ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

1 ጢሞቴዎስ 4:1-16

4  በቲ ዳሕራይ እዋናት ግና፡ ገሊኦም ናብ ዜስሕት መንፈሳዊ መግለጺታትን ትምህርትታት ኣጋንንትን እናኣቕለቡ፡ ካብ እምነት ከም ዚወድቁ፡ እቲ መንፈሳዊ መግለጺ ብንጹር ይብል እዩ።  እዚ ድማ ብግብዝና እቶም ሕልናኦም ከም ብመዓለም ዝሓረረ ሓሰውቲ እዩ ዚኸውን።  ንሳቶም መውስቦ ኪኽልክሉ፡ እቲ ኣምላኽ በቶም ዚኣምኑን ንሓቂ ብልክዕ ዚፈልጡን ኪብላዕ ዝፈጠሮ ብልዒ ሕሩም ኪኸውን ከኣ ኪእዝዙ እዮም።  ኵሉ ፍጥረት ኣምላኽሲ ጽቡቕ እዩ፣ ብምስጋና እንተ ተቐበልካዮ ኸኣ፡ ገለ እኳ ዚድርበ የብሉን፣  ከመይሲ፡ ብቓል ኣምላኽን ብጸሎትን ተቐዲሱ እዩ።  ነቶም ኣሕዋት እዚ ምኽሪ እዚ ብምሃብ፡ ቃል እምነትን ነቲ ጠቢቕካ ዝሰዓብካዮ ትምህርትን እተመገበ ሕያዋይ ኣገልጋሊ ክርስቶስ የሱስ ክትከውን ኢኻ።  ግናኸ፡ ነቲ ኸም ናይ ኣረገውቲ ኣንስቲ ዝኣመሰለ ዜርክስ ጽውጽዋያት ኣርሕቆ። ንርእስኻ ግና ኣምላኻዊ ተወፋይነት ኣልምዳ።  ከመይሲ፡ ኣካላዊ ልምምድ ንቝሩብ እዩ ዚጠቅም፣ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ግና ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወትን ነታ እትመጽእን ተስፋ ስለ ዘለዎ፡ ንዅሉ እዩ ዚጠቅም።  እዚ ቓል እዚ እሙንን ምሉእ ተቐባልነት ዚግብኦን እዩ። 10  ተስፋና ኣብቲ ንዅሉ ዓይነት ሰብ፡ ምናዳ ንእሙናት፡ ዜድሕን ህያው ኣምላኽ ስለ ዝገበርና ኸኣ ኢና እንጽዕርን እንጋደልን ዘለና። 11  እዚ ኣዝዝን ምሃርን። 12  ሓደ እኳ ንንእስነትካ ኣይንዓቃ። የግዳስ፡ ነቶም እሙናት፡ ብቓል፡ ብኣካይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህና ኣርኣያ ኹኖም። 13  ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ንህዝቢ ኣብ ምንባብን ኣብ ምምዓድን ኣብ ምምሃርን ትጋህ። 14  ነቲ ብትንቢትን ብምንባር ኣእዳው ሽማግለታትን እተዋህበካ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ዕሽሽ ኣይትበሎ። 15  ብዛዕባ እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፣ ዕቤትካ ንዅሉ ግሁድ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ነዚ ነገር እዚ ዅለንትናኻ ወፊ። 16  ኣብ ርእስኻን ኣብቲ እትምህሮ ትምህርትን ኣተኵር። ኣብዚ ነገር እዚ ጽናዕ፣ እዚ እንተ ገበርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ።

እግረ ጽሑፍ