስቶስ ምዃንና ውሕስነት ዝሃበናን ዝቐብኣናን ኣምላኽ እዩ። 22  ማሕተም እውን ገይሩልና፡ ኣብ ልብና ኸኣ ዕርቡን፡ ማለት መንፈስ፡ ሂቡና ኣሎ። 23  ክሳዕ ሕጂ ናብ ቈረንቶስ ዘይመጻእኩ፡ ክንሕፈኩም ኢለ ምዃነይ፡ ኣምላኽ ኪምስክረለይ* እጽውዕ ኣለኹ። 24  ብእምነት ቌምኩም ኣለኹም እሞ፡ ምእንቲ ኽትሕጐሱ ሓቢርና እንዓዪ ኢና እምበር፡ ኣብ ልዕሊ እምነትኩም እንጕይተት ኣይኰንናን።

እግረ ጽሑፍ

2ቈረ 1:8 * ኣብ ግብ 2:9፡ ኣብ እግረ ጽሑፍ ርአ።
2ቈረ 1:23 * ወይ፡ “ኣብ ነፍሰይ ኪምስክር።”