ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

1 ቈረንቶስ 2:1-16

2  ኣሕዋተየ፡ ኣነ ናባኻትኩም ኣብ ዝመጻእኩሉ እዋን፡ ነቲ ቕዱስ ምስጢር ኣምላኽ ብብሉጽ ዘረባ ወይ ብጥበብ እናነገርኩ ኣይመጻእኩን።  ከመይሲ፡ ምሳኻትኩም ከለኹ፡ ብዘይካ ኣብ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ኣብ ካልእ ከየተኵር ወሰንኩ።  ብድኻምን ብፍርሃትን ብብዙሕ ምንቅጥቃጥን ድማ እየ ዝመጻእኩኹም፣  ዘረባይን ስብከተይን ድማ ብመርኣያ መንፈስን ሓይልን እምበር፡ ብዚሓብል ቃላት ጥበብ ኣይነበረን፣  እዚ ዝገበርኩ ኸኣ፡ እምነትኩም ብጥበብ ሰብ ዘይኰነስ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ ምእንቲ ኽትከውን እየ።  ኣብ መንጎ እቶም ብሱላት፡ ጥበብ ንዛረብ ኢና፣ ጥበብ እዚ ስርዓት ዓለም እዚ ወይስ ጥበብ እቶም ዚሓልፉ ገዛእቲ እዚ ስርዓት ዓለም እዚ ግና ኣይኰነን።  የግዳስ፡ እቲ ኣምላኽ ቅድሚ እዚ ስርዓት ዓለም እዚ ንኽብርና ኣቐዲሙ ዝመደቦ፡ ሕቡእ ጥበብ ዝዀነ ኣብ ቅዱስ ምስጢር ዘሎ ጥበብ ኣምላኽ ኢና እንዛረብ።  ካብ ገዛእቲ እዚ ስርዓት ዓለም እዚ ሓደ እኳ ነዚ ጥበብ እዚ ኣይፈለጦን፣ እንተ ዚፈልጥዎስ፡ ነቲ ኽቡር ጐይታ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም።  ግናኸ፡ ከምቲ፡ “እቲ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ዘዳለወሎም፡ ዓይኒ ኣይረኣየቶን፡ እዝኒ ኸኣ ኣይሰምዓቶን፡ ኣብ ልቢ ሰብ እውን ኣይተሓስበን” ዚብል እተጻሕፈ እዩ። 10  ከመይሲ፡ እቲ መንፈስ ንዅሉ፡ ንመዓሙቝ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ፡ ይምርምር እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ብመንፈሱ ገይሩ ንዓና እዩ ገሊጹልና። 11  እቲ ኣብ ሰብ ዘሎ ናይ ገዛእ ርእሱ መንፈስ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ዚፈልጥ እንታዋይ ሰብ እዩ፧ ከምኡ ድማ መንፈስ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። 12  ንሕና ኸኣ፡ እቲ ብኣምላኽ ብለውሃት እተዋህበና ምእንቲ ኽንፈልጥሲ፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ መንፈስ እምበር፡ መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን። 13  እዚ ድማ መንፈሳዊ ነገራት ብመንፈሳዊ ቓላት ጌርና ኽንገልጽ ከለና፡* እቲ መንፈስ ብዚምህረሉ ቓል ኣቢልና እምበር፡ ጥበብ ሰብ ብዚምህረሉ ቓል ኣይኰንናን እንዛረብ። 14  ግናኸ፡ ስጋዊ ሰብ ነቲ ናይ መንፈስ ኣምላኽ ዘበለ ኣይቅበሎን እዩ፣ ከመይሲ፡ እዚ ንዕኡ ዕሽነት እዩ፣ ብመንፈሳዊ መዳይ ዚምርመር ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ኪፈልጦ ኣይክእልን እዩ። 15  ግናኸ፡ መንፈሳዊ ሰብ ንዅሉ ይምርምር እዩ፣ ንሱ ንባዕሉ ግና ብሓደ እኳ ኣይምርመርን እዩ። 16  ከመይሲ፡ “ምእንቲ ኺምህሮስ፡ ሓሳብ የሆዋ ዚፈልጥ መን እዩ፧” ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ ኣሎና።

እግረ ጽሑፍ

1ቈረ 2:13 * ወይ፡ “መንፈሳዊ ነገራት ምስ መንፈሳዊ ቓላት ከነዛምድ ከለና።”