ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

1 ተሰሎንቄ 4:1-18

4  ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ከምቲ ንኣምላኽ ንምሕጓስ ከመይ ጌርኩም ክትመላለሱ ኸም ዚግብኣኩም ካባና ትእዛዝ እተቐበልኩም፡ ከምቲ እትመላለስዎ እውን ዘለኹም፡ ብዝያዳ ኸምኡ ኽትገብሩ ንልምነኩምን ንምሕጸነኩምን ኣለና።  ከመይሲ፡ ብጐይታና የሱስ ዝሃብናኩም ትእዛዛት ትፈልጥዎ ኢኹም።  ፍቓድ ኣምላኽሲ ኽትቅደሱን ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁን እዩ።  ነፍሲ ወከፍኩም ንሰብነቱ ብቕድስናን ብኽብርን ብኸመይ ከም ዚቈጻጸሮ ይፍለጥ፣  ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብህርፋን ፍትወተ ስጋ ድማ ኣይትመርሑ።  ሓደ እኳ ንሓዉ በዚ ነገር እዚ ኣይበድሎ፡ መሰሉ እውን ኣይግሃሶ፣ ስለምንታይሲ፡ ከምቲ ኣቐዲምና ዝነገርናኩምን ኣጸቢቕና ዝመስከርናልኩምን፡ ነቶም ነዚ ነገራት እዚ ዚገብሩ ዘበሉ ዚቐጽዖም የሆዋ እዩ።  ኣምላኽሲ ንቕድስና እምበር፡ ንርኽሰት ኣይጸውዓናን።  ስለዚ፡ እቲ ዚንዕቕ፡ ነቲ ንዓኻትኩም ቅዱስ መንፈሱ ዚህብ ኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን ዚንዕቕ ዘሎ።  ብዛዕባ ሕውነታዊት ፍቕሪ ግና፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ ኻብ ኣምላኽ ተማሂርኩም ኢኹም እሞ፡ ክንጽሕፈልኩም ኣየድልየናን እዩ። 10  ነቶም ኣብ ብዘሎ መቄዶንያ ዘለዉ ዅሎም ኣሕዋት እውን ከምኡ ትገብሩሎም ኣለኹም። ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዝያዳ ኸምኡ ኽትገብሩ ንምዕደኩም ኣለና። 11  ከምቲ ዝኣዘዝናኩም፡ ብህድኣት ክትነብሩን ዕዮ ርእስኹም ክትገብሩን ጽዓቱ፣ 12  በዚ ኸምዚ ድማ፡ ካብ ሓደ እኳ ገለ ኸይደለኹም፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብኣደብ ትመላለሱ። 13  ኣሕዋተየ፡ ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሓዝኑ፡ ብዛዕባ እቶም ዓሪፎም ዘለዉ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይንደልን ኢና። 14  የሱስ ከም ዝሞተን ከም ዝተንስአን ኣሚንና እንተ ዄንና፡ እቶም ብየሱስ ዝዓረፉ እውን ከምኡ፡ ኣምላኽ ምስኡ ኼምጽኦም እዩ። 15  ንሕና እቶም ጐይታ ኣብዚ ኽሳዕ ዚህልወሉ እዋን ብህይወት እንጸንሕ ዘበልና፡ ነቶም ዝዓረፉ ኸቶ ኸም ዘይንቕድሞም፡ እዚ ብቓል የሆዋ ንነግረኩም ኣለና፣ 16  ከመይሲ፡ ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጻውዒት፡ ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፣ እቶም ምስ ክርስቶስ ሓድነት ከለዎም ዝሞቱ ኸኣ ቅድም ኪትንስኡ እዮም። 17  ድሕሪኡ፡ ንሕና ብህይወት ዝጸናሕና፡ ንጐይታ ኣብ ኣየር ክንቅበሎ፡ ምሳታቶም ሓቢርና ብደበና ኽንምንዛዕ ኢና፣ በዚ ኸምዚ፡ ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንከውን ኢና። 18  ስለዚ፡ በዘን ቃላት እዚአን ንሓድሕድኩም ተጸናንዑ።

እግረ ጽሑፍ