ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

1 ተሰሎንቄ 3:1-13

3  ስለዚ፡ ደጊም ምጻሩ ምስ ሰኣንና፡ ኣብ ኣቴና በይንና ኽንተርፍ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእየና፣  ብዛዕባ እምነትኩም ምእንቲ ኼበርትዓኩምን* ኬጸናንዓኩምን ከኣ፡ ነቲ ሓውናን በቲ ብስራት ክርስቶስ ኣገልጋሊ ኣምላኽን ዝዀነ ጢሞቴዎስ ለኣኽናዮ፣  ከምኡ ዝገበርና ድማ፡ በዚ ጸበባ እዚ ሓደ እኳ ምእንቲ ኸይናወጽ ኢልና ኢና። ካብ ከምዚ ዝበለ ጸበባ ኸነምልጥ ከም ዘይንኽእል፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም።  ምሳኻትኩም ከለና እኳ፡ ጸበባ ኸም ዚመጸና ኣቐዲምና ንነግረኩም ኔርና፣ ከምቲ እትፈልጥዎ ኸኣ፡ ከምኡ ዀነ።  ስለዚ፡ ደጊም ምጻሩ ምስ ሰኣንኩ፡ ምናልባት እቲ ፈታኒ ፈቲኑኩም ከይህሉ እሞ፡ ጻዕርና ኸንቱ ኸይከውን ኢለ፡ ተኣማንነትኩም ምእንቲ ኽፈልጥ ለኣኽኩ።  ጢሞቴዎስ ግና ካባኻትኩም ሕጂ ናባና መጺኡ ኣሎ፣ ብዛዕባ ተኣማንነትኩምን ፍቕርኹምን፡ ኵሉ ሳዕ ብጽቡቕ ከም እትዝክሩና፡ ከምቲ ንሕና እንናፍቐኩም ከኣ ክትርእዩና ትናፍቑ ኸም ዘለኹም ኣበሰረና።  ስለዚ ኸኣ ኢና፡ ኣሕዋተየ፡ ሳላ ተኣማንነትኩም ኣብ ኵሉ ጭንቅናን ጸበባናን እተጸናናዕና።  ብጐይታ ስለ ዝጸናዕኩም፡ ህይወትና ተሓዲሳ ኣላ።*  ስለቲ ብሳላኹም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዝረኸብናዮ ሓጐስ፡ ብዛዕባኹም ንኣምላኽ ከመይ ጌርና ኢና እሞ ኸነመስግኖ፧ 10  ገጽኩም ክንርእን ኣብ እምነትኩም ዝጐደለ ኽንምልእን፡ ለይትን መዓልትን ካብ መጠን ንላዕሊ ንምህለል ኣለና። 11  ኣቦና ኣምላኽ ባዕሉን ጐይታና የሱስን መገድና ናባኻትኩም የቕንዑ። 12  ጐይታ ድማ፡ ከምቲ ንሕና ንዓኻትኩም ዘላትና ፍቕሪ፡ ነታ ንሓድሕድኩምን ንዅሉን ዘላትኩም ፍቕሪ ይወስኸልኩምን የብዝሓያን፣ 13  እዚ ድማ ጐይታና የሱስ ምስ ኵሎም ቅዱሳቱ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ብቕድስና መንቅብ ዘይብልኩም ኴንኩም ክትርከቡ፡ ልብኹም ምእንቲ ኼጽንዕ እዩ።

እግረ ጽሑፍ

1ተሰ 3:2 * ወይ፡ “ኼጽንዓኩምን።”
1ተሰ 3:8 * ቃል ብቓሉ፡ “ብህይወት ንነብር ኣሎና።”