ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

1 ዮሃንስ 4:1-21

4  ፍቑራተየ፡ ብዙሓት ናይ ሓሶት ነብያት ኣብ ዓለም ተንሲኦም ኣለዉ እሞ፡ መንፈሳዊ መግለጺ* ንዘበለ ዅሉ ኣይትእመኑ፣ የግዳስ፡ እቲ መንፈሳዊ መግለጺታት ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ መርምሩ።  እቲ መንፈሳዊ መግለጺ ኻብ ኣምላኽ ምዃኑ በዚ ኢኹም እትፈልጡ፦ የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዚእመን ዘበለ ዅሉ መንፈሳዊ መግለጺ፡ ካብ ኣምላኽ እዩ።  የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ዅሉ መንፈሳዊ መግለጺ ግና፡ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን። እዚ ኸኣ እቲ ኸም ዚመጽእ ሰሚዕኩምዎ ዘለኹም ናይ ጸረ ክርስቶስ መንፈሳዊ መግለጺ እዩ፣ ሕጂ እውን ድሮ ኣብ ዓለም ኣሎ።  ደቀየ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም፣ ካብቲ ምስ ዓለም ሓድነት ዘለዎስ፡ እቲ ምሳኻትኩም ሓድነት ዘለዎ ስለ ዚዓቢ፡ ነዚኣቶም እውን ስዒርኩምዎም ኢኹም።  ንሳቶም ካብ ዓለም እዮም፣ ስለዚ ኸኣ እዮም ካብ ዓለም ዚዛረቡ፡ ዓለም እውን ትሰምዖም እያ።  ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና። እቲ ንኣምላኽ ዚፈልጥ፡ ይሰምዓና፣ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኰነ፡ ኣይሰምዓናን እዩ። መንፈሳዊ መግለጺ ሓቅን መንፈሳዊ መግለጺ ስሕተትን በዚ ኢና እነለሊ።  ፍቑራተየ፡ ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር፣ ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንኣምላኽ እውን ይፈልጦ እዩ።  ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ።  ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ፡ ንዕኡ ናብ ዓለም ልኢኽዎ እዩ እሞ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ንዓና በዚ ተገልጸትልና። 10  ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ዘይኰነስ፡ ንሱ ስለ ዘፍቀረናን ንሓጢኣትና ኸም ዜተዓርቕ መስዋእቲ ገይሩ ወዱ ስለ ዝሰደደልናን፡ እታ ፍቕሪ በዚ እያ። 11  ፍቑራተየ፡ ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረናስ፡ ንሕና እውን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ግዴታ ኣሎና። 12  ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ ኸቶ የልቦን። ንሓድሕድና ንፋቐር እንተ ዄንና፡ ኣምላኽ ኣባና ይነብር፡ ፍቕሩ እውን ኣባና ፍጽምቲ ትኸውን። 13  ካብ መንፈሱ ስለ ዝሃበና፡ ንሕና ምስኡ ብሓድነት ከም እንነብር፡ ንሱ ኸኣ ምሳና ብሓድነት ከም ዚነብር፡ በዚ ኢና እንፈልጥ። 14  ኣቦ ንወዱ መድሓን ዓለም ኪኸውን ከም ዝለኣኾ ድማ፡ ርኢና ኢና፡ ንምስክር እውን ኣለና። 15  የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚእመን ዘበለ፡ ኣምላኽ ምስኡ ብሓድነት ይነብር፡ ንሱ እውን ምስ ኣምላኽ ብሓድነት ይነብር። 16  ንሕና ኸኣ ነታ ኣምላኽ ንዓና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን ኣለና። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፣ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ምስ ኣምላኽ ብሓድነት ይነብር፡ ኣምላኽ እውን ምስኡ ብሓድነት ይነብር። 17  ከምቲ የሱስ ዝዀኖ፡ ንሕና ባዕልና እውን ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኸምኡ ኢና እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ንምዝራብ ትብዓት ምእንቲ ኺህልወና፡ በዚ ኸምዚ ፍቕሪ ኣባና ፍጽምቲ ዀነት። 18  ፍርሂ ስለ እትገትእ፡ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሂ ኣውጺኣ ትድርብያ እምበር፡ ኣብ ፍቕርስ ፍርሂ የልቦን። እቲ ዚፈርህ ከኣ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን። 19  ንሱ ቕድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ፡ ንሕና እውን ነፍቅር ኢና። 20  ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይክእልን እዩ እሞ፡ ንሓዉ እናጸልኦስ፡ “ንኣምላኽ አፍቅሮ እየ” ዚብል እንተሎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ። 21  እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅር፡ ንሓዉ እውን ኬፍቅሮ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ ኻብኡ እተቐበልናዮ እዩ።

እግረ ጽሑፍ

1ዮሃ 4:1 * ቃል ብቓሉ፡ “መንፈስ።”