ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

1 ቈረንቶስ 10:1-33

10  ኣሕዋተየ፡ ኣቦታትና ዅላቶም ኣብ ትሕቲ ደበና ኸም ዝነበሩን ኵላቶም ባሕሪ ኸም እተሳገሩን፡ ክትፈልጡ እደልየኩም እየ፣  ኵላቶም ድማ ብደበናን ብባሕርን ናብ ሙሴ ተጠምቁ፣  ኵላቶም ከኣ ሕደ መንፈሳዊ ምግቢ በልዑ፣  ኵላቶም እውን ሕደ መንፈሳዊ መስተ ሰተዩ። ከመይሲ፡ ካብቲ ዝሰዓቦም መንፈሳዊ ኸውሒ ሰትዮም እዮም፣ እቲ ኸውሒ ኸኣ ክርስቶስ እዩ።  ግናኸ፡ ኣምላኽ ብመብዛሕትኦም ባህ ኣይበሎን፣ ስለዚ፡ ኣብ በረኻ ተወድኡ።  እዚ ኸኣ፡ ከምቲ ንሳቶም እተመነይዎ፡ ንሕና እውን እከይ ምእንቲ ኸይንምነ፡ መለበሚ ዀነና።  “እቶም ህዝቢ ኺበልዑን ኪሰትዩን ተቐመጡ፡ ኪስሕቁ እውን ተንስኡ” ዚብል ከም እተጻሕፈ፡ ከምቲ ገሊኣቶም ዝገበርዎ፡ ኣምለኽቲ ጣኦት ኣይትኹኑ።  ከምቲ ገሊኣቶም ዝመንዘሩ እሞ ብሓንቲ መዓልቲ 23,000 ዝወደቑ፡ ኣይንመንዝር።  ከምቲ ገሊኣቶም ዝፈተንዎ እሞ ብኣትማን ዝጠፍኡ፡ ንየሆዋ ኣይንፈትኖ። 10  ከምቲ ገሊኣቶም ዘጕረምረሙ እሞ በቲ መጥፍኢ ዝጠፍኡ፡ ኣይነጕረምርም። 11  እዚ መለበሚ ኪኸውን እዩ ዝበጽሖም፣ ንዓና እቲ መወዳእታ ስርዓት ዓለም ንዘርከበና እውን ንመጠንቀቕታ ኪዀነና እዩ እተጻሕፈ። 12  ስለዚ፡ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ። 13  ንሰብ ዘይበጽሖ ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ግናኸ፡ ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ኽትፍተኑ ኣይሓድገኩምን እዩ፣ የግዳስ፡ ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ምስቲ ፈተና መዋጽኦ ገይሩልኩም ኣሎ። 14  ፍቑራተየ፡ ስለዚ፡ ካብ ኣምልኾ ጣኦት ህደሙ። 15  ከም ንኣስተውዓልቲ እየ ዝዛረብ ዘለኹ፣ ነቲ ዝብሎ ዘለኹ ባዕላትኩም ፍረድዎ። 16  እታ እንባርኻ ጽዋእ በረኸት ካብ ደም ክርስቶስ ምክፋል ደይኰነትን፧ እታ እንቘርሳ እንጌራኸ ኻብ ስጋ ክርስቶስ ምክፋል ደይኰነትን፧ 17  ኵላትና ኻብ ሓንቲ እንጌራ ተማቒልና ኢና እሞ፡ ሓንቲ እንጌራ ስለ ዘላ፡ ንሕና ብዙሓት ክነስና፡ ሓደ ሰብነት ኢና። 18  ነቶም ብስጋ እስራኤላውያን እሞ ርኣይዎም፦ እቶም ካብ መስዋእትታት ዚበልዑስ፡ ምስቲ መሰውኢዶ ኣይካፈሉን እዮም፧ 19  እንታይ ደኣ እብል ኣለኹ፧ ንጣኦታት እተሰውአዶ ገለ ነገር እዩ፧ ወይስ ጣኦትዶ ገለ ነገር እዩ፧ 20  ኣይፋሉን፣ እቲ ኣህዛብ ዚስውእዎ፡ ንኣጋንንቲ እዩ እምበር፡ ንኣምላኽ ኣይኰነን፣ ምስ ኣጋንንቲ ኽትካፈሉ ኸኣ ኣይደልየኩምን እየ። 21  ጽዋእ የሆዋን ጽዋእ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ኣይትኽእሉን ኢኹም፣ ካብ “መኣዲ የሆዋ”ን ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትምቀሉ ኣይትኽእሉን ኢኹም። 22  ወይስ “ንየሆዋዶ ኸነቕንኦ ኢና”፧ ካብኡዶ ንብርትዕ ኢና፧ 23  ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፣ ኵሉ ግና ኣይኰነን ዚጠቅም። ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፣ ኵሉ ግና ኣይኰነን ዚሃንጽ። 24  ነፍሲ ወከፍ፡ ጥቕሚ ኻልእ ደኣ እምበር፡ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ። 25  ኣብ ዕዳጋ ስጋ ዚሽየጥ ዘበለ ዅሉ፡ ስለ ሕልና ኢልኩም ገለ ኸይመርመርኩም ብልዑ፣ 26  ከመይሲ፡ “ምድርን እቲ መሊእዋ ዘሎን ናይ የሆዋ እዩ።” 27  ሓደ ኻብቶም ዘይኣመንቲ እንተ ዓደመኩም እሞ ኽትከዱ እንተ ደለኹም፡ ስለ ሕልና ኢልኩም ገለ ኸይመርመርኩም፡ እተቐረበልኩም ዘበለ ብልዑ። 28  ሓደ፡ “እዚ ንጣኦታት እተሰውአ እዩ” እንተ በለኩም ግና፡ ስለቲ ዝነገረኩምን ስለ ሕልናን ኢልኩም ኣይትብልዑ። 29  “ሕልና” ኽብል ከለኹ፡ ሕልና ኻልእ ደኣ እምበር፡ ሕልና ርእስኻ ማለተይ ኣይኰነን። ስለምንታይከ ሓርነተይ ብሕልና ኻልእ ዚፍረድ፧ 30  ብምስጋና እካፈል ካብ ኣለኹ፡ ስለምንታይ ደኣ በቲ ዘመስገንኩሉ ዝጽረፍ፧ 31  እምበኣር፡ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰተኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ። 32  ንኣይሁድ ኰነ ንግሪኻውያን ወይስ ንጉባኤ ኣምላኽ፡ መዐንቀፊ ኣይትኹኑ፣ 33  ኣነ እውን ምእንቲ ኺድሕኑስ፡ ጥቕሚ ብዙሓት እምበር፡ ጥቕሚ ርእሰይ ከይደለኹ፡ ብዅሉ ነገር ንዅሉ አሐጕስ ኣለኹ።

እግረ ጽሑፍ