ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

1 ጴጥሮስ 3:1-22

3  ከምኡ ድማ፡ ኣትን ኣንስቲ፡ ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ ኣለዉ፡ ብዘይ ቃል ብኣካይዳ ኣንስቶም ምእንቲ ኺማረኹ ንሰብኡትክን ተገዝኣኦም፣  ከምኡ ዚዀኑ ድማ፡ ነቲ ንጹህ ኣካይዳኽንን ብዙሕ ኣኽብሮትክንን ምስ ረኣዩ እዮም።  ስልማትክን ደጋዊ፡ ማለት ቍኖ ጸጕርን ስልማት ወርቅን ምኽዳን ክዳውንትን ኣይኹን፣  የግዳስ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ብህዱእን ልኡምን መንፈስ ብዘይሓልፍ ስልማት እተሰለመ ኣብ ልቢ ዘሎ ሕቡእ ሰብ ይኹን።  ቀደም ድማ እተን ተስፋአን ኣብ ኣምላኽ ዝገበራ ቕዱሳት ኣንስቲ፡ ንሰብኡተን እናተገዝኣ፡ ከምዚ እየን እተሰለማ።  ሳራ ንኣብርሃም፡ “ጐይታይ” እናበለት ትእዘዞ ነበረት። ንስኻትክን ከኣ ሰናይ እትገብራን ገለ ዘይትፈርሃን እንተ ዄንክንሲ፡ ደቃ ኢኽን።  ኣቱም ሰብኡት፡ ከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብፍልጠት* ንበሩ። ምሳታተን ጸጋ ህይወት ስለ እትወርሱ፡ ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፡ ከም ተነቃፊት* ኣቕሓ ጌርኩም ኣኽብርወን።  ኣብ መወዳእታ፡ ኵላትኩም ሓደ ዝሓሳቦም፡ እትደናገጹ፡ ሕውነታዊት ፍቕሪ ዘላትኩም፡ ርሕሩሓት፡ ትሑታት ኩኑ።  ክፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ፡ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ። ኣብ ክንዳኡስ፡ በረኸት ምእንቲ ኽትወርሱ፡ ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ባርኹ። 10  ከመይሲ፡ “እቲ ህይወት ዚፈቱን ጽቡቕ መዓልትታት ኪርኢ ዚደልን፡ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፡ ከናፍሩ እውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። 11  ካብ ክፉእ ይርሓቕ፡ ሰናይ ከኣ ይግበር፣ ንሰላም ይድለያ፡ ይስዓባ እውን። 12  ምኽንያቱ፡ ኣዒንቲ የሆዋ ናብ ጻድቃን እየን፡ ኣእዛኑ እውን ናብ ምህለላኦም እየን፣ ገጽ የሆዋ ግና ኣንጻር እቶም ክፉእ ዚገብሩ እዩ።” 13  ንሰናይ ቀናኣት እንተ ዄንኩም፡ መን እዩ ዚጐድኣኩም፧ 14  ግናኸ፡ ስለ ጽድቂ መከራ እኳ እንተ ጸገብኩም፡ ሕጉሳት ኢኹም። ነቲ ዚፈርህዎ ግና ኣይትፍርህዎ፡ ኣይትረበሹ እውን። 15  የግዳስ፡ ንክርስቶስ ከም ጐይታ ብልብኹም ቀድስዎ፣ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያት ንዚሓትተኩም ዘበለ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፣ ነዚ ግና ብልእመትን ብብዙሕ ኣኽብሮትን ግበርዎ። 16  ኣብቲ እትንቀፍዎ ዘበለ፡ እቶም ዚነቕፉኹም በቲ ኸም ሰዓብቲ ክርስቶስ ዘሎኩም ሰናይ ኣካይዳ ምእንቲ ኺሓፍሩስ፡ ሰናይ ሕልና ይሃሉኹም። 17  ፍቓድ ኣምላኽ እንተ ዀይኑስ፡ ካብ እከይ እናገበርኩም፡ ሰናይ እናገበርኩም መከራ ኽትጸግቡ ይሓይሽ። 18  ምኽንያቱ፡ ክርስቶስ እውን ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኺመርሓኩም ኢሉ፡ ስለ ሓጢኣት ሓንሳእ ንሓዋሩ ሞተ፣ ማለት ጻድቕ ስለ ዓመጽቲ ሞተ። ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ። 19  ከምኡ ኢሉ ኸይዱ ድማ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ መናፍስቲ ሰበኸሎም። 20  ንሳቶም እቶም ቀደም ኣምላኽ ብመዓልትታት ኖህ ብትዕግስቲ ኺጽበ ኸሎ፡ እታ ሒደት ሰባት፡ ማለት ሸሞንተ ነፍሲ ብማይ ዝደሓናላ መርከብ ከኣ ክትስራሕ ከላ፡ ዘይተኣዘዙ እዮም። 21  እቲ ነዚ ዚመስል ጥምቀት ድማ ሕጂ የድሕነኩም ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ርስሓት ስጋ ብምውጋድ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ሰናይ ሕልና ብምልማን፡ ብትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ እዩ። 22  ንሱ ናብ ሰማይ ከይዱ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ኣሎ፣ መላእኽትን ስልጣናትን ሓይልታትን ድማ ይግዝእዎ ኣለዉ።

እግረ ጽሑፍ

1ጴጥ 3:7 * ወይ፡ “ብሓልዮት፣ ብምስትውዓል።”
1ጴጥ 3:7 * ቃል ብቓሉ፡ “ዝደኸመት።”