ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ፊልጲ 2:1-30

2  እምበኣር፡ ብክርስቶስ ገለ መተባብዒ፡ ወይስ ገለ መጸናንዒ ፍቕሪ፡ ወይስ ገለ ምክፋል መንፈስ፡ ወይስ ገለ ልባዊ ፍቕርን ርሕራሐን እንተሎ፡  ብሓንቲ ሓሳብ ብምዃንኩም፡ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምህላውኩም፡ ምሉእ ብምሉእ ሓድነት ሃልዩኩም፡* ሓደ ሓሳብ ብምሕሳብኩም፡ ሓጐሰይ ምሉእ ግበርዎ።  ንህልኽ ወይ ንኽትንየቱ ኢልኩም ሓንቲ እኳ ኣይትግበሩ፣ ብትሕትና ግና ንኻልኦት ካብ ርእስኹም ኣብሊጽኩም ርኣዩ።  ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ።  እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ፡ ኣባኻትኩም እውን ይሃሉ፣  ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ማዕረ ኣምላኽ ኪኸውን ኢሉ ኺምንዝዕ ኣይሓሰበን።  የግዳስ፡ ገዛእ ርእሱ ባዶ ገበረ፡ መልክዕ ባርያ ወሰደ፡ ሰብ እውን ኰነ።  ከም ሰብ ኰይኑ ምስ መጸ* ድማ፡ ርእሱ ኣትሓተ፡ ክሳዕ ሞት፡ አረ ኽሳዕ ሞት ኣብ ጕንዲ ስቅያት እኳ ተኣዘዘ።  ስለዚ ኸኣ፡ ኣምላኽ ናብ ዝለዓለ ቦታ ልዕል ኣበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስም እውን ብለውሃት ሃቦ። 10  ከምኡ ዝገበረ፡ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡ 11  ኵሉ ልሳን እውን ንኽብሪ ኣቦና ኣምላኽ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ ምእንቲ ኺእመን እዩ። 12  ስለዚ፡ ፍቑራተየ፡ ከምቲ ምሳኻትኩም ከለኹ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሕጂ ምሳኻትኩም ከየለኹ እውን ብዝያዳ ዅሉ ሳዕ እተኣዘዝኩም፡ ብፍርሃትን ብምንቅጥቃጥን ድሕነትኩም ፈጽሙ። 13  ከመይሲ፡ እቲ ምእንቲ ፍታዉ ኢሉ፡ ንዓኻትኩም ድሌትን ንኽትገብሩ ዓቕምን ብምሃብ ዜበርትዓኩም ኣምላኽ እዩ። 14  ንዅሉ ብዘይ ምጕርምራምን ብዘይ ክርክርን ግበርዎ፣ 15  ከምኡ እትገብሩ ኸኣ፡ ኣብ መንጎ እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ፡ መንቅብ ዘይብሎምን ገርህታትን ኣበር ዘይብሎም ውሉዳት ኣምላኽ ኴንኩም፡ ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ እዩ። 16  በታ መዓልቲ ክርስቶስ ንኸንቱ ኸም ዘይጐየኹ ወይስ ንኸንቱ ኸም ዘይጸዓርኩ ፈሊጠ መፈስሂ ምእንቲ ኽረክብ፡ ነቲ ቓል ህይወት ኣጽኒዕኩም ሓዝዎ። 17  ግናኸ፡ ኣብቲ ብእምነትኩም ተደሪኽኩም እትገብርዎ መስዋእትን ኣገልግሎትን ከም መስዋእቲ መስተ እክዖ እኳ እንተ ኣለኹ፡ ባህ ይብለንን ምስ ኵላትኩም እሕጐስን እየ። 18  ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ባህ ይበልኩምን ምሳይ ተሓጐሱን። 19  ብዛዕባኹም ሰሚዐ ምእንቲ ኽተባባዕ ከኣ፡ ንጢሞቴዎስ ቀልጢፈ ኽልእከልኩም ብጐይታና የሱስ ተስፋ ገይረ ኣለኹ። 20  ብዛዕባኹም ናይ ሓቂ ዚሓልስ፡ ካልእ ከምኡ የብለይን። 21  ከመይሲ፡ ኵላቶም ናይ ርእሶም ጥቕሚ እዮም ዚደልዩ እምበር፡ ናይ ክርስቶስ የሱስ ኣይኰነን። 22  ግናኸ፡ ከምቲ ውሉድ ንኣቦኡ ዚዀኖ ዀይኑ፡ ነቲ ብስራት ብምግልጋል፡ ብዛዕባ ርእሱ ዘቕረቦ መርትዖ ትፈልጡ ኢኹም። 23  እምበኣር፡ ኵነታተይ ምስ ረኣኹ፡ ቀልጢፈ ንዕኡ ኽልእከልኩም ተስፋ እገብር ኣለኹ። 24  ኣነ ባዕለይ እውን ቀልጢፈ ኸም ዝመጽእ፡ ብጐይታ እተኣማመን እየ። 25  ንሕጂ ግና ነቲ ሓወይን መዓይይተይን ብጻየይ ወተሃደርን ዝዀነ፡ ብዜድልየኒ ዘበለ ኼገልግለኒ ኸኣ ዝለኣኽኩምዎ ኤጳፍሮዲጦስ ክልእከልኩም ኣድላዪ ዀይኑ ረኺበዮ ኣለኹ። 26  ምኽንያቱ፡ ንሱ ንዅላትኩም ኪርእየኩም ናፊቑ ኣሎ፡ ምሕማሙ ብምስማዕኩም ከኣ ተጨኒቑ ኣሎ። 27  አረ ሓሚሙስ ናብ ሞት ቀሪቡ ነይሩ እዩ፣ ኣምላኽ ግና ምሒርዎ፣ ሓዘን ኣብ ልዕሊ ሓዘን ምእንቲ ኸይውሰኸኒ፡ ንዓይ እውን እምበር፡ ንዕኡ ጥራይ ኣይኰነን ዝመሓሮ። 28  ስለዚ፡ ምስ ረኣኹምዎ፡ ከም ብሓድሽ ምእንቲ ኽትሕጐሱ፡ ኣነ እውን ጭንቀተይ ምእንቲ ኪቐልለለይ፡ ተቐላጢፈ እልእኮ ኣለኹ። 29  እምበኣር፡ ብዅሉ ሓጐስ ብጐይታ ተቐበልዎ፣ ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኸኣ ኣኽብርዎም፣ 30  ከመይሲ፡ ንሱ ነቲ ንስኻትኩም ኣብዚ ብዘይምህላውኩም ዝጐደለኒ ኣገልግሎት ምእንቲ ኺምልእ ኢሉ፡ ስለ ዕዮ ጐይታ ነፍሱ ቐቢጹ፡ ናብ ሞት ቀሪቡ ነበረ።

እግረ ጽሑፍ

ፊል 2:2 * ቃል ብቓሉ፡ “ብነፍሲ ሓቢርኩም።”
ፊል 2:8 * ቃል ብቓሉ፡ “ከም ሰብ መሲሉ ምስ ተረኽበ።”