ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

1 ቈረንቶስ 4:1-21

4  ስለዚ፡ ሰብ ንዓና ኸም ኣገልገልቲ ክርስቶስን ከም ኣመሓደርቲ ቕዱስ ምስጢር ኣምላኽን ይቝጸረና።  ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣመሓደርቲ እሙናት ኰይኖም ኪርከቡ ትጽቢት ይግበረሎም እዩ።  ንዓይሲ ብኣኻትኩም ወይስ ብሰብኣዊ ቤት ፍርዲ እንተ ተመርመርኩ፡ ግዲ የብለይን። ኣነ እኳ ንርእሰይ ኣይምርምራን እየ።  ከመይሲ፡ ሕልናይ ኣይወቕሰንን እዩ። ግናኸ፡ በዚ ኣይጸድቕን እየ፣ የግዳስ፡ እቲ ዚምርምረኒ፡ የሆዋ እዩ።  ስለዚ፡ እቲ ኣብ ጸልማት እተሓብአ ናብ ብርሃን ዜምጽእ፡ ሓሳባት ልቢ ኸኣ ዜግህድ ጐይታ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ቅድሚ ግዜኡ ሓንቲ እኳ ኣይትፍረዱ፣ ሽዑ ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ነንእዶኡ ኻብ ኣምላኽ ኪቕበል እዩ።  ኣሕዋተየ፡ ሓደ ኻብቲ ሓደ እናኣበላለጽኩም ብትዕቢት ምእንቲ ኸይትንፍሑ፡ “ክንየው እቲ ጽሑፍ ኣይትኺድ” ዚብል ስርዓት ካባና ኽትመሃሩ፡ እዚ ነገር እዚ ምእንታኹም ኢለ ኣባይን ኣብ ኣጵሎስን አውዕሎ ኣለኹ።  ስለምንታይሲ፡ ካብ ካልኦት ፍሉይ ዝገበረካ መን እዩ፧ ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣሎካ፧ ካብ ተቐበልካኸ፡ ስለምንታይ ከም ዘይተቐበልካ ዄንካ እትምካሕ፧  ድሮዶ ጸጊብኩም፧ ድሮዶ ሃብቲምኩም፧ ብዘይካናዶ ነጊስኩም፧ ንሕና እውን ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽንነግስሲ፡ ወሸለ ምነገስኩም።  ንዓለምን ንመላእኽትን ንሰብን ምርኢት ስለ ዝዀንና፡ ኣምላኽ ንዓና ንሃዋርያት፡ ሞት ከም እተፈርዶም ገይሩ ኣብ መወዳእታ ምርኢት ዝገበረና ይመስለኒ። 10  ንሕና ምእንቲ ክርስቶስ ዓያሹ ኢና፣ ንስኻትኩም ግና ብክርስቶስ ኣስተውዓልቲ ኢኹም፣ ንሕና ድኹማት፡ ንስኻትኩም ግና ብርቱዓት ኢኹም፣ ንስኻትኩም ክቡራት፡ ንሕና ግና ሕሱራት ኢና። 11  ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ ንጠምን ንጸምእን ንዓርቕን ንውቃዕን ኣለና፡ መሕደሪ እውን የብልናን፣ 12  ብገዛእ ኣእዳውና እናዓየና ድማ ንጽዕር ኣለና። እናጸረፉና ንምርቕ፣ እናሰጐጉና ንጻወር፣ 13  እናኣካፍኡና ብልኡም ንምልስ*፣ ጐሓፍ ዓለምን ጐዱፍ ኵሉን ኴንና ኣለና። 14  ከሕፍረኩም ዘይኰነስ፡ ከም ፍቑራት ደቀይ ክምዕደኩም ኢለ እየ እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ። 15  ከመይሲ፡ ብክርስቶስ እልፊ መጕዚታት እኳ እንተ ኣለዉኹም፡ ኣነ ብክርስቶስ የሱስ በቲ ብስራት ወሊደኩም እየ እሞ፡ ብዙሓት ኣቦታትሲ የብልኩምን። 16  ስለዚ፡ ንዓይ ምሰሉ ኢለ እልምነኩም ኣለኹ። 17  በዚ ምኽንያት እዚ እየ ነቲ ብጐይታ ፍቑረይን እሙን ውሉደይን ዝዀነ ጢሞቴዎስ ዝሰድደልኩም ዘለኹ፣ ንሱ ኸኣ ከምቲ ኣነ ኣብ በቦታኡ ንዘለዋ ዅለን ጉባኤታት ዝምህሮ ገይሩ፡ ነቲ ምስ ክርስቶስ የሱስ እተተሓሓዘ ሜላታተይ ኬዘኻኽረኩም እዩ። 18  ገሊኦም፡ ናባኻትኩም ዘይመጽእ መሲልዎምሲ፡ ብትዕቢት ተነፊሖም ኣለዉ። 19  የሆዋ እንተ ፈቐዶ ግና፡ ቀልጢፈ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ፣ ሽዑ፡ ዘረባ እቶም ብትዕቢት እተነፍሑ ዘይኰነስ፡ ሓይሎም ክፈልጥ እየ። 20  ከመይሲ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ እምበር፡ ብዘረባ ኣይኰነትን። 21  እንታይ ይሕሸኩም፧ ብበትሪዶ ወይስ ብፍቕርን ብመንፈስ ልእመትን ክመጸኩም፧

እግረ ጽሑፍ

1ቈረ 4:13 * ወይ፡ “ንልምን።”