ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

1 ጢሞቴዎስ 2:1-15

2  ቅድሚ ዅሉ እምበኣር፡ ምህለላን ጸሎትን ማልዶትን ምስጋናን ምእንቲ ዅሉ ዓይነት ሰብ፡  ምእንቲ ነገስታትን ምእንቲ ዅሎም ሰበ ስልጣንን እውን ኪቐርብ እምዕድ ኣለኹ። ብዅሉ ኣምላኻዊ ተወፋይነትን ርዝነትን፡ ብህድኣትን ብርግኣትን ምእንቲ ኽንነብር ኢና ኸምኡ እንገብር።  እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ መድሓኒና ኣምላኽ ሰናይን ቅቡልን እዩ፣  ንሱ፡ ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕንን ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን እዩ ዚደሊ።  ኣምላኽሲ ሓደ እዩ፣ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰባትን ከኣ፡ ሓደ መንጎኛ እዩ ዘሎ፣ ንሱ ድማ እቲ ሰብ ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ እዩ።  ኣብ ክንዲ ዅሉ እውን ገዛእ ርእሱ ተመዓራራዪ በጃ ገይሩ ሃበ፣ ብዛዕባ እዚ ኸኣ እዩ ብግዜኡ ዚምስከር።  ምእንቲ እዚ ምስክር እዚ ድማ፡—ሓቂ እብል ኣለኹ፡ ኣይሕሱን እየ፡—ሰባኽን ሃዋርያን፡ ማለት ብዛዕባ እምነትን ሓቅን መምህር ኣህዛብ ኰይነ ተሸምኩ።  እምበኣር፡ ሰብኡት ብዘይ ቍጥዓን ክትዕን እሙናት ኣእዳው ኣልዒሎም፡ ኣብ ኵሉ ቦታ ኺጽልዩ እደሊ ኣለኹ።  ኣንስቲ እውን ከምኡ ብቝኖ፡ ብወርቂ፡ ብሉል፡ ወይስ ብኣዝዩ ኽቡር ክዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ትሕትናን ልብምናን ብዜርኢ ግቡእ ክዳውንቲ፡ 10  ፍርሃት ኣምላኽ ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ፡ ማለት ብሰናይ ግብሪ ኺስለማ እደሊ ኣለኹ። 11  ሰበይቲ ብዅሉ እናተገዝአት ብጸጥታ ትመሃር። 12  ሰበይቲ ብጸጥታ ኽትነብር እምበር፡ ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ ኣይፈቅድን እየ። 13  ከመይሲ፡ ቅድም ኣዳም እዩ ተገይሩ፣ ደሓር ከኣ ሄዋን። 14  ኣዳም ኣይተታለለን፣ እታ ሰበይቲ ግና ኣጸቢቓ ተታሊላ ኣበሰት። 15  ሰበይቲ ብእምነትን ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ልብምና እንተ ጸንዐት ግና፡ ብምውላድ ውሉድ ደሓን ክትከውን እያ።

እግረ ጽሑፍ