ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

1 ቈረንቶስ 5:1-13

5  አረ ምንዝርና* ይውረየልኩም ኣሎ፣ ከምኡ ዝኣመሰለ ምንዝርናስ ኣብ ኣህዛብ እኳ የልቦን፣ ማለት፡ ሓደ ኻባኻትኩም ሰበይቲ ኣቦኡ ኣእትዩ ኣሎ።  በዚኸ ትሕበኑዶ ኣለኹም፧ እቲ እዚ ግብሪ እዚ ዝገበረ ኻብ ማእከልኩም ምእንቲ ኺርሕቕሲ፡ ክትሓዝኑዶ ኣይምተገብኣኩምን፧  ኣነ ግና ብኣካል ኣብኡ እኳ እንተ ዘየለኹ፡ ብመንፈስ ግና ምሳኻትኩም እየ፣ ነቲ እዚ ዝገበረ ኸኣ፡ ምሳኻትኩም ከም ዘለኹ ዀይነ ድሮ ፈሪደዮ ኣለኹ።  ብስም ጐይታና የሱስ ክትእከቡ ኸለኹም፡ ኣነ ብሓይሊ ጐይታና የሱስ ብመንፈስ ምሳኻትኩም እየ፣  መንፈስ* ብመዓልቲ ጐይታ ምእንቲ ኺድሕንሲ፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ንጥፍኣት ስጋ* ንሰይጣን ኣሕሊፍኩም ሃብዎ።  መመክሒኹም ጽቡቕ ኣይኰነን። ሒደት ማይ ብሑቝ ንብዘሎ ብሑቝ ኸም ዜብኵዖዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧  ክርስቶስ እቲ ፋስጋና ተሰዊኡ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሕጂ ዘለኹምዎ፡ ዘይበዅዐ ሓድሽ ብሑቝ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ነቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝ ኣወግድዎ።  ስለዚ፡ ብኣረጊት ማይ ብሑቝ ወይስ ብማይ ብሑቝ ክፍኣትን እከይን ዘይኰነስ፡ ብቕጫ ግርህነትን ሓቅን ነብዕል።  ኣብ ደብዳበይ፡ ምስ ኣመንዝራታት ከይትጽምበሩ ጽሒፈልኩም ነይረ፣ 10  ግናኸ ብሱሩ ምስ ኣመንዝራታት እዛ ዓለም እዚኣ ወይስ ምስ ስሱዓትን ዘረፍትን ወይስ ምስ ኣምለኽቲ ጣኦት ማለተይ ኣይኰነን። እንተ ዘይኰነስ፡ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኽትወጹ ምተገብኣኩም ነይሩ። 11  ሕጂ ግና ምስ ሓደ ሓው ዚብሃል እሞ ኣመንዝራ፡ ወይ ስሱዕ፡ ወይ ኣምላኺ ጣኦት፡ ወይ ተጻራፊ፡ ወይ ሰኽራም፡ ወይ ዘራፊ ዝዀነ ኸይትጽምበሩ፡ ምስ ከምዚ ዝበለ ኸኣ ከቶ ኸይትበልዑ፡ እጽሕፈልኩም ኣለኹ። 12  ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ዝፈርድሲ እንታይ ገዲሱኒ፧ ነቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ እትፈርዱኸ ንስኻትኩም ደይኰንኩምን፧ 13  ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ዚፈርዶም ግና ኣምላኽ እዩ። “ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣውጽእዎ።”

እግረ ጽሑፍ

1ቈረ 5:1 * ወይ፡ “ጾታዊ ዘይስነ ምግባራውነት፣ ጾታዊ ሓጢኣት።” ብግሪኽኛ ፖርኒያ። ኣብ መመላእታ ጽሑፍ 4 ርአ።
1ቈረ 5:5 * ማለት፡ ኣተሓሳስባ ጉባኤ።
1ቈረ 5:5 * ማለት፡ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ስጋዊ ጽልዋ።