ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

1 ቈረንቶስ 3:1-23

3  ኣነ ኸኣ ኣሕዋተየ፡ ከም ንስጋውያን፡ ከምቶም ብክርስቶስ ሕጻናት እምበር፡ ከም ንመንፈሳውያን ክዛረበኩም ኣይከኣልኩን።  ዓቕሚ ስለ ዘይነበረኩም፡ ዕጹም ብልዒ ዘይኰነስ፡ ጸባ መገብኩኹም። ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ዓቕሚ የብልኩምን፣  ከመይሲ፡ ገና ስጋውያን ኢኹም። ኣብ መንጎኹም ቅንእን ባእስን ስለ ዘሎ፡ ስጋውያን ምዃንኩም ደይኰነን፧ ከም ሰብዶኸ ትመላለሱ ኣየሎኹምን፧  ስለምንታይሲ፡ ሓደ፡ “ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ” ኺብል ከሎ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ፡ “ኣነስ ናይ ኣጵሎስ” እንተ ኢሉ፡ ከም ማንም ሰብ ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧  እምበኣርከ፡ ኣጵሎስ እንታይ እዩ፧ ጳውሎስሲ እንታይ እዩ፧ ከምቲ ጐይታ ንነፍሲ ወከፍ ዝሃቦ፡ ብኣታቶም ኣቢልኩም ዝኣመንኩም ኣገልገልቲ እዮም።  ኣነ ተኸልኩ፡ ኣጵሎስ ኣስተየ፡ ኣምላኽ ግና ኣብቈለ፣  ስለዚ፡ እቲ ዜብቍል ኣምላኽ ደኣ እምበር፡ እቲ ዚተክል ወይስ እቲ ዜስቲ ዚዓብሶ የብሉን።  እቲ ዚተክልን እቲ ዜስትን ሓደ እዮም፣ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ጻዕሩ ዓስቡ ኪቕበል እዩ።  ምኽንያቱ፡ ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና። ንስኻትኩም ሕርሻ ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም። 10  ከምቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ፡ ከም ብልሂ ሃናጻይ መሰረት ሰሪተ እየ፣ ካልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንጽ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ግና ከመይ ገይሩ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዚሃንጽ ይጠንቀቕ። 11  ከመይሲ፡ ብዘይካ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ኪስርት ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። 12  ሓደ እኳ ኣብ ልዕሊ እዚ መሰረት እዚ ብወርቂ፡ ብብሩር፡ ብኽቡር እምኒ፡ ብዕንጨይቲ፡ ብድርቋ፡ ወይስ ብሓሰር እንተ ሃነጸ፡ 13  እታ መዓልቲ እቲኣ ብሓዊ ስለ እትግለጽ፡ ክትቀልዖ እያ እሞ፡ ዕዮ ነፍሲ ወከፍ ኪግሃድ እዩ፣ እቲ ሓዊ ኸኣ ዕዮ ነፍሲ ወከፍ ከመይ ምዃኑ ኺፍትኖ እዩ። 14  እቲ ኣብቲ መሰረት ዝሃነጸ ዘበለ፡ ዕዮኡ እንተ ጸንዓሉ፡ ዓስቢ ኪቕበል እዩ፣ 15  እቲ ዕዮኡ እንተ ነደደ ግና፡ ኪኸስር እዩ፣ ንሱ ንባዕሉ ግና ኪድሕን እዩ፣ ግናኸ፡ ከምቲ ብሓዊ ሓሊፉ ዝደሓነ እዩ። 16  ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ከም ዚሓድርንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 17  ሓደ እኳ ንቤተ መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣዕነዋ፡ ኣምላኽ ኬዕንዎ እዩ፣ ከመይሲ፡ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፣ እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ እውን ንስኻትኩም ኢኹም። 18  ሓደ እኳ ንርእሱ ኣየስሕት፦ ገለ ኻባኻትኩም ኣብዚ ስርዓት ዓለም እዚ ጥበበኛ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ጥበበኛ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ዓሻ ይኹን። 19  ከመይሲ፡ “ንጥበበኛታት ብጕርሖም ይሕዞም” ዚብል ተጻሒፉ እዩ እሞ፡ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት እያ። 20  “የሆዋ፡ ሓሳብ እቶም ጥበበኛታት ከንቱ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ” ዚብል እውን ኣሎ። 21  ስለዚ፡ ኵሉ ናታትኩም እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ብሰብ ኣይመካሕ፣ 22  ጳውሎስ ኰነ፡ ኣጵሎስ ኰነ፡ ኬፋ ዀነ፡ ዓለም ኰነት፡ ህይወት ኰነት፡ ሞት ኰነ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ኵሉ ናታትኩም እዩ፣ 23  ንስኻትኩም ድማ ናይ ክርስቶስ ኢኹም፣ ክርስቶስ ከኣ ናይ ኣምላኽ እዩ።

እግረ ጽሑፍ