ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

1 ዮሃንስ 3:1-24

3  ውሉዳት ኣምላኽ ምእንቲ ኽንብሃል፡ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ኸም ዝሃበና እሞ ርኣዩ፣ ከምኡ ድማ ኢና። ስለዚ ኸኣ፡ ዓለም ንዕኡ ስለ ዘይፈለጠቶ፡ ንዓና እውን ኣይትፈልጠናን እያ።  ፍቑራተየ፡ ሕጂ ውሉዳት ኣምላኽ ኢና፣ እንታይ ከም እንኸውን ግና ገና ኣይተጋህደን። ንሱ ምስ ተጋህደ፡ ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞ፡ ንዕኡ ኸም እንመስል ንፈልጥ ኢና።  ከምቲ ንሱ ንጹህ ዝዀነ፡ እዛ ተስፋ እዚኣ ኣብኡ ዘላቶ ዘበለ ዅሉ ድማ፡ ንርእሱ የንጽህ እዩ።  ብሓጢኣት ዚመላለስ ዘበለ ዅሉ፡ ብጥሕሰት ሕጊ እዩ ዚመላለስ፣ ሓጢኣት ከኣ ጥሕሰት ሕጊ እዩ።  ንሱ ሓጢኣት ኬርሕቕ ኢሉ ኸም እተጋህደ እውን ትፈልጡ ኢኹም፣ ኣብኡ ድማ ሓጢኣት የልቦን።  ምስኡ ብሓድነት ዚነብር ዘበለ ዅሉ፡ ብሓጢኣት ኣይመላለስን እዩ፣ ብሓጢኣት ዚመላለስ ዘበለ ግና ኣይረኣዮን፡ ኣይፈለጦን እውን።  ደቀየ፡ ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም፣ ከምቲ ንሱ ጻድቕ ዝዀነ፡ እቲ ብጽድቂ ዚመላለስ ጻድቕ እዩ።  ድያብሎስ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ሓጢኣት ይገብር ኣሎ እሞ፡ እቲ ብሓጢኣት ዚመላለስ ካብ ድያብሎስ እዩ። ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ እዩ እተጋህደ።  ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዅሉ፡ ዘርኢ ኣምላኽ ኣብኡ ይነብር እዩ እሞ፡ ብሓጢኣት ኣይመላለስን እዩ፣ ካብ ኣምላኽ ስለ እተወልደ እውን፡ ብሓጢኣት ኪመላለስ ኣይክእልን እዩ። 10  ውሉዳት ኣምላኽን ውሉዳት ድያብሎስን በዚ እዮም ዚፍለጡ፦ ብጽድቂ ዘይመላለስ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፣ ንሓዉ ዘየፍቅር እውን ከምኡ እዩ። 11  ንሓድሕድና ኽንፋቐር፡ እዚኣ እታ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዋ መልእኽቲ እያ። 12  ከምቲ ኻብቲ እኩይ ዝነበረ፡ ንሓዉ ኸኣ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹን። ስለምንታይከ እዩ ዝቐተሎ፧ ግብሩ እከይ፡ ግብሪ ሓዉ ግና ጽድቂ ስለ ዝነበረ እዩ። 13  ኣሕዋተየ፡ ዓለም ንዓኻትኩም ብምጽላኣ፡ ኣይትገረሙ። 14  ንሕና ንኣሕዋትና ስለ እነፍቅሮም፡ ካብ ሞት ናብ ህይወት ከም እተሳገርና ንፈልጥ ኢና። እቲ ዘየፍቅር፡ ኣብ ሞት ይነብር። 15  ንሓዉ ዚጸልእ ዘበለ ዅሉ፡ ቀታል ነፍሲ እዩ፣ ቀታል ነፍሲ ዘበለ ድማ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብኡ ኸም ዘይትነብር ትፈልጡ ኢኹም። 16  ንሱ ነፍሱ* ምእንታና ኣሕሊፉ ስለ ዝሃበ፡ በዚ ንፍቕሪ ፈሊጥናያ ኣለና፣ ንሕና እውን ምእንቲ ኣሕዋትና ነፍስና ኣሕሊፍና ኽንህብ ግዴታ ኣሎና። 17  ግናኸ፡ ጥሪት እዛ ዓለም ዘለዎ ዘበለ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣየስ ዘይርሕርሓሉ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር፧ 18  ደቀየ፡ ብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ጥራይ ኣይንፋቐር። 19  ካብ ሓቂ ምዃንና በዚ ኢና ኽንፈልጥ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኸኣ ንልብና ምትእምማን ከነሕድረሉ ኢና፣ 20  ዋላ እኳ ልብና እንተ ዀነነና፡ ኣምላኽ ካብ ልብና ይዓብን ኵሉ ይፈልጥን እዩ። 21  ፍቑራተየ፡ ልብና እንተ ዘይኰነነና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምዝራብ ትብዓት ኣሎና፣ 22  ትእዛዛቱ እንሕሉን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ባህ ዜብሎ እንገብርን ስለ ዝዀንና፡ እንልምኖ ዘበለ ኻብኡ ንቕበል ኢና። 23  ከምቲ ንሱ ዝሃበና ትእዛዝ ጌርና ድማ፡ ብስም ወዱ የሱስ ክርስቶስ ክንኣምን፡ ንሓድሕድና እውን ክንፋቐር፡ ትእዛዙ እዚ እዩ። 24  እቲ ትእዛዛቱ ዚሕሉ ኸኣ ምስኡ ብሓድነት ይነብር፡ ንሱ እውን ምስኡ ብሓድነት ይነብር። በቲ ንሱ ዝሃበና መንፈስ ከኣ፡ ምሳና ብሓድነት ከም ዚነብር ንፈልጥ ኢና።

እግረ ጽሑፍ

1ዮሃ 3:16 * ወይ፡ “ህይወቱ።”