ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

1 ተሰሎንቄ 1:1-10

1  ካብ ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን፡ ናብታ ምስ ኣቦና ኣምላኽን ምስ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ሓድነት ዘለዋ ጉባኤ ተሰሎንቄ፦ ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም።  ብዛዕባ ዅላትኩም ኣብ ጸሎትና ኽንጠቅስ ከለና፡ ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ ነመስግኖ ኢና፣  ከመይሲ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ነቲ ብእምነት ዝገበርኩምዎ ግብርን ብፍቕሪ ዝጸዓርኩምዎ ጻዕርን ሳላ እታ ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዘላትኩም ተስፋ ዘርኣኹምዎ ተጻዋርነትን ከየቋረጽና ንዝክሮ ኣለና።  ኣቱም ብኣምላኽ እተፈቐርኩም ኣሕዋትና፡ ንሱ ኸም ዝሓረየኩም ፈሊጥና ኢና፣  ስለምንታይሲ፡ እቲ ዝሰበኽናልኩም ብስራት ብሓይልን ብመንፈስ ቅዱስን ብጽኑዕ እምነትን እውን እምበር፡ ብቓል ጥራይ ኣይመጸኩምን። ምእንታኹም ከመይ ዝበልና ኸም ዝዀንና እውን ትፈልጡ ኢኹም።  ንስኻትኩም ከኣ ነቲ ቓል ኣብ ትሕቲ ብዙሕ ጸበባ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ሓጐስ ብምቕባልኩም፡ ንዓናን ንጐይታን ትመስሉ ኣለኹም፣  ስለዚ፡ ንዅሎም እቶም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ዘለዉ ኣመንቲ ኣርኣያ ዀንኩምዎም።  ኣብ ኣምላኽ ዘላትኩም እምነት ኣብ ኵሉ ተዘርጊሓ ኣላ እምበር፡ ቃል የሆዋ ኻባኻትኩም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ጥራይ ኣይኰነን እተሰምዐ፣ ስለዚ፡ ሓንቲ እኳ ኽንብል ኣየድልየናን እዩ።  ከመይሲ፡ ኣብ ፈለማ ኸመይ ጌርና ኸም ዝረኸብናኩምን ካብ ጣኦታት ናብ ኣምላኽ ከመይ ጌርኩም ከም እተመለስኩምን፡ ንሳቶም ባዕላቶም የውርዩ ኣለዉ፣ እዚ ዝገበርኩም ከኣ፡ ነቲ ህያውን ናይ ሓቅን ኣምላኽ ክትግዝኡን 10  ነቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ኻብቲ ዚመጽእ ቍጥዓ ዜድሕነና ወዱ የሱስ ካብ ሰማያት ክትጽበዩን ኢልኩም ኢኹም።

እግረ ጽሑፍ