ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

1 ተሰሎንቄ 5:1-28

5  ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ ግዜያትን እዋናትን ኪጽሓፈልኩም ኣየድልን እዩ።  ከመይሲ፡ መዓልቲ የሆዋ ኸም ሰራቒ ዀይና ብለይቲ ኸም እትመጽእ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም።  “ሰላምን ደሓንን!” ኪብሉ ኸለዉ፡ ንጥንስቲ ቕልውላው ከም ዚሕዛ፡ ሽዑ ጥፍኣት ብሃንደበት ይመጾም፣ ከቶ እውን ኣይኬምልጡን እዮም።  ንስኻትኩም ግና፡ ኣሕዋተየ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ንሰረቕቲ ኸይትመጸኩምሲ፡ ኣብ ጸልማት ኣይኰንኩምን፣  ከመይሲ፡ ኵላትኩም ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም። ንሕናስ ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን ኣይኰንናን።  እምበኣር፡ ንንቃሕን ንጠንቀቕን እምበር፡ ከም ካልኦት ኣይንደቅስ።  እቶም ዚድቅሱስ ብለይቲ እዮም ዚድቅሱ፣ እቶም ዚሰኽሩ እውን ብለይቲ እዮም ዚሰኽሩ።  ንሕና ግና ናይ መዓልቲ ኻብ ኰንናስ፡ ድርዒ እምነትን ፍቕርን ለቢስና፡ ተስፋ ድሕነት እውን ከም ቍራዕ ርእሲ ጌርና ንጠንቀቕ፣  ከመይሲ፡ ኣምላኽ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ድሕነት ክንረክብ እምበር፡ ንቝጥዓስ ኣይመደበናን። 10  የሱስ፡ እንተ ነቒሕና ወይስ እንተ ደቂስና፡ ምስኡ ሓቢርና ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ፡ ምእንታና ሞተ። 11  ስለዚ፡ ከምቲ እትገብርዎ ዘለኹም፡ ንሓድሕድኩም ተተባብዑን* ተሃናነጹን። 12  ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ኣብ መንጎኹም ዚጽዕሩን ብጐይታ ዚመርሑኹምን ዚምዕዱኹምን ከተኽብርዎም ንልምነኩም ኣለና፣ 13  ስለቲ ዕዮኦም፡ ብፍቕሪ ኻብ መጠን ንላዕሊ ኣኽብርዎም። ንሓድሕድኩም እውን ብሰላም ንበሩ። 14  ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዘይ ስርዓት ንዚመላለሱ ኣጠንቅቕዎም፡* ንእተጨነቑ ኣጸናንዕዎም፡ ንድኹማት ደግፍዎም፡ ንዅሎም ተዓገስዎም ኢልና ንምዕደኩም ኣለና። 15  ሓደ እኳ ንኻልእ ክፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ከይፈድዮ ተጠንቀቑ፣ ግናኸ፡ ኵሉ ሳዕ ንሓድሕድኩምን ንዅሉን ሰናይ ክትገብሩ ተጋደሉ። 16  ኵሉ ሳዕ ተሓጐሱ። 17  ከየቋረጽኩም ጸልዩ። 18  ብዅሉ ኣመስግኑ። ከመይሲ፡ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ብዛዕባኹም ዘለዎ ፍቓድ እዚ እዩ። 19  ሓዊ መንፈስ ኣይተጥፍኡ። 20  ትንቢት ኣይትንዓቑ። 21  ንዅሉ መርምርዎ፣ ነቲ ሰናይ ኣጽኒዕኩም ሓዝዎ። 22  ካብ እከይ ዘበለ ዅሉ ርሓቑ። 23  ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ምሉእ ብምሉእ ይቐድስኩም። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ብዘሎ መንፈስኩምን ነፍስኹምን ሰብነትኩምን ብዘይ መንቅብ ይተሓሎ። 24  እቲ ዚጽውዓኩም ዘሎ እሙን እዩ፣ ንሱ እውን ኪገብሮ እዩ። 25  ኣቱም ኣሕዋትና፡ ምእንታና ጸልዩ። 26  ንዅሎም ኣሕዋት ብቕዱስ ምስዓም ሰላም በልዎም። 27  እዛ ደብዳበ እዚኣ ንዅሎም ኣሕዋት ክትንበብ፡ ብጐይታ እምሕጸነኩም ኣለኹ። 28  ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን።

እግረ ጽሑፍ

1ተሰ 5:11 * ወይ፡ “ተጸናንዑን።”
1ተሰ 5:14 * ወይ፡ “ምዓድዎም።”