ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

1 ጴጥሮስ 1:1-25

1  ካብቲ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ ጴጥሮስ፡ ናብቶም ኣብ ጶንጦስን ኣብ ገላትያን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ እስያን* ኣብ ቢቲንያን ፋሕ ኢሎም ዘለዉ እተሰድዱ ሕሩያት፡  ማለት ናብቶም እዙዛትን ብደም የሱስ ክርስቶስ እተነጽጉን ምእንቲ ኪዀኑ፡ ብቕድስና መንፈስ ከምቲ ኣቦና ኣምላኽ ኣቐዲሙ ዝፈለጦ ፍልጠት እተሓርዩ ሕሩያት፦ ጸጋን ሰላምን ይብዛሓልኩም።  ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይባረኽ፣ ከምቲ ዓብዪ ምሕረቱስ በቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ኻብ ምዉታት፡ ንህያው ተስፋ ኸም ብሓድሽ ወለደና፣  ናብ ዘይሓልፍን ዘይረኸሰን ዘይጽምሉን ርስቲ ድማ እዩ ዝወለደና። እዚ ኸኣ ኣብ ሰማያት ተዓቚሩልኩም ኣሎ፣  ንስኻትኩም ከኣ ብሓይሊ ኣምላኽ ብእምነት ነቲ ብዳሕራይ እዋን ኪግለጽ እተዳለወ ድሕነት ትሕለዉ ኣለኹም።  ንቝሩብ ግዜ ብእተፈላለየ ፈተናታት ክትጕህዩ እኳ እንተ ኣሎኩም፡ በዚ ባህ ይብለኩም ኣሎ።  እዚ እውን እቲ ኻብቲ ብሓዊ እተዀልዐ ኽነሱ ጠፋኢ ዝዀነ ወርቂ ኣዝዩ ዚኸብር ፍቱን እምነትኩም፡ ብግልጸት የሱስ ክርስቶስ ንውዳሰን ክብርን ግርማን ምእንቲ ኪኸውን እዩ።  ንዕኡ ኸቶ እኳ እንተ ዘይረኣኹምዎ፡ ተፍቅርዎ ኢኹም። ሕጂ ትርእይዎ እኳ እንተ ዘየለኹም፡ ብእኡ ትኣምኑ ኢኹም፡ ብዘይግለጽን ክቡርን ሓጐስ ድማ ባህ ይብለኩም እዩ፣  ምኽንያቱ፡ መወዳእታ እምነትኩም፡ ማለት ድሕነት ነፍሳትኩም* ትረኽቡ ኢኹም። 10  እቶም ብዛዕባ እቲ ንዓኻትኩም ዝዀነ ጸጋ እተነበዩ ነብያት፡ ብዛዕባ እዚ ድሕነት እዚ ኣጸቢቖም ደልዮምን መርሚሮምን እዮም። 11  እቲ ኣባታቶም ዝነበረ መንፈስ ብዛዕባ መከራ ክርስቶስን ብዛዕባ እቲ ድሕሪኡ ዘሎ ኽብርን ኣቐዲሙ ኺምስክር ከሎ፡ ብዛዕባ ክርስቶስ ነየናይ እዋን ወይ ንኸመይ ዝበለ እዋን ከም ዜመልክት መርመሩ። 12  ንዓኻትኩም እምበር፡ ንርእሶም የገልግሉ ኸም ዘይነበሩ ተገልጸሎም። እዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ በቶም ካብ ሰማይ ብእተላእከ መንፈስ ቅዱስ ዘበሰሩኹም ኣቢሉ ሕጂ ንዓኻትኩም እተነግረኩም እዩ። መላእኽቲ ድማ ናብዚ ኺጥምቱ ይምነዩ ኣለዉ። 13  ስለዚ፡ ሓቛቝ ኣእምሮኹም ተዓጠቑ፡ ኣጸቢቕኩም ተጠንቀቑ፡ ኣብቲ ብግልጸት የሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ተስፋ ግበሩ። 14  ከም እዙዛት ውሉዳት፡ በቲ ኣቐዲምኩም ብድንቍርናኹም ዝነበረኩም ትምኒት ኣይትቀረጹ፣ 15  የግዳስ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም እውን ብዅሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳት ኩኑ፣ 16  ከመይሲ፡ “ኣነ ቕዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ” ተባሂሉ ተጻሒፉ ኣሎ። 17  ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ብዘይ ኣድልዎ ኸከም ግብሩ ዚፈርድ ኣቦ ትጽውዕዎ ኻብ ኰንኩም፡ ኣብዚ ግዜ ግሽነትኩም* ብፍርሃት ንበሩ። 18  ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ኣነባብራኹም ዝደሓንኩም፡ ብሓላፊ ነገራት፡ ብብሩር ወይስ ብወርቂ፡ ከም ዘይኰነ ትፈልጡ ኢኹም። 19  የግዳስ፡ በቲ ኸም ናይ ኣበርን ርስሓትን ዘይብሉ ገንሸል ዝዀነ ኽቡር ደም ክርስቶስ ኢኹም ድሒንኩም። 20  ንሱስ ቅድሚ ምስራት ዓለም ኣቐዲሙ ተፈልጠ፣ ኣብ መወዳእታ ግዜያት ግና ምእንታኹም ተጋህደ። 21  እምነትኩምን ተስፋኹምን ብኣምላኽ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ብእኡ ኣቢልኩም በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦን ክብሪ ዝሃቦን ኣምላኽ ኣሚንኩም ኣለኹም። 22  ንሓቂ ብዘሎኩም ተኣዛዝነት ነፍሳትኩም ካብ ኣንጻህኩም እሞ ግብዝና ዘይብላ ሕውነታዊት ፍቕሪ ኻብ ሃለወትኩም፡ ካብ ልቢ ንሓድሕድኩም ኣጸቢቕኩም ተፋቐሩ። 23  ካብ ሓላፊ ዘይኰነስ፡ ካብ ዘይሓልፍ ዘርኢ፡ ብቓል እቲ ህያውን ነባርን ኣምላኽ ኢኹም ከም ብሓድሽ እተወለድኩም። 24  ከመይሲ፡ “ኵሉ ስጋ ኸም ሳዕሪ፡ ኵሉ ኽብሩ እውን ከም ዕምባባ ሳዕሪ እዩ፣ እቲ ሳዕሪ ይነቅጽ፡ እቲ ዕምባባ እውን ይረግፍ፣ 25  ቃል የሆዋ ግና ንዘለኣለም ይነብር።” እዚ “ቓል” እዚ ኸኣ፡ እቲ እተሰብከልኩም ብስራት እዩ።

እግረ ጽሑፍ

1ጴጥ 1:1 * ኣብ ግብ 2:9፡ ኣብ እግረ ጽሑፍ ርአ።
1ጴጥ 1:9 * ወይ፡ “ህይወትኩም።”
1ጴጥ 1:17 * ወይ፡ “ግዜ ስደትኩም።”