ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

1 ተሰሎንቄ 2:1-20

2  ኣሕዋተየ፡ እቲ ናባኻትኩም ዝገበርናዮ ምብጻሕ፡ ብዘይ ፍረ ኸም ዘይኰነ፡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም።  ከምቲ እትፈልጥዎ ግና፡ ቅድም ኣብ ፊልጲ መከራ ምስ ጸገብናን ምስ ተገፋዕናን፡ ኣብ መንጎ ኽንደይ ተቓውሞ* ብስራት ኣምላኽ ክንነግረኩም ብኣምላኽና ተባዕና።  እቲ እንምዕደኩም ምዕዶስ ካብ ስሕተት ወይስ ካብ ርኽሰት ወይስ ብተንኰል ኣይኰነን፣  የግዳስ፡ ከምቲ እቲ ብስራት ሕድሪ ምእንቲ ኺውሃበና ብኣምላኽ ተመርሚርና ብቑዓት ዝዀንና፡ ንሰብ ዘይኰነስ፡ ነቲ ንልብና ዚምርምር ኣምላኽ ከም እነሐጕስ ኴንና ኸምኡ ንዛረብ ኣለና።  ከምቲ እትፈልጥዎ፡ ብናይ ሽሕጣን ዘረባ ወይ ብስስዐ ተደሪኽና ኣምሰሉታት ኴንና ኸም ዘይመጻእናኩም፡ ኣምላኽ ምስክርና እዩ።  ሃዋርያት ክርስቶስ ብምዃንና ጾር ክንከውን ንኽእል እኳ እንተ ነበርና፡ ካባኻትኩም ኰነ ወይስ ካብ ካልኦት፡ ኰታስ ካብ ሰብ ክብሪ ኣይደለናን።  እኳ ደኣስ፡ ከምታ ንደቃ እትሕብሕብ እተጥቡ ኣደ ዄንና፡ ኣብ ማእከልኩም ልኡማት ነበርና።  ንዓኻትኩም ልባዊ ፍቕሪ ስለ ዘሕደርና ኸኣ፡ ነፍስና* እውን እምበር፡ ብስራት ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰንናን ከነካፍለኩም እንፈቱ ዝነበርና፣ ምኽንያቱ፡ ኣፍቂርናኩም ኢና።  ኣሕዋተየ፡ ነቲ ጻዕርናን ልፍዓትናንሲ ትዝክርዎ ኢኹም። ብስራት ኣምላኽ ክንሰብከልኩም ከለና፡ ንሓደ ኻባኻትኩም እኳ ጾር ከይንኸውን ኢልና፡ ለይትን መዓልትን ንዓዪ ነበርና። 10  ንዓኻትኩም ንኣመንቲ ኸመይ እሙናትን ጻድቃንን መንቅብ ዘይብሎምን ከም ዝነበርና፡ ንስኻትኩምን ኣምላኽን መሰኻኽር ኢኹም። 11  ከምቲ እትፈልጥዎ፡ ንነፍሲ ወከፍኩም፡ ከም ኣቦ ንውሉዱ፡ ንምዕደኩምን ነጸናንዓኩምን ንምስክረልኩምን ነበርና፣ 12  ከምኡ ዝገበርና ድማ፡ ነቲ ናብ መንግስቱን ክብሩን ዚጽውዓኩም ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትመላለሱ ኢና። 13  ስለዚ ኸኣ ኢና ንሕና እውን ንኣምላኽ ከየቋረጽና እነመስግኖ ዘለና፣ ስለምንታይሲ፡ ነቲ ኻባና ዝሰማዕኩምዎ፡ ኣባኻትኩም ኣብ ኣመንቲ እውን ዚዓዪ ዘሎ ቓል ኣምላኽ ክትቅበልዎ ኸለኹም፡ ከም ቃል ሰብ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብሓቂ ዝዀኖ፡ ከም ቃል ኣምላኽ ጌርኩም ኢኹም ተቐቢልኩምዎ። 14  ኣሕዋተየ፡ ነተን ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ምስ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ዘለወን ጉባኤታት ኣምላኽ መሲልኩምወን ኣለኹም፣ ምኽንያቱ፡ ከምቲ ንሳቶም ብኣይሁድ መከራ ዝጸገቡ፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ብደቂ ዓድኹም መከራ ጸገብኩም። 15  ንሳቶም ንጐይታና የሱስን ንነብያትን እኳ ቐተልዎም፡ ንዓና እውን ሰጐጉና። ምስ ጥቕሚ ዅሉ ሰብ ደኣ ይጻረሩ ኣለዉ እምበር፡ ንኣምላኽሲ ኣየሐጕስዎን እዮም ዘለዉ፣ 16  ከመይሲ፡ ኣህዛብ ምእንቲ ኺድሕኑ ኸይንነግሮም ኪኽልክሉና ይፍትኑ እዮም። በዚ ኸምዚ፡ ኵሉ ሳዕ ሓጢኣቶም ይምልኡ ኣለዉ። ኣብ መወዳእታ ግና ቍጥዓኡ መጾም። 17  ኣሕዋተየ፡ ንሕና ግና ብልቢ ዘይኰነስ፡ ብኣካል ንቝሩብ ግዜ ኻባኻትኩም ምስ ተፈለና፡ ገጽኩም ክንርኢ ኣዚና ስለ እተመነና፡ ብዙሕ ኢና ጽዒርና። 18  ስለዚ፡ ናባኻትኩም ክንመጽእ ደለና፣ ኣነ ጳውሎስ እኳ ሓደ ሳዕን ካልኣይ ሳዕን ፈቲነ ነይረ፣ ሰይጣን ግና ዓገተና። 19  ኣብ ቅድሚ ጐይታና የሱስ፡ ንሱ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋንሲ፡ ተስፋና ወይ ሓጐስና ወይ ኣኽሊል ፍስሃና መን እዩ፧ ንስኻትኩም ደይኰንኩምን፧ 20  ንስኻትኩምሲ ኽብርናን ሓጐስናን ኢኹም።

እግረ ጽሑፍ

1ተሰ 2:2 * ወይ፡ “ብኽንደይ ገድሊ።”
1ተሰ 2:8 * ወይ፡ “ህይወትና።”