ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

1 ጢሞቴዎስ 3:1-16

3  እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፦ ሓደ እኳ ሓላዊ ኪኸውን እንተ ተመጣጠረ፡ ሰናይ ግብሪ ይምነ ኣሎ።  እምበኣር፡ እቲ ሓላዊ ዘይውቀስ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጥንቁቕ፡ ለባም፡ ስርዓት ዚሕሉ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ንምስትምሃር ብቑዕ፡  ዘይሰክር፡ ዘይዋቓዕ፡ ልዙብ፡ ዘይብኣስ፡ ፈታው ገንዘብ ዘይኰነ፡  ንቤተ ሰቡ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብር፡ ብዅሉ ርዝነት ዚግዝኡ ውሉዳት ዘለውዎ ይኹን።  (ሓደ ሰብ ንቤተ ሰቡ ኼስተናብር ካብ ዘይክእልሲ፡ ንጉባኤ ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺከናኸና ይኽእል፧)  ብትዕቢት ተነፊሑ፡ ናብቲ ንድያብሎስ እተፈርዶ ፍርዲ ምእንቲ ኸይወድቕ፡ ሓድሽ ወደ መዝሙር ኣይኹን።  ኣብ ውርደትን ኣብ መፈንጠራ ድያብሎስን ምእንቲ ኸይወድቕ ከኣ፡ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጽቡቕ እተመስከረሉ ኪኸውን ይግባእ።  ኣገልገልቲ ጉባኤ እውን ከምኡ፡ ረዘንቲ፡ ሰብ ክልተ ልሳን ዘይኰኑ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ዘየድህቡ፡ ዘይግቡእ ረብሓ ንምርካብ ዘይሃርፉ፡  ቅዱስ ምስጢር እታ እምነት ብንጹህ ሕልና ዚሕዙ ኪዀኑ ይግባእ። 10  እዚኣቶም እውን ቅድም ብቕዓቶም ይመርመር፣ ሽዑ፡ ዚንቀፉሉ ዘይብሎም እንተ ዀኑ፡ የገልግሉ። 11  ኣንስቲ እውን ከምኡ፡ ረዘንቲ፡ ዘይሓመይቲ፡ ጥንቁቓት፡ ብዅሉ እውን እሙናት ኪዀና ይግባእ። 12  ኣገልገልቲ ጉባኤ፡ ሰብ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ደቆምን ቤተ ሰቦምን ጽቡቕ ገይሮም ዜስተናብሩ ይኹኑ። 13  ከመይሲ፡ እቶም ጽቡቕ ገይሮም ዜገልግሉ፡ ጽቡቕ ስምን ብእምነት ክርስቶስ የሱስ ንምዝራብ ዜኽእል ብዙሕ ትብዓትን ይረኽቡ እዮም። 14  ናባኻ ቐልጢፈ ኽመጽእ ተስፋ እናገበርኩ፡ እዚ እጽሕፈልካ ኣለኹ። 15  እንተ ደንጐኹ ግና፡ ኣብ ቤተ ሰብ ኣምላኽ፡ ማለት ኣብታ ናይታ ሓቂ ዓንድን ደገፍን ዝዀነት ጉባኤ ህያው ኣምላኽ፡ ብኸመይ ክትመላለስ ከም ዚግብኣካ ምእንቲ ኽትፈልጥ እየ እዚ ዝጸሓፍኩልካ። 16  እወ፡ እቲ ቕዱስ ምስጢር ኣምላኻዊ ተወፋይነት ኣማን ብኣማን ዓብዪ እዩ፦ ‘ንሱ ብስጋ ተጋህደ፡ ብመንፈስ ጸደቐ፡ ንመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ኣህዛብ ተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ተኣምነ፡ ብኽብሪ ዓረገ።’

እግረ ጽሑፍ