ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

1 ቈረንቶስ 1:1-31

1  ካብቲ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ ኪኸውን እተጸውዐ ጳውሎስን ሶስቴነስ ሓውናን፡  ናብታ ኣብ ቈረንቶስ ዘላ ጉባኤ ኣምላኽ፡ ናባኻትኩም ናብቶም ብክርስቶስ የሱስ እተቐደስኩም፡ ምስቶም ስም እቲ ጐይታኦምን ጐይታናን ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ኵሉ ዚጽውዑ ዘበሉ ዅላቶም ከኣ ቅዱሳት ክትኰኑ እተጸዋዕኩም፦  ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም።  ስለቲ ብክርስቶስ የሱስ እተዋህበኩም ጸጋ ኣምላኽ፡ ኵሉ ሳዕ ብዛዕባኹም ንኣምላኽ አመስግኖ እየ፣  ምኽንያቱ፡ ብዅሉ፡ ማለት ብዅሉ ዘረባን ብዅሉ ፍልጠትን ሃብቲምኩም ኢኹም፣  ብዛዕባ ክርስቶስ እተዋህበ ምስክርነት ከኣ ኣባኻትኩም ጸኒዑ እዩ፣  ግልጸት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ተሃንጢኹም እናተጸበኹም ድማ፡ ዋላ ሓንቲ ውህበት ኣይጐደለኩምን።  ኣምላኽ እውን፡ ብመዓልቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ መንቀፊ ዘይብልኩም ክትኰኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ኼጽንዓኩም እዩ።  እቲ ምስ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ጐይታና ሕብረት ኪህልወኩም ዝጸውዓኩም ኣምላኽ እሙን እዩ። 10  ኣሕዋተየ፡ ኵላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ኣእምሮን ብሓደ ሓሳብን ክትሰምሩ እምበር፡ ኣብ መንጎኹም ፍልልይ ከይህሉ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እምዕደኩም ኣለኹ። 11  ኣሕዋተየ፡ ኣብ መንጎኹም ፍልልይ ከም ዘሎ፡ ብዛዕባኹም እንዳ ቀሎኤ ነጊሮምኒ ኣለዉ። 12  ማለተይ፡ ነፍሲ ወከፍኩም፡ “ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፡” “ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ፡” “ኣነስ እባ ናይ ኬፋ፡” “ኣነስ እባ ናይ ክርስቶስ” ትብሉ ኢኹም። 13  ክርስቶስ ተመቓቒሉ ኣሎ። ጳውሎስዶ ተሰቒሉልኩም እዩ፧ ወይስ ብስም ጳውሎስዶ ተጠሚቕኩም ኢኹም፧ 14  ብዘይካ ንክሪስጶስን ንጋይዮስን፡ ንሓደ ኻባኻትኩም እኳ ስለ ዘየጥመቕኩ፡ አመስግን እየ፣ 15  ስለዚ፡ ሓደ እኳ ብስመይ ከም እተጠመቕኩም፡ ኪብል ኣይክእልን እዩ። 16  ንቤተ ሰብ እስጢፋናስ እባ ኸኣ ኣጥሚቐዮም እየ። ብዛዕባ ዝተረፉ ግና፡ ንኻልእ ኣጥሚቐ እንተ ዀይነ፡ ኣይፈልጥን እየ። 17  ጕንዲ ስቅያት ክርስቶስ ከንቱ ምእንቲ ኸይከውንሲ፡ ክርስቶስ፡ ከጥምቕ ዘይኰነስ፡ ብዘይ ጥበብ ዘረባ ኸበስር እዩ ልኢኹኒ። 18  ከመይሲ፡ ዘረባ ጕንዲ ስቅያት ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፣ እንድሕን ንዘለና ንዓና ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። 19  ምኽንያቱ፡ “ጥበብ እቶም ጥበበኛታት ከጥፍእ እየ፣ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲ እውን ከወግድ እየ” ዚብል ተጻሒፉ እዩ። 20  ጥበበኛ ኣበይ ኣሎ፧ ጸሓፊ* ኣበይ ኣሎ፧ ተማጓቲ እዚ ስርዓት ዓለም እዚ ኣበይ ኣሎ፧ ኣምላኽ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣዶ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ፧ 21  ስለዚ፡ ዓለም ብጥበባ ንኣምላኽ ከም ጥበብ ኣምላኽ ገይራ ኻብ ዘይፈለጠቶ፡ ኣምላኽ ነቶም ዚኣምኑ ብዕሽነት እቲ እተሰብከ ገይሩ ኼድሕኖም ባህ በሎ። 22  ከመይሲ፡ ኣይሁድ ትእምርትታት ይልምኑ፡ ግሪኻውያን ድማ ጥበብ ይደልዩ፣ 23  ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድ መዐንቀፊ፡ ንኣህዛብ ከኣ ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣለና፣ 24  ግናኸ፡ ነቶም እተጸውዑ ኣይሁድ ኰኑ ግሪኻውያን፡ ክርስቶስ ሓይሊ ኣምላኽን ጥበብ ኣምላኽን እዩ። 25  ምኽንያቱ፡ ካብ ሰብሲ ዕሽነት ኣምላኽ ይጠብብ፣ ካብ ሰብ ከኣ ድኽመት ኣምላኽ ይብርትዕ። 26  ኣሕዋተየ፡ መነመን ከም እተጸዋዕኩም እሞ ተመልከቱ፣ ብዙሓት ብስጋ ለባማት፡ ብዙሓት ሓያላት፡ ብዙሓት ደቂ ዓበይቲ ኣይተጸውዑን፣ 27  ኣምላኽ ግና ነቶም ጥበበኛታት ምእንቲ ኼሕፍርሲ፡ ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ ሓረየ፣ ኣምላኽ ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ኼሕፍር ከኣ፡ ንድኽመት እዛ ዓለም እዚኣ ሓረየ፣ 28  ኣምላኽ ነቲ ሕሱር እዛ ዓለም እዚኣን ነቲ ንዑቕን ሓረየ፣ ማለት ነቲ ዚኸውን ከንቱ ምእንቲ ኺገብር፡ ነቲ ዘይከውን ሓረየ፣ 29  ከምኡ ዝገበረ ኸኣ ስጋ ዘበለ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይምካሕ እዩ። 30  ግናኸ፡ ንስኻትኩም ሳላኡ ኢኹም ምስቲ ኻብ ኣምላኽ ጥበብን ጽድቅን ቅድስናን ብጀዋን ዝዀነልና ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ዘሎኩም፣ 31  እዚ ድማ ከምቲ፡ “እቲ ዚምካሕ፡ ብየሆዋ ይመካሕ” ዚብል እተጻሕፈ ምእንቲ ኪኸውን እዩ።

እግረ ጽሑፍ

1ቈረ 1:20 * ማለት፡ ምሁር እቲ ሕጊ።