ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

1 ጴጥሮስ 5:1-14

5  እምበኣር፡ ነቶም ኣብ መንጎኹም ዘለዉ ሽማግለታት፡ ኣነ መሸማግልቶምን ምስክር መከራ ክርስቶስን ተኻፋሊ እቲ ዚግለጽ ክብርን ዝዀንኩ፡ እዚ እምዕዶም ኣለኹ፦  ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ፣ ግናኸ፡ ብፍታው እምበር፡ ብግዲ ኣይኹን፣ ብሃንቀውታ እምበር፡ ንዘይግቡእ ረብሓ እውን ኣይኹን፣  ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር፡ ኣብቶም ርስቲ ኣምላኽ ዝዀኑ ኸም እትጕይተቱ ኣይትኹኑ።  እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተጋህደ ድማ፡ ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ ኽትቅበሉ ኢኹም።  ከምኡ ድማ፡ ኣቱም ኣጕባዝ፡ ንዚዓብዩኹም ተገዝእዎም። ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ፡ ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ኣብ ዘሎኩም ርክብ ትሕትና ተዓጠቑ።  እምበኣር፡ ብግዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ሓያል ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ።  ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም* ናብኡ ደርብይዎ።  ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ። ድያብሎስ እቲ መጻርርትኹም ዚውሕጦ ደልዩ፡ ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር ኣሎ።  እዚ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ዅሎም ኣሕዋት ከም ዚበጽሖም ፈሊጥኩም፡ ብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ። 10  ቍሩብ ግዜ መከራ ምስ ጸገብኩም ግና፡ እቲ ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዘሎኩም ሓድነት ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸውዓኩም ኣምላኽ ኵሉ ጸጋ፡ ንስልጠናኹም ኪፍጽሞን ኬጽንዓኩምን ኬበርትዓኩምን እዩ። 11  ንዕኡ ንዘለኣለመ ኣለም ሓይሊ ይኹኖ። ኣሜን። 12  ከተባብዓኩምን እዚ ናይ ሓቂ ጸጋ ኣምላኽ ምዃኑ ኣጸቢቐ ኽምስክረልኩምን ኢለ፡ በቲ ኸም እሙን ሓው ገይረ ዝርእዮ ስልዋኖስ፡ ኣሕጽር ኣቢለ ጽሒፈልኩም ኣለኹ። 13  እታ ኣብ ባቢሎን ዘላ መተሓርይትኹምን ማርቆስ ወደይን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 14  ብናይ ፍቕሪ ምስዕዓም ንሓድሕድኩም ሰላም ተባሃሃሉ። ምስ ክርስቶስ ሓድነት ዘሎኩም ኵላትኩም ሰላም ይሃሉኹም።

እግረ ጽሑፍ

1ጴጥ 5:7 * ወይ፡ “ሓልዮትኩም።”