ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

1 ጴጥሮስ 2:1-25

2  እምበኣር፡ ኵሉ ኽፍኣትን ተንኰልን ግብዝናን ቅንእን ሕሜትን ኣርሕቑ።  ሕጂ ኸም እተወልዱ ሕጻናት፡ ብእኡ ንድሕነት ምእንቲ ኽትዓብዩ፡ ነቲ ሕዋስ ዘይብሉ* ጸባ እቲ ቓል ብሃግዎ፣  ጐይታ ለዋህ ምዃኑስ ጥዒምኩም ኢኹም።  ናብቲ ብሰብ ንዑቕ፡ ብኣምላኽ ግና ሕሩይን ክቡርን ዝዀነ ህያው እምኒ እናቐረብኩም፡  ንስኻትኩም እውን ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ብየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኸተቕርቡ፡ ከም ህያዋን ኣእማን ንቕዱስ ክህነት መንፈሳዊ ቤት ንምዃን ትህነጹ ኣለኹም።  ምኽንያቱ፡ ኣብ ቅዱስ ጽሑፍ፡ “እንሆ፡ ኣብ ጽዮን ሕሩይ እምኒ፡ ክቡር እምኒ መኣዝን መሰረት አንብር ኣለኹ፣ ብእኡ ዚኣምን ከኣ ኣይኪሓፍርን እዩ” ዚብል ኣሎ።  እምበኣር፡ ንዓኻትኩም ንእትኣምኑ እዩ ኽቡር፣ ነቶም ዘይኣምኑ ግና፡ “እዚ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ እዚ፡ ርእሲ መኣዝን ኰነ፣”  “እምኒ መዐንቀፍን ከውሒ መሐንኰልን” እውን እዩ። ነቲ ቓል ስለ ዘይተኣዘዙ፡ ይዕንቀፉ ኣለዉ። እዚ ድማ እዩ ዚጽበዮም።  ንስኻትኩም ግና ናይቲ ኻብ ጸልማት ናብ ዜገርም ብርሃን ዝጸውዓኩም “ብሉጽነት ምእንቲ ኽትእውጁ፡ ሕሩይ ዓሌት፡ ንጉሳዊ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ፍሉይ ጥሪት ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም።” 10  ሓደ እዋን ህዝቢ ዘይነበርኩም፡ ሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም፣ ሓደ እዋን ዘይተመሓርኩም ዝነበርኩም፡ ሕጂ ግና ተማሒርኩም ኢኹም። 11  ፍቑራተየ፡ ከም ስደተኛታትን ከም ኣጋይሽን፡ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዚዋጋእ ትምኒት ስጋ ኽትርሕቁ እምዕደኩም ኣለኹ። 12  ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ኪነቕፉኹም ከለዉ፡ ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ መርመራ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመጕስዎ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣካይዳኹም ኣጸብቑ። 13  ምእንቲ ጐይታ ኢልኩም፡ ንዅሉ እቲ ሰብ ዝፈጠሮ* ተገዝኡ፣ ነቲ ልዑል ዝዀነ ንጉስ 14  ወይስ ነቶም ንገበርቲ እከይ ኪቐጽዑ፡ ንገበርቲ ሰናይ ግና ኪንእዱ ብእኡ እተላእኩ ሹማምንቲ ተገዝኡ። 15  ከመይሲ፡ ሰናይ ብምግባር፡ ነቲ እቶም ዓያሹ ብድንቍርና ዚዛረብዎ ኽትዓብሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ። 16  ከም ሓራ ሰባት፡ ከም ባሮት ኣምላኽ ኩኑ እምበር፡ ንሓርነትኩም ከም መጐልበቢ ኽፍኣት ኣይትግበርዎ። 17  ንዅሉ ዓይነት ሰብ ኣኽብሩ፡ ንዅሎም ኣሕዋት ኣፍቅሩ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ፡ ንንጉስ ኣኽብርዎ። 18  ገላዉ ነቶም ሕያዎትን ልዙባትን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ብቐሊሉ ዘይሕጐሱ ጐይተቶም እውን ብግቡእ ፍርሃት ይገዝእዎም። 19  ከመይሲ፡ ሓደ ሰብ ስለቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘለዎ ሕልና ኢሉ፡ ጸገም* እንተ ተጻወረን እንተ ተዓመጸን፡ ዚነኣድ* እዩ። 20  ብምሕጣእኩም እንተ ተገፋዕኩምሲ፡* እንታይ ዚንኣድ ነገር ኣለዎ፧ ሰናይ ብምግባርኩም መከራ እንተ ተጻወርኩም ግና፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ። 21  ነዚ ኸኣ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ እኳ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ ኣርኣያ እናሓደገልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ። 22  ንሱ ሓጢኣት ኣይገበረን፡ ኣብ ኣፉ እውን ተንኰል ኣይተረኽበን። 23  ምስ ተጸርፈ፡ መሊሱ ኣይጸረፈን። መከራ ኺጸግብ ከሎ ድማ፡ ነቲ ብጽድቂ ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሃበ እምበር፡ ኣየፈራርሀን። 24  ሓጢኣት ሓዲግና፡ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ሰብነቱ ኣብ ጕንዲ ጾሮ። “ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።” 25  ከመይሲ፡ ከም ብራርያ ኣባጊዕ ኢኹም ዝነበርኩም፣ ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳን ሓላውን ነፍሳትኩም ተመሊስኩም ኣለኹም።

እግረ ጽሑፍ

1ጴጥ 2:2 * ወይ፡ “ጽሩይ።”
1ጴጥ 2:13 * ወይ፡ “ዝሰርዖ።”
1ጴጥ 2:19 * ወይ፡ “ጓሂ፣ ስቓይ።”
1ጴጥ 2:19 * ወይ፡ “ቅቡል።”
1ጴጥ 2:20 * ቃል ብቓሉ፡ “ብጕስጢ እንተ ተወቓዕኩምሲ።”