ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ፊልጲ 3:1-21

3  ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ብጐይታ ተሓጐሱ። እዚ መሊሰ ምጽሓፈይ፡ ንረብሓኹም ስለ ዝዀነ፡ ንዓይ ዜሸግረኒ ኣይኰነን።  ካብ ኣኽላባት* ተጠንቀቑ፡ ካብ ገበርቲ እከይ ተጠንቀቑ፡ ስጋ ኻብ ዚቘርጹ ተጠንቀቑ።  ንሕና ብመንፈስ ኣምላኽ ስለ እነገልግልን ብክርስቶስ የሱስ ስለ እንምካሕን ብስጋ ስለ ዘይንተኣማመንን፡ ብናይ ሓቂ ግዝረት እተገዘርና ኢና።  ብስጋ መተኣማመኒ ዘለዎ እንተሎ፡ ኣነ እውን ኣሎኒ። ብስጋ መተኣማመኒ ዘለዎ ዚመስሎ እንተሎ፡ ኣነ ዝያዳ ኣሎኒ፦  ብሻምነይቲ መዓልቲ እተገዘርኩ፡ ካብ ዓሌት እስራኤል፡ ካብ ነገድ ብንያም፡ እብራዊ ኻብ እብራውያን፡ ንሕጊ ብዚምልከት ፈሪሳዊ እየ፣  ንቕንኣት ብዚምልከት ንጉባኤ ዝሰጐጕኩ፡ ብሕጊ ንዚርከብ ጽድቂ ብዚምልከት መንቅብ ዘይብለይ እየ።  እዚ ንዓይ ረብሓ ዝነበረ ግና፡ ስለ ክርስቶስ ኢለ ኸም ክሳራ ቘጸርክዎ።*  እኳ ደኣስ፡ ስለቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ፡ ኵሉ ኸም ክሳራ ቘጸርክዎ። ስሊኡ ዅሉ ኸሰርኩ፡ ከም ጐሓፍ ድማ ቈጸርክዎ፣ እዚ ዝገበርኩ ኸኣ፡ ንክርስቶስ ምእንቲ ኽረብሕ፡  ሳላ እቲ ሕጊ ብምስዓብ ዚህልወኒ ናይ ርእሰይ ጽድቂ ዘይኰነስ፡ ሳላ እቲ ብክርስቶስ ብምእማን ዚርከብ ጽድቂ፡—ኣብ እምነት እተመስረተ ኻብ ኣምላኽ ዚርከብ ጽድቂ፡—ምስኡ ሓድነት ዘሎኒ ዀይነ እውን ምእንቲ ኽርከብ እየ። 10  ብዘይካዚ፡ ንዕኡን ንሓይሊ ትንሳኤኡን ምእንቲ ኽፈልጥ ኢለ፡ ንኸም ናቱ ዝኣመሰለ ሞት ርእሰይ እናኣግዛእኩ ድማ ኣብ መከራኡ ምእንቲ ኽካፈል ኢለ፡ 11  ብገለ እውን ናብቲ ዝቐደመ ትንሳኤ ምዉታት እንተ በጻሕኩ ኢለ እየ። 12  ነቲ ብክርስቶስ የሱስ እተሓረኹሉ እንተ ረኸብክዎ ኢለ እግስግስ ኣለኹ እምበር፡ ድሮ ኣይረኸብክዎን፡ ወይስ ድሮ ፍጹም ኣይኰንኩን። 13  ኣሕዋተየ፡ ከም ዝረኸብክዎ ገይረ ንርእሰይ ገና ኣይቈጽራን እየ፣ ሓደ ነገር ግና፡ ነቲ ብድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ናብቲ ብቕድመይ ዘሎ ድማ እናተመጣጠርኩ፡ 14  ናብቲ ሸቶ ኣቢለ፡ ናብቲ ሽልማት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እግስግስ ኣለኹ። 15  እምበኣር፡ እቶም ብሱላት ዘበልና፡ እዚ ንሕሰብ፣ ብገለ ሓሳብኩም ንበይኑ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ኣምላኽ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣረኣእያ ኺገልጸልኩም እዩ። 16  ዝዀነ ዀይኑ፡ በቲ በጺሕናዮ ዘለና መጠን፡ ብሓደ መገዲ ንመላለስ። 17  ኣሕዋተየ፡ ብሓባር ንዓይ ምሰሉ፡ ናብቶም ንሕና ምስ ዝሓደግናልኩም ኣርኣያ ተሰማሚዖም ዚመላለሱ ጠምቱ። 18  ከመይሲ፡ ብዙሕ ሳዕ ዝጠቕሶም ዝነበርኩ፡ ሕጂ እውን እናበኸኹ ዝጠቕሶም፡ ብዙሓት ጸላእቲ ጕንዲ ስቅያት ክርስቶስ ኰይኖም ይመላለሱ ኣለዉ። 19  መወዳእታኦም ጥፍኣት እዩ፣ ኣምላኾም ከብዶም እዩ፣ ክብሮም ኣብ ዜሕፍር ተግባሮም እዩ፣ ሓሳቦም ከኣ ናይ ምድሪ እዩ። 20  ንሕና ግና ዜጋታት ሰማይ ኢና፣ ካብኣ ድማ መድሓኒ፡ ንሱ ኸኣ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ተሃንጢና ንጽበ ኣሎና። 21  ንሱ በቲ ንዅሉ ዚገዝኣሉ ዓብዪ ሓይሉ ገይሩ ነዚ እተዋረደ ሰብነትና ለዊጡ፡ ነቲ ኽቡር ሰብነቱ ኼምስሎ እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ፊል 3:2 * ማለት፡ ብስነ ምግባራዊ መዳይ ዜፈንፍኑ።
ፊል 3:7 * ወይ፡ “ብፍታው ጠንጠንክዎ።”