ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

1 ዮሃንስ 1:1-10

1  ብዛዕባ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ ብኣዒንትና ዝረኣናዮ፡ ዝጠመትናዮ፡ ኣእዳውና እውን ዘረምሰሳኦ ቓል ህይወት ንነግረኩም ኣለና።  ህይወት ድማ ተጋህደት፣ ነታ ምስ ኣቦ ዝነበረትን ንዓና እተጋህደትን ናይ ዘለኣለም ህይወት ከኣ ርኢናያ ኢና እሞ፡ ንምስክረልኩምን ንነግረኩምን ኣለና።  ንስኻትኩም እውን ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኺህልወኩም ኢልና፡ እቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ንዓኻትኩም ንነግረኩም ኣለና። እዚ ሕብረትና እውን ምስ ኣቦን ምስ ወዱ የሱስ ክርስቶስን እዩ።  ሓጐስና ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡ እዚ ንጽሕፈልኩም ኣለና።  ኣምላኽ ብርሃን ምዃኑን ኣብኡ ኸኣ ጸልማት ከቶ ኸም ዘየልቦን፡ እታ ኻብኡ ዝሰማዕናያ፡ ንዓኻትኩም እውን እንነግራ ዘለና መልእኽቲ እዚኣ እያ።  “ምስኡ ሕብረት ኣሎና” ኢልናስ ኣብ ጸልማት እንተ ተመላለስና፡ ንሕሱ፡ ሓቂ እውን ኣይንገብርን ኢና ዘለና።  ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት ኣሎና፡ ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱ እውን ካብ ኵሉ ሓጢኣትና የንጽሃና እዩ።  “ሓጢኣት የብልናን” እንተ በልና፡ ንርእስና ነስሕታ ኣለና፡ እታ ሓቂ እውን ኣባና የላን።  ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ኺሓድገልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻ እውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ። 10  “ኣይሓጣእናን” እንተ በልና፡ ሓሳዊ ንገብሮ ኣለና፡ ቃሉ እውን ኣባና የሎን።

እግረ ጽሑፍ