ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

1 ጢሞቴዎስ 1:1-20

1  ካብቲ ብትእዛዝ ኣምላኽ መድሓኒናን ክርስቶስ የሱስ ተስፋናን ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ጳውሎስ፡  ናብቲ ብእምነት ናይ ሓቂ ወደይ ዝዀነ ጢሞቴዎስ፦ ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና ክርስቶስ የሱስን ጸጋን ምሕረትን* ሰላምን ይኹነልካ።  ከምቲ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ ምስ በልኩ ኣብ ኤፌሶን ክትጸንሕ ዘተባባዕኩኻ፡ ገሊኦም እተፈልየ ትምህርቲ ኸይምህሩ ምእንቲ ኽትእዝዝ፡ ሕጂ እውን ከምኡ እብለካ ኣለኹ።  ናብ ጽውጽዋያትን ናብ ቍጽሪ ወለዶታትን ከየቕልቡ እውን ኣዝዝ። እዚ ነገራት እዚ ኣብ መወዳእታኡ ዚረብሕ ነገር የብሉን፣ ንእምነት ብዚምልከት ካብ ኣምላኽ ገለ እኳ ኣብ ክንዲ ዜምጽእ፡ ሕቶታት ጥራይ እዩ ዜስዕብ።  ዕላማ እዚ ትእዛዝ እዚ፡ ካብ ንጹህ ልብን ካብ ሰናይ ሕልናን ግብዝና ኻብ ዘይብላ እምነትን እትርከብ ፍቕሪ እያ።  ገሊኦም ካብዚ ዘምቢሎም ናብ ዘረባ ሃተውተው ኣላጊሶም ኣለዉ።  ነቲ ዚብልዎ ወይስ ነቲ ብምትእምማን ኣትሪሮም ዚዛረቡሉ ነገር ዘየስተውዕልዎ ኽነሶምሲ፡ መምህራን ሕጊ ኪዀኑ እዮም ዚደልዩ።  እቲ ሕጊ ብግቡእ* ኣብ ተግባር እንተ ውዒሉ፡ ሰናይ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና።  ሕጊ ንጻድቕ ከም ዘይተሰርዐ ንፈልጥ ኢና፣ የግዳስ፡ ንጠሓስቲ ሕግን ንስድታትን፡ ንኣምላኽ ንዘይፈርሁን ንሓጥኣንን፡ ንዘይእሙናት፡ ንርኹሳት፡ ንቐተልቲ ኣቦታቶምን ንቐተልቲ ኣዴታቶምን፡ ንቐተልቲ ነፍሲ፡ 10  ንኣመንዝራታት፡ ግብሪ ሶዶም ንዚገብሩ፡ ንጨወይቲ፡ ንሓሰውቲ፡ ብሓሶት ንዚምሕሉ፡ ምስቲ ጥዑይ ትምህርቲ ንዚጻረር ካልእ እውን እዩ ተሰሪዑ። 11  እዚ ድማ ከምቲ ንዓይ ሕድሪ እተዋህበኒ ኽቡር ብስራት እቲ ሕጉስ ኣምላኽ እዩ። 12  ኣነ ነቲ ሓይሊ ዝሃበኒ ጐይታና ክርስቶስ የሱስ አመስግኖ እየ። ከመይሲ፡ ንኣገልግሎቱ ብምምዳብ፡ ከም እሙን ቈጺሩኒ እዩ። 13  ቀደም ተጻራፍን ሰጓጕን ነቓጽን ዝነበርኩ ኽነሰይ፡ ብዘይ ፍልጠትን ብዘይ እምነትን ስለ ዝገበርክዎ፡ ተማሓርኩ። 14  ጸጋ ጐይታና ድማ ምስቲ ብክርስቶስ የሱስ ዝዀነ እምነትን ፍቕርን ብዘይ ልክዕ ዓዘዘ። 15  እዚ ቓል እዚ እሙንን ምሉእ ተቐባልነት ዚግብኦን እዩ፦ ክርስቶስ የሱስ ንሓጥኣን ኬድሕን መጸ። ካባታቶም እውን ኣነ ኣውራ እየ። 16  ግናኸ፡ ክርስቶስ የሱስ ብኣይ ብኣውራ ገይሩ ነቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ብእኡ ዚኣምኑ ዘበሉ፡ ኵሉ ዓቕሉ ኸም ኣብነት ምእንቲ ኼርኢ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ እተማሓርኩ። 17  ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ፡ ዘይሓልፍ፡ ዘይርአ ሓደ ኣምላኽ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ክብርን ግርማን ይኹኖ። ኣሜን። 18  ኣታ ጢሞቴዎስ ወደይ፡ ከምቲ ብዛዕባኻ እተነግረ ትንቢታት፡ በዚ ጽቡቕ ውግእ ምእንቲ ኽትዋጋእ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ አማዕቍበካ ኣለኹ። 19  እምነትን ሰናይ ሕልናን ሓዝ፣ ገሊኦም ንሕልናኦም ስለ ዝደርበይዎ፡ እምነቶም ከም እተሰብረት መርከብ ኰይና ጠፊኣ ኣላ። 20  ሄሜኔዎስን እስክንድሮስን ካባታቶም እዮም፣ ንዓታቶም ድማ ብተግሳጽ ምእንቲ ኺመሃሩ እምበር፡ ከይጻረፉ ንሰይጣን ኣሕሊፈ ሂበዮም ኣለኹ።

እግረ ጽሑፍ

1ጢሞ 1:2 * ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ምሕረት” ርአ።
1ጢሞ 1:8 * ቃል ብቓሉ፡ “ብሕጋዊ መገዲ።”