ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

1 ጴጥሮስ 4:1-19

4  እምበኣር፡ ክርስቶስ ብስጋ መከራ ኻብ ጸገበ፡ ንስኻትኩም እውን በዚ ኣተሓሳስባ እዚ ተዓጠቑ፣ ምኽንያቱ፡ እቲ ብስጋ መከራ ዝጸገበ፡ ንሓጢኣት ሓዲግዎ እዩ፣  ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ግዜኡ ንትምኒት ሰብ ዘይኰነስ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ምእንቲ ኺነብር እዩ።  እቲ ብንውርምና፡* ብፍትወት፡ ብስኽራን፡ ብፈንጠዝያ፡ ብመስተ ብምውድዳር፡ ብፍንፉን* ኣምልኾ ጣኦት ክትመላለሱ ኸለኹም፡ ፍቓድ ኣህዛብ ዝገበርኩምሉ ዝሓለፈ ግዜ ይኣክል እዩ።  ናብቲ ዕያግ ዝርጋን ምሳታቶም ስለ ዘይጐየኹም ይግረሙ፡ ንዓኻትኩም ከኣ ይጸርፉኹም ኣለዉ።  ንሳቶም ግና ነቲ ንህያዋንን ንምዉታትን ኪፈርድ ተዳልዩ ዘሎ፡ ጸብጻብ ኪህብዎ እዮም።  ስለዚ እዩ ንምዉታት እውን ብስራት እተነግሮም፣ እዚ ኸኣ ከም ሰብ ብስጋ እኳ እንተ ተፈርዱ፡ ብኣረኣእያ ኣምላኽ ምስ መንፈስ ተሰማሚዖም ምእንቲ ኺነብሩ እዩ።  ግናኸ፡ መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ ኣሎ። እምበኣር፡ ለብሙ፡ ንጸሎት እውን ንቕሑ።  ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፡ ቅድሚ ዅሉ ንሓድሕድኩም ሓያል ፍቕሪ ትሃሉኹም።  ብዘይ ምዕዝምዛም ንሓድሕድኩም ብግሽነት ተቐባበሉ። 10  ነፍሲ ወከፍ ከከም እቲ እተቐበሎ ውህበት፡ ከም ሕያዎት ኣመሓደርቲ እቲ ብእተፈላለየ መገዲ ዚግለጽ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ። 11  ዚዛረብ እንተ ዀነ፡ ከምቲ ቕዱስ ቃል ኣምላኽ ገይሩ ይዛረብ፣ ዜገልግል እንተ ዀነ እውን፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ ገይሩ የገልግል፣ እዚ ድማ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ብዅሉ ምእንቲ ኪኽበር እዩ። ንዕኡ ኽብርን ሓይልን ንዘለኣለመ ኣለም ይኹኖ። ኣሜን። 12  ፍቑራተየ፡ በቲ ዚረኽበኩም ዘሎ ዜንድድ ፈተና፡ ሓደ ሓድሽ ነገር ከም ዝበጽሓኩም ኴንኩም ኣይትገረሙ። 13  የግዳስ፡ ክርስቶስ ብኽብሩ ኺግለጽ ከሎ ምእንቲ ኽትሕጐሱን ባህ ምእንቲ ኺብለኩምን፡ ተኻፈልቲ መከራኡ ስለ ዝዀንኩም፡ ተሓጐሱ። 14  ምእንቲ ስም ክርስቶስ ትጽረፉ እንተ ኣለኹም፡ መንፈስ ክብርን መንፈስ ኣምላኽን ኣባኻትኩም ይዓርፍ ኣሎ እሞ፡ ሕጉሳት ኢኹም። 15  ግናኸ፡ ሓደ እኳ ኻባኻትኩም ከም ቀታሊ፡ ወይስ ከም ሰራቒ፡ ወይስ ከም ገባር እከይ፡ ወይስ ኣብ ነገር ካልኦት ጣልቃ ኸም ዚኣቱ ዀይኑ መከራ ኣይጽገብ። 16  ከም ክርስትያን ኰይኑ መከራ እንተ ጸገበ ግና፡ ንኣምላኽ በዚ ስም እዚ የመጕሶ እምበር፡ ኣይሕፈር። 17  ምኽንያቱ፡ ፍርዲ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዚጅምረሉ እዋን ኣኺሉ እዩ። ቅድም ኣባና ኻብ ዚጅምርሲ፡ ነቶም ንብስራት ኣምላኽ ዘይእዘዙ ደኣ መወዳእታኦም እንታይ ኪኸውን እዩ፧ 18  “እቲ ጻድቕ ብጭንቂ ዚድሕን ካብ ኰነ፡ እቲ ንኣምላኽ ዘይፈርህን ሓጥእን ደኣ እንታይ ኪኸውን* እዩ፧” 19  ስለዚ፡ እቶም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኰይኖም መከራ ዚጸግቡ ዘለዉ፡ ሰናይ እናገበሩ፡ ንነፍሶም* ኣብቲ እሙን ፈጣሪ የማዕቍብዋ።

እግረ ጽሑፍ

1ጴጥ 4:3 * ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ንውርምና” ርአ።
1ጴጥ 4:3 * ቃል ብቓሉ፡ “ዘይሕጋዊ።”
1ጴጥ 4:18 * ቃል ብቓሉ፡ “ኣበይ ኪርአ።”
1ጴጥ 4:19 * ወይ፡ “ህይወቶም።”