ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

1 ቈረንቶስ 16:1-24

16  ብዛዕባ እቲ ንቕዱሳት ዚኸውን ውጽኢት ከኣ፡ ነቲ ንጉባኤታት ገላትያ ዝሃብክዎ መምርሒ ስዓቡ።  እቲ ምውጻእ ገንዘብ ኣነ ምስ መጻእኩ ምእንቲ ኸይከውን፡ ኣብ ሰሰሙን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍኩም ከከም ዓቕሙ ኣዋህሊሉ የቐምጥ።  ኣነ ምስ መጻእኩ ግና፡ ነቶም ብደብዳበኹም ዝሰመርኩምዎም ሰባት፡ ነቲ ህያብ ልግስኹም ናብ የሩሳሌም ኬብጽሑ ኽሰድዶም እየ።  ኣነ እውን ናብኡ ክኸይድ ዜድሊ እንተ ዀነ፡ ምሳይ ኪኸዱ እዮም።  ብመቄዶንያ ኽሓልፍ እየ እሞ፡ ብመቄዶንያ ምስ ሓለፍኩ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ፣  ናብቲ ዝኸዶ ምእንቲ ኸተፋንዉኒ፡ ምናልባት ምሳኻትኩም እጸንሕ ወይ እኸርም እኸውን እየ።  የሆዋ እንተ ፈቐዶ፡ ገለ ግዜ ምሳኻትኩም ክጸንሕ ተስፋ እገብር ኣለኹ እሞ፡ ሕጅስ ከም ሓላፍ መገዲ ዀይነ ኽርእየኩም ኣይደልን እየ።  ኣብ ኤፌሶን ግና ክሳዕ በዓል ጰንጠቈስጠ* ኽጸንሕ እየ፣  ከመይሲ፡ ናብ ዕዮ ዜእቱ ዓብዪ ኣፍ ደገ ተኸፊቱለይ ኣሎ፣ ግናኸ፡ ብዙሓት ተጻረርቲ ኣለዉ። 10  ጢሞቴዎስ እንተ መጸ ግና፡ ከምዚ ኸማይ ዕዮ የሆዋ ይዓዪ ኣሎ እሞ፡ ምሳኻትኩም ብዘይ ስክፍታ ኸም ዚጸንሕ ግበሩ። 11  እምበኣር፡ ሓደ እኳ ኣይንዓቆ። ምስቶም ኣሕዋት እጽበዮ ኣለኹ እሞ፡ ናባይ ምእንቲ ኺመጽእ፡ ብሰላም ኣፋንውዎ። 12  ብዛዕባ ኣጵሎስ ሓውና ኸኣ፡ ምስቶም ኣሕዋት ናባኻትኩም ኪመጽእ ብዙሕ ተማሕጺነዮስ፡ ሕጂ ኺመጽእ ኣይደለየን፣ ምስ ጠዓሞ ግና ኪመጽእ እዩ። 13  ንቕሑ፡ ኣብ እምነት ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ፡ በርትዑ። 14  ኵሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር። 15  ኣሕዋተየ እዚ እምዕደኩም ኣለኹ፦ ቤተ ሰብ እስጢፋናስ በዅሪ ኣካይያ ኸም ዝዀኑ፡ ንምግልጋል ቅዱሳት ከኣ ገዛእ ርእሶም ከም ዝወፈዩ ትፈልጡ ኢኹም። 16  ንስኻትኩም እውን ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉን ነቶም ዚተሓባበሩን ዚጽዕሩን ተገዝእዎም። 17  እስጢፋናስን ፈርጡናጦስን ኣካይቆስን ነቲ ንስኻትኩም ኣብዚ ብዘይምህላውኩም ዝጐደለ መሊኦምዎ ስለ ዘለዉ፡ ኣብዚ ብምህላዎም ተሓጒሰ እየ። 18  ምኽንያቱ፡ ንመንፈሰይን ንመንፈስኩምን ኣቕሲኖምዎ ኣለዉ። እምበኣር፡ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ፍለጥዎም። 19  እተን ጉባኤታት እስያ* ሰላም ይብላኹም ኣለዋ። ኣኪላስን ጵርስኪላን ምስታ ኣብ ቤቶም ዘላ ጉባኤ ዀይኖም፡ ብጐይታ ብዙሕ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 20  ኵሎም ኣሕዋት ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ንሓድሕድኩም ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም ተበሃሃሉ። 21  እዛ ሰላምታ እዚኣ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብኢደይ ዝጸሓፍክዋ እያ። 22  ንጐይታና ዘይፈትዎ እንተሎ፡ ርጉም ይኹን። ኦ ጐይታና፡ ንዓ! 23  ጸጋ ጐይታና የሱስ ምሳኻትኩም ይኹን። 24  ፍቕረይ ምስ ኵላትኩም እቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ዘሎኩም ትኹን።

እግረ ጽሑፍ

1ቈረ 16:8 * ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ጰንጠቈስጠ” ርአ።
1ቈረ 16:19 * ኣብ ግብ 2:9፡ ኣብ እግረ ጽሑፍ ርአ።